S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም በይ ኤርያ

ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን

ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ እንቛዕ ናብ በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሓንን ኣብጽሓና፤ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ-ራህዋን፡ ሰላምን ጥዕናን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።

ብምቕጻል: ንዕለት 29 ጥሪ 2011 ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ሊቃውንትን ብዙሓት ዕዱማትን ኣብ ዝርከብሉ ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስትያንና ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓመታዊ ክብረ በዓል እነብዕለሉን በረኸት እንቅበለሉን መዓልቲ ስለዝኾነ፥ ንኹሎም ምእመናን ብኽብሪ ንዕድም። ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል: እዚ ዝስዕብ መደባት ተሰሪዑልና ኣሎ።

ዓርቢ (ጥሪ 28,2011)

ቀዳም  (ጥሪ 29, 2011)

ስንበት ጥሪ 30,2011

 

ንቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን፡
ንሃገርናን ቤተ ክርስትያንናን  ድማ ሰላሙ ይሃብ።

 

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን . ማርያም ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።
301 Dowling blvd San Leandro, CA 94577.
Phone:(510) 593-3819
Hits: 2839