ናይታ ኣብ ካይሮ ግብጺ እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣገልገልቲ ዝኾነ ኣርባዕተ መንእሰያት ብ20 ለካቲት 2009 ዓ.ም መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም። ነዚ መዓርገ-ዲቁና ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ናይ ገዳም ቅዱስ ሚናስ ሓላፊ እዮም ተቐቢሎሞ።
እዞም መዓርገ-ዲቁና ዝተቐብኡ መንእሰያት: ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልቦም ከገልግልዎ ምእመናን ብጸሎት ክዝክርዎም ሓደራ ንብል። ኣብዚ ምፍራስ ሕጊ ዝገነነሉ ጊዜ: ሓዋርያዊ ሕግን እምነት ቤተ ክርስቲያንን ክትሕልዉ: ነታ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት ቤተ ክርስቲያን ከተገልግሉ እግዚኣብሔር ሓርዩኩም እዩ'ሞ ብእምነት ንበሩ። ኣብ ኩሉ ኣገልግሎትኩም ድማ እግዚኣብሔር የሰንኹም።
ነዚ ነገር'ዚ ክውን ዝገበረ እግዚኣብሔር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን።