S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዳግማይ ሓበሬታ ንተመሃሮ ስነ መለኮት ተዋሕዶ (tewahdo Theology)

ክሳብ ሕጂ ተመዝጊብኩም ዘሎኹም ተመሃሮ ናብ ነፍሲ ወከፍኩም email መእተዊ ፍቓድ (user name and password) ተላኢኹልኩም ኣሎ።

እዚ ዘይበጽሖ ተመሃራይ ግና ከምዘይበጽሖ በዚ ዝስዕብ email This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ይሓብረና። ንሕና ድማ እቲ ዘድሊ መእተዊ ፍቓድ ክንሰደሉ ኢና።

መእተዊ ፍቓድ (User name and password) ዝበጽሓኩም፥ ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም ኣብ ትሕቲ USER MENU Class room (መመሃሪ ክፍሊ) log in (User name and password) ኣእቲኹም ዝተመዝገብክምዎ ዓይነት ትምህርቲ ትከታተሉ።

ንተወሳኺ ሓበሬታን መብርህን ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኻ ምክትታል ይከኣል።

ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር ሠረተ-እምነት፥ ቀዳማይ ክፋል ብሉይ ኪዳን፥ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን፥ ትምህርቲ ጉስነት፥ ሃይማኖተ ኣበውን ዝወሰድኩም ካብ መስከረም 1-10 ክትምዝገቡ ንሕብር። ካብዚ ዕለት ንደሓር ግና ምዝገባ ከምዘየለ ነዘኻኽር።

ኣብዚ እዋን ብመጽሓፍ ዝተዳለወ መምሃሪ ጽሑፍ ስለዘየለ፥ መጽሓፍ ኣዳሊና ክንሰደድ ከምዘይንኽእል ምስናይ ይቕሬታ ንሕብር። እቶም ናይ internet ጸገም ዘሎኩም ግን ፍሉይ መፍትሒ ንምንዳይ ሓብሩና።

ክፍሊ ጉዳያት ተመሃሮ

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ

Hits: 4679