እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 5፡00 – 10፡00 ድ.ቀ. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን’ዩ ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።
እቲ ስዒቡ ዝቐረበ መደብውን ንምግዛእ ገዛን ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕግታትን ሜላታትን ቀሪቡ። ምእመናን ኣብ ሕቶን ርእይቶን ተሳቲፎም። ብድሕሬኡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መሳጥን ሃናጽን ግእዝን ትግርኛን መዛሙር ኣቕሪቦም።
እቲ ብሳልሳይ ደረጃ ዝቐረበ መንፈሳዊ ሰሚናር ንህልዉ ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝገልጽ “በጊዜ ኣብዳን ኩኑ ጠቢባን” ብዝብል ኣርእስቲ ብቪድዮ ዝተሰነየ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ቀሪቡ። ትሕዝቶ'ቲ ሰሚናር ብሰፊሑ ኣብ http://tewahdo.org//Diocese/CA/Diocese%20ChurchesOK-news.html ክትከታተሉ ንዕድም
እቲ ውዕውዕን ሕጉስን መንፈስን ዝዓዘዞ ናይ በረኸት ምሸት ኣዴታት ቤተክርስትያን ቅ. ማርያም ብዘዳልወኦ ድራር እዩ ተዛዚሙ።