S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ

በዓል-ልደት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ብርሃን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ። እቲ በዓል ረብዕ ምሸት 6 ጥሪ 2010 . ብዋዜማ ጀሚሩ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ ድማ ብስርዓተ ቅዳሴ ተዛዚሙ። ኣብዚ ክቡር በዓል ልደት': ብርክት ዝበሉ ብባህላዊ ልብሲ ዘጌጹ ምእመናን ብምርካቦም ድማ ንበዓል-ልደት' ተወሳኺ ግርማ ሂብዎ።

ብሰንበት 10 ጥሪ 2009 . ድማ ንምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ ብዛዕባ ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቀሪቡ። እዚ ተዋስኦ' ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍሉይ ኮይኑ ነቲ ክቡር በዓል ልደት-ክርስቶስ ብግቡእ ዝገልጽ: ንምእመናን ዝመሰጠ ተዋስኦ እዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር ንተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ቅድስት ስላሴ ክባርኽ ምእመናን ብጸሎት ግድግፍዎም ንምሕጸን።

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያን ተዋህዶን መራሒኣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ይባርኽ: ንህዝብና ድማ ሰላም ይኣውጀሉ።

ቤተክርስትያን ደብረብርሃን ቅድስት ስላሴ,
ከተማ ስያትል ዋሺንግቶን።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ መላግቦ’ዚ ተወከስ።

Hits: 2665