S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል ቅዱስ መስቀል 2008 ኣብ ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ ተኸቢሩ

ብመስቀሉ ነቲ ጽልኢ ቀቲሉ፡ ንክልቲኦም ብሓደ ሥጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም።” ኤፌ. 2፡14-17

መስቀል ማለት ሰላም እዩ ኤፌ. 2፡13-17

መስቀል ማለት ኃይሊ ኣምላኽ እዩ 1 ቈሮ. 1፡18-19

መስቀል ማለት ንጸላኢ እንስዕረሉ መሳርሒ እዩ። ቈላ. 2፡14-15

ኣብ ከተማ ኣትላንታ ብጸጋ ኣምላኽ ክብሪ በዓል መስቀል ብድሙቅ ኣገባብ ቢዒሉ። ብድሕሪ ጸሎትን ትምህርቲ መስቀልን ህዝቢ ካብ ቤተ ክርስትያን ብመስርዕ እናዘመረ ናብ ዳሜራ ተተኺላትሉ ዝነበረ ኣምሪሑ። ኣብኡ ድማ ብመዛሙርን ከም ባህሊ ድማ ሆየ እናበለን ብዕልልታን ነቲ ሓዊ ወሊዕዎ።

እግዚኣብሔር ዓቢ ግብሪ ገበረልና.... ዓመት ንዓመታ እና በለ ኸኣ ህዝቢ ዑደት ብምግባር ብሕጉስ መንፈስ በዓል መስቀል 2001 ግእዝ 2008 ፈረንጂ ኣብዒሉ።   

ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጐይታ፡ ከምዚ ንዓመታ እናበለ ድማ ህዝቢ ተፋንዩ።

ርሑስ ዓመት፡ ሰላም ንሃገርና! ጥዕና ንኹሉ ንትምነ።

ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽ ይኹን!

Hits: 3199