ኣብቲ ድሮ ብዋዜማ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ፡ ለይቲውን ብማኅሌት ዝቐጸለ ኣገልግሎት፡ ብቅዳሴ ተዛዚሙ። ዑደት ብምእመናን፡ ብመዘመራንን ሊቃውንቲን ተሰንዩ ድሕሪ ምክያዱ፡ ክቡር ኣቡነ ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቦ መንበር። “ ክርስቶስ በዚ ሎሚ ዕለት መዓልቲ ምሕረት ንህልዋት፡ መዓልቲ ምሕረት ንምዉታት ዘበሠረሉ፡ ደሙ ብምፍሳስ ንዓለም ዝቐደሰላ፡ ንዝበደልናዮም ዘይኮነስ፡ ንዝበደሉናውን ይቕረታን ምሕረትን ክንገብር ብቓልን ብግብርን ዝመሃረና ዕለት እዩ፡ እሞ ምሕረት ክንገብር ይግባእ። ካልኣይ ድማ፡ ብደሙ ዘጥረያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንሕሉን፡ ብሓቅን እምነትን ክንጸንዕ ይግባእ ብምባል ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም።ኣገልግሎት ብዑደትን ብጸሎትን ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኩሉ ኣማኒ ኣብቲ ዝተዳለወ እንግዶት ብሓጎስ፡ ብመዝሙርን ፍስሓን በረኸት መድኃኔ ዓለም ተኻፊሉ። ኣብ መወዳእታ፡ “ንዓመታ ከምዚ እዋን የብጽሓና ጐይታ” ብዚብል መዝሙር ተዛዚሙ፡ ንዝመጽእ ዓመት ብሰላም ተመንዩን ተመባጺዑን ሰርሖት (ስንብት) ኮይኑ።እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።በረኸት ቅድስና ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ኣይፈለየና። ኣሜን።