S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንግደት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል, ሻርሎት

ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት 19 ሕዳር (November) ፲ ሕዳር ፳፻፱ ግእዝ ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርህዎ ይሰፍር። ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም። መዝ 34፡7 ዝበሎ እቶም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ብጸሎት፥ እቶም ኣብ ከባቢና ዘሎኹም ድማ ብኣካል ተረኺብኩም፥ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

ሰዓታት መደብ ክብረ በዓል:-

ዕለት:                            ቀዳም 19 ሕዳር (November) 2016

ጸሎተ ነግህን ማሕሌትን    7፡00 --- 9፡00 ንጕሆ

ጸሎተ ቅዳሴ                    9፡00 ---11፡00 ቅድሚ ቀትሪ

ስብከትን ዑደትን            11፡00 ---12፡00 ቀትሪ

ምሳሕ ንግደት                12፡00 ---2፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ኣድራሻና:-

St. Michael Eritrean Orthodox Church Charlotte NC

5108 Kuykendall road

Charlotte, NC 28270

ብደሓን ምጹ!!!

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኣብ ሻርሎት

Hits: 3163