S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ

ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።

ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ብውሑዳት ምእመናን ግን ከኣ ኣብ እምነቶም ትጉሃት ዝኾኑ እያ ተሃኒጻ ካብ ብዝሒ ሰባት እግዚኣብሔር ዝያዳ ዝብህጎ ዓይነት እቶም ሰባት ምዃኑ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፥-"ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ክዓጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ አሎኹ" (ራእይ  3:8)። ንሕናውን ከምዚ ዝበለ ርሒብ ናይ ኣገልግሎት ደገ ንዝኸፈተሎም እግዚኣብሔር ነመስግን።

ንምእመናን ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነን እንቋዕ እግዚኣብሔር ሞገሰኩም ንብሎም። ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙር 126:3 "እግዚኣብሔር ዓቢይ ግብሪ ገበረልና፡ ንሕና ውን ተሓጐስና" ዝበሎ፥ ንሕናውን ስለቲ ዝገበረልና ዓቢ ውዕለት ደጊምና ንእግዚኣብሔር ነመስግን።

 

 

 

 

 

 

Hits: 1135