S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ ንተመሃሮ ስነ መለኮት ተዋህዶ

ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ፥ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስነ መለኮት ትምህርቲ ቀዳማይ መደቡ ዛዚሙ ኣሎ። ከመ መጀመርታ ነዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ክንበጽሕ ብዙኅ ሃጓፋት ጸኒሑና እዩ። ሕጂ ግን ብረድኤት ኣምላኽ፥ ኩሉ ምድላዋት ተጻፊፉ ኣሎ።

ካልኣይ ዙር ዝገባ ካብ 1ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ ክሳብ 15 ጥሪ 2018 ክካየድ እዩ። በዚ መሠረት ተመሃሮ ነዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተኸቲሎም ካብዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ናይ ዝገባ መደባቶም ከካይዱ ነዘኻክር።

1. ክልተ ዓመት ብዘይምቁራጽ ዝተመሃርኩም፥ ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ ዝወሰድኩም፥ ምምዝጋብ ኣየድልየኩን ውጽኢት ትምህርትኹምን ምስክር ዲፕሎማኹምን ኣብ ምዱብ ጊዚኡ ክበጽሓኩም እዩ።

2. 1 ክፋል ብሉይ ኪዳን (Old Testament 1) ሠረተ-እምነት ትምህርቲ ዶግማ (Dogmatic Theology) ትምህርቲ ጉስነት (Pastoral Theology) ዝወሰድኩም ፈተና ዝተፈተንኩም፥ ሕጂ ዳግማይ ምምሃርን ምምዝጋብን ኣየድልየኩምን እዩ።

3. ሓደስቲ ይኹኑ ነባራት ተመሃሮ ከም ሓዲሽ ተመሃራይ ክትምዝገቡ ግዴታ እዩ።

4. ሓደሽቲ ተመሃሮ፥ ዝምላእ ቅጥዕታት ኣማሊእኩም ኣብ ውሽጢ እዚ ተመዲቡ ዘሎ ጊዜ ክትምዝገቡ ትኽእሉ።

5. ትምህርቲ ብናይ ርሕቀት መንገዲ (Distance Education) ስለዝወሃብ፥ ናይ ኮምፒዩተር ይኹን ናይ ኢንተርነት ጸገም ዘለዎ ሰብ ክምዝገብ ኣይግባእን።

6. ናይ ክፍሊት ጸገማት ዘሎኩም ብቐጥታ ኣብቲ እትመልእዎ ቅጥዒ ግለጽዎ።

 

ምምሕዳር ኮለጅ ስነመለኮት ተዋህዶ

www.tewahdotheology.org

Hits: 3694