S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላኽ ንስድራቤቶም ደበስ ንሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃብ

ሰንበት 19 ሚያዝያ 2015: “ክርስቲያን ምዃን” ጥራይ ዝበደሎም 30 ሓበሻ (ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን) ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ብኣረሜናውያን ብዘሰቅቅ ኩነታት ኣገባብ ኣብ ሊብያ ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ንስድራ ቤቶም እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ክህብ ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝዓረፉ ሰማእታት ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ወትሩ ብጸሎት ክትዝክሮም ክትነብር እያ።

“ክቡር ሰብ ክቡር ነገር ይሓስብ” ዝብል ጥቕሲ ነዚ ሞት ናይዞም 30 መንእሰያት ሰማእታት ዝድርዕ ሓቂ እዩ። እምነትካ ክሒድካ ክትነብር ምፍታን እቲ ዝቐለለ ነገር እኳ እንተነበረ፥ እዞም “ክቡር ነገር” ዝሓሰቡ መንእሰያት ሰማእታት ግና ካብ ምድራዊ ረብሓ ሰማያዊ ክብሪ እዮም መሪጾም። ኣብ እምነትካ ደው ምባል ድማ ክብሪ እምበር ሓሳር ኣይኮነን። እቲ ጽሑፍ'ውን “ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር” (1 ጴጥ 4፡15-16) እዩ ዝብል።

እቶም ኣብ ልዕሊ እዞም ሰማእታት ፍርዲ-ሞት ዝፈጸሙ ኣረሜናውያን ግና ወከልቲ ናይ ዝኾነ እምነት ክኾኑ ከምዘይክእሉ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እቲ “ኣይትቕተል” ዝብል ሕጊ: እምነት ዘይፈሊ ኣድማሳዊን ኣምላኻውን ቃል እዩ። ብስም ሃይማኖት ደቂ ኣዳም ዝቐዝፉ ዘለዉ ኣረሜናውያን መኸወሊ ዝኸውን ቦታ’ውን የብሉን።

 

እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝዓረፉ ሰማእታት ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ንስድራ ቤቶም ድማ ደበስ ይሃቦም።

Hits: 2935