S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ተኣሲሮም

ንግሆ ሓሙስ 13 ሰነ 2019 ንሓሙሽተ መነኰሳት ገዳም ደብረ-ቢዘን መንግስቲ ከምዝኣሰሮምን ከም ካልኦት እሱራት ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፍለጥ ከምዘየለን ተሓቢሩ። እቶም ዝተኣስሩ መነኰሳት፣

  1. ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን
  2. ኣባ ክብረኣብ ተኪኤ
  3. ኣባ ኪዳነ-ማርያም ተኸስተ
  4. ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል
  5. ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን እዮም።

ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኮይኑ መንግስታዊ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ብትሪ ዝዀነነ፥ ነቶም ምስ መንግስቲ ሽርክነት ዝኣተዉ ጳጳሳትውን ብውግዘት ዝፈለየን ዝገዘተን ገዳም እዩ። 

መንግስቲ ኤርትራ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢዱ ከምዘየእቱ፥ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ከምዘይኣሰሮምን ክኽሕድ እኳ እንተጸንሐ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኣገልገልታን ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን ዘቃልዕ መዛግብቲ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ ኣሎ ምእሳር ናይዞም ገዳማውያን ኣቦታት'ውን መቐጸልታ ናይቲ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ንምቑጽጻር ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐን ዘካይዶ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራቱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ስለ እዞም ኣቦታት መነኰሳትን ስለ ሃገርና ኤርትራን ናብ ኣምላኽ ጸሎት ከዕርግ በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ንብል።

Hits: 1160