ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን
ናብ ምእመናንን ህዝበ ክርስቲያንንቀዳም ዕለት 27 ታሕሳስ/December 2008 (ቀዳም 17 ታሕሳስ 2001 ዓ.ም.ግ) ከምቲ ልሙድ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን ዝኽበረሉ ዕለት እዩ።
ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእኽት ሓደ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ዙፋን እግዚኣብሔር ዝቖሙ ሸውዓተ ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። ’’ መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ይሰፍር ካብ ኩሉ ክፉእ ድማ የናግፎም’’(መዝ 34፡7)። ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ቅዱስ ገብርኤል ድማ ኩሉ ግዜ ንብስራትን ምሕረት ደቂ ሰባትን ዝለኣኽ ክቡር መልኣኽ እዩ (ሉቃ 1፡26-28)።
እምበኣር ካብዛ ብብዙሕ ክፍኣትን ሓጢኣትን ትሳቐ ዘላ ዓለም ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ብሓለዋ ቅዱሳን መላእኽትን ሕይወትናን ሕይወት ደቅናን ካብ ኩሉ ክፉእ ምእንቲ ክንድሕን ኣብ እንገብሮ ሓበራዊ ጸሎትን ምህልላን ምስ ስድራ ቤትኩም ክትሳተፉ/ፋ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።
በረኸት ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኩልና ይኹን !!!
ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክ
ሰዓታት መደብና
1. ስብሓታትን ማሕሌትን = 6፡00 – 8፡00 ንጉሆ
2. ጸሎተ ቅዳሴ = 8፡00 ---10፡00 ንጉሆ
3. ስብከትን ዑደትን = 10፡00 ---12፡00 ቀትሪ
4. ምሳሕ ንግደት = 12፡00 – 2፡00 ድ/ቀትሪ
ብደሓን ምጹ!
Archangel Gabriel Eritrean Orthodox Church of NY
ቅዱስ ገብርኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኒው ዮርክን ከባቢኣን
C/O Our Lady of Lourdes R.C. Church, 469 W. 142nd Street, N.Y, NY 10031