Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክን ከባቢኣንOur Lady of Lourdes R.C. Church 469W.142 St. NY 10031
ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን !
ናብ ክቡራት ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን
ብሩኽ በዓል ልደትን ሰላም ዝበዝሖ ሓዲሽ ዓመት 2009 ኣ.ፈ ይግበረልና! እናበልና ንዕለት 27 ታሕሳስ 2008 ኣ.ፈ (18 ታሕሳስ 2001 ዓ.ም.ፈ) ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን ዝኽበረሉ ዕለት እዩ።
ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽት ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ዙፋን እግዚኣብሔር ዝቖሙ ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። “ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ይሰፍር ካብ ኩሉ ክፉእ ድማ የናግፎም ’’ መዝ 34፡7። ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ቅዱስ ገብርኤል ድማ ኩሉ ግዜ ንብሥራትን ምሕረት ደቂ ሰባትን ዝለኣኽ ክቡር መልኣኽ እዩ። ሉቃ 1፡26-28።
እምበኣር ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብሓለዋ ቅዱሳን መላእኽትን ሕይወትናን ሕይወት ደቅናን ካብ ኩሉ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን፡ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ድማ ሰላምን ሰማያዊ በረኸትን ከውርደልና ኣብ እንገብሮ ሓበራዊ ጸሎትን ምህልላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
ሰዓታት መደብና
1. ስብሓታትን ማሕሌትን = 6፡00 - 8፡00 ንጉሆ
2. ጸሎተ ቅዳሴ = 8፡00 - 10፡00 ንጉሆ
3. ስብከትን ዑደት = 10፡00 - 12፡00 ቀትሪ
4. ምሳሕ ንግደት = 12፡00 - 2፡00 ድ/ቀትሪ
ብደሓን ምጹ!!!
በረኸት ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኩልና ይኹን !
ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን
ኒው ዮርክ