S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣስተምህሮ ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ

ብምኽንያት ሓዲሽ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ 2009 (፳፻፱ ዓመተ ምሕረት) ኣብ ከተማ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ብዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ስዩም መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክወሃብ እዩ። እቲ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስቲ ዝሓቖፈ እዩ።

1. ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

2. ናብራ ስድራ ቤታትን ቃል ኪዳንን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስን ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን።

3. ብዛዕባ ኣጀማምራን ምዕባለን  ስነ መለኮት ተዋሕዶ   tewahdotheology.org

4. ጠንቅታት ሕማም ሽኮርን መከላኸሊኡን

ዕለት፡

ቀዳም 10 መስከረም 2016 (ነሓሰ ፳፻፰ ዓመተ ምሕረት ግእዝ)

ሰንበት 11 መስከረም 2016 (መስከረም ፩፣ ፳፻፱)

ቦታ:

ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ከተማ ዙሪክ

Rheinstrasse 55 8024

Embrach Rorbas Zurich

ስለዚ፥ ምእመናን ኣብቲ ዝግበር መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን።

ዲያቆን ዶክተር ብርሃነ ስዩም፥ ናይ ሕማም ሽኮርያ ክኢላ (diabetes specialist) እዩ። ብተወሳኺ፥ ናይ ስነ መለኮት ምሁርውን እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህበ ትምህርቲ ቃል-ኪዳን ኣብዚ ተመልከት youtube

Hits: 2649