S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቤተክርስትያን ቅ. ማርያም በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ።

እቲ ንዕለት 27 መስከረም 2008 (17 መስከረም 2001 ግእዝ) ካብ ሰዓት 500 – 1000 .. ዝተኻየደ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕዝቶ ሓቚፉ ኔሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ከኣ ተኸታቲልዎ። እቲ መደብ ብምህለላ፡ ጸሎተ ወንጌልን ስብከትን ተኸፍቱ፡ ብድሕሬኡ ብሞያውያን ደቂ ቤተክርስትያን ኣብ እዋናዊ ንመነባብሮ ምእመናን ዝትንክፍ ጉዳያት፡- ኣሰራርሓ ቀረጽ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፡ መሰል ጡሮታን ካልእ ምስኡ ዝተሓሓዝ ነገራትን ብዝርዝር ቀሪቡ።

እቲ ስዒቡ ዝቐረበ መደብውን ንምግዛእ ገዛን ምስኡ ዝተኣሳሰር ሕግታትን ሜላታትን ቀሪቡ። ምእመናን ኣብ ሕቶን ርእይቶን ተሳቲፎም። ብድሕሬኡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መሳጥን ሃናጽን ግእዝን ትግርኛን መዛሙር ኣቕሪቦም።

እቲ ብሳልሳይ ደረጃ ዝቐረበ መንፈሳዊ ሰሚናር ንህልዉ ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝገልጽበጊዜ ኣብዳን ኩኑ ጠቢባንብዝብል ኣርእስቲ ብቪድዮ ዝተሰነየ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ቀሪቡ። ትሕዝቶ' ሰሚናር ብሰፊሑ ኣብ http://tewahdo.org//Diocese/CA/Diocese%20ChurchesOK-news.html  ክትከታተሉ ንዕድም

እቲ ውዕውዕን ሕጉስን መንፈስን ዝዓዘዞ ናይ በረኸት ምሸት ኣዴታት ቤተክርስትያን . ማርያም ብዘዳልወኦ ድራር እዩ ተዛዚሙ።

Hits: 3057