S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ 2ይ ጉባኤ መንእሰያት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ ተዛዚሙ

ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ መንእሰያት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምብራቓዊ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ፣ ካብ 25 ክሳብ 27 ሰነ 2009 ዓ.ም ኣብ ከተማ ራድፎርድ ክፍለ-ግዝኣት ቪርጂንያ ተኻይዱ።

ዓላማ ጉባኤ ብሓደ ወገን መንእሰያት ውሉድ ኣምላኽ ኮይኖም ንክዓብዩን ፍርሃት-ኣምላኽ ዘለዎ ወለዶ ንምፍራይን ክኸውን ኮሎ፣ በቲ ካልእ መዳዩ ድማ ቓል እግዚኣብሔር ኣብ መንእሰያት ብምስራጽ መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ንምውሓስ ዝዓለመ እዩ።

እምነት ክርስትና ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ኣብ ዝሕለነሉ ዘሎ እዋን፣ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ ምክያድ ድማ ነቲ ጥንታዊ እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕቃብ ተራ ክህልዎ እዩ።

ብትሕዝትኡ ኮነ ብኣቀራርብኡ መንፈሳዊ ሃብቲ ዝበዝሖ ጉባኤ ከምዝነበረ ድማ ተሳተፍቲ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ገለ ካብቲ ዝቐረበ ነገራት ኣብ መንፈሳዊ፣ ኣካዳሚን ስነ-ጥዕና ዘድሃቡ ሰሚናራት ድማ ተዋሂቡ።

ከም ዝዝከር፣ ተመሳሳሊ መደባት ዓመታዊ ጉባኤ መንእሰያት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ምዕራዊ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦረጎን (University of Oregon) ክፍለ-ግዝኣት ኦረጎን ንዝመጽእ ቀዳመ-ሰንበት ክካየድ ምኻኑ ኣቐድም ኣቢልና ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር እዩ። ውጺኢት ጉባኤ ድማ ኣብ እዋኑ ከነመሓላልፎ ኢና።

ነቲ ብዓወትን በረኸትን ጉባኤና ዘፈጸመና እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ

 

Hits: 2532