S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ልዕሊ ውጉዝ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ተሪር ማዕቀብ ንኽግበር ጽኑዕ ምሕጽንታ ቀሪቡ!

እቲ ኣቐዲሙ ብዕለት 13 ጥሪ 2006 ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣምላኽ 3 ፓትርያርክ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ካብ ሃይማኖት

ተዋህዶን ካብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን ከም ኣርዮስ ዝተወገዘ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ፡ ብዓመጻ፡ ሕጊ ጥሒሱ ይነብር ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር እንሆ ሎሚውን ጸሎትን ንብዓትን ኩሎም ግፉዓት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር በጺሑስ ብኮምሽን ዓለም-ለኻዊ ተጣባቂ ሃይማኖታዊ ነጻነት (USCIRF) ኣብ ልዕሊኡን ልዕሊ መሻርኽቱን ብመገሻ ከይንቀሳቐስን ሃብቱን ንብረትን ክዝሕትል ተሪር ማዕቀብ ክግበረሉ ጽኑዕ ምሕጽንታ ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ቀሪቡ ንውሳኔ ይጽበ ከም ዘሎ ብማዕከናት ዜና ዓለም ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ሰብ ንመንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ረጊጹ ናይ ውልቁ ሕጊ ቀይሩ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ናይ ዓመጽ በትሩ ብምዝርጋሕ ንጥንታዊ ገዳማትን ኣድባራትን ዘዕኑን ዘማስንን ዘሎ ፍጡር እዩ።


እከይ ግብሪ ናይ ዮፍታሄ ቀሺ ድሜጥሮስ፡ ዓለም ምሉእ ፈሊጥዎ ከም ዘሎ፡ ኣብቲ ዝወደቐ ሥርዓት ኢትዮጵያ ቀንዲ ኣምባሳደር ኮይኑ ‘’ኣምላኽ የሎንዝብል ዝነበረ ከሓዲ ሰብ እዩ። ሎሚ ከኣ ጊዜን በትረ ሥልጣንን ረኺቡ ኣብ መንበር ሃይማኖትና ተቐሚጡ ‘’ዋና ኣማሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣነ እየ’’ ኢሉ ብድፍረት ካብ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚሩ ንብዙሓት ሊቃውንትን መነኮሳትን እናሃደነ፥ ኣብ ጸልማት ማእሰርቲ ዘዳጕኖም ዘሎ በዓል እዋን ምዃኑውን ድሮ ተፈሊጡ ኣሎ። ብተወሳኺውን ንገለ ጎደሎ እምነትን ናይ ዕንወት ተሓባበርትን ሰባት ኣኸቲሉ፡ ሞባእን ንዋየ-ቅዱሳትን እናዘመተ ፈጻምን ኣፈጻምን ኩሉ ጉዳያት ኦርቶዶክስ እናበለ ብኽሕደት ዝነብር ዘሎ ውጉዝ ዓመጸኛ ስለዝኾነ ማዕቀብ ምድራዊ መገሻ ይግበረሉ ኣሎ። እቲ ዝኸበደ ግና ብስም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቃል ውግዘትን ናይ ሰማያዊ ጉዕዞ ማዕቀብ ምዃኑ ክርድኦ ይግባእ።


ኣብ መደምደምታ ውጉዝ ዮፍታሄን ሃብቶም ርእሶምን ብስም እግዚኣብሔር ተወጊዞም ከለዉ፡ ኣብ ክንዲ ጣዕሳን ንስሓን ብንዕቀት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ድላዮም ይገብሩ ከምዘለዉ ካብ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ‘’ከትሪ ንኸታሪ የጥፍኦ፥ እቲ ብዓመጽ ዝነብር ሰብ ከኣ ብኸምኡ ይጠፍእ’’ (ምሳ 119) ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብን ሓሲሮም ካብ ዓለማዊ መነባብርኦም ብነፍስን ብሥጋን ክውገዙን ክዅነኑን ዝግብኦም ትዕቢተኛታት ሰባት ብምዃኖም ንደለይቲ ሓቅን ቅኑዓት ኣመንትን ዘሐጉስ እዋናዊ ዜና ኮይኑ ኣሎ።

"ኣምላኽ ይተንሥእ፥ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ" መዝ 681

Hits: 2560