ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብዜና ዕረፍት ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘመንበረ ኣስመራ ዝተሰመዖ ሓዘን ይገልጽ።
ብጹዕ ኣቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፥ ዓቢ መንፈሳዊ ኣቦ ኣብ ክርስትና ድማ ልዑል ተራ ዝነበሮም ኣቦ እዮም። ንሶም ብ1 ታሕሳስ 2016 ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድሜኦም ዓሪፎም።
ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም፥ ንስድራ ቤቶምን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ድማ ምጽንናዕ ይሃብ።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜርካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።