S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ ዓመታዊ በዓልና ተኻፈልቲ ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም

ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንን ብሩኽ በዓል ልደት መድሓኒና ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና።
ቀጺልና ንጥሪ/January 24-25/ 2009 (ጥሪ ፲፯ ፲፰ 2001 .. ግእዝ) ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣስተርእዮታ እነብዕለሉ ዓመታዊ በዓልና ተኻፈልቲ ናይ ዝተፈላ መንፈሳዊ መደባት ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።       

ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ መድኃኔ ዓለም ብኣማላድነት . ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን፡ ካብ ኩለ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጸሎትን ምህለላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምሕጸን። ኣብዚ ክቡር በዓልዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ዝቐርብ እዚ ዝስዕብ መደባት ተሰሪዑ ኣሎ።

ዓርቢ (Jan 23/2009)-

800 - 500 .. ብክ/ትምህርትን ስብከትን፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ዝተዳለወ ዝተፈላለየ መደባት ዝሓቖፈ፡ ፍሉይ ሰሚናር (Panel discussion) ንውሉደ ክህነት።
600-800 . . ዋዜማ ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን

ቀዳም  (Jan 24/2009)-

600-800  . . ስብሓታትን ማሕሌትን 
800-1000  . . ቅዳሴ
1000-1100  . . ስብከት
1100-1200 . . ዑደት
1200-200  .. ምሳሕ/ንግደት

ሰንበት  (Jan 25/2009)

700 - 930 . . ቅዳሴንመንእሰያት ዘይብላ ቤተክርስትያን ተስፋ ዘይብላ ቤተክርስትያን እያብዝብል ኣርእስቲ ዝውሃብ ፍሉይ ኣስተምህሮ ብቀሺ (ሕጹይ-ዶክትሬት) ተስፎም ገዛኢ።  
930 - 1100 . . “ሕማም ሽኮር፡ ስነ-ፍልጠታውን ሕክምናውን ጥንቃቐብዝብል ኣርእስቲ ብዲያቆን (ዶክቶር) ብርሃነ ስዩም ዝውሃብ ኣስተምህሮ።

ኣድራሻ

ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በይ ኤርያ
St. Mary Eritrean Orthodox Church Bay Area
2500  Hansen Rd
Hayward, CA 94541
Phone (510) 593-3819

ብደሓን ምጹ!

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።
ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን . ማርያም ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።
Hits: 3093