S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም 2016 ኣብ በይ ኤርያ

ናብ ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:- ብመጀመርያ ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩላትኩም ይኹን እናበልና፤ ብሕይወትን ጥዕናን ሓልዩ እንቛዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብጽሓና ንብል። እዚ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ (2016) ከኣ፡ ዓመተ-ራህዋ፡ ፍቅርን፡ ሰላምን ኪገብረልና ኸኣ ናብ ኣምላኽና ንልምን።

ብምቕጻል ቀዳም 30 ጥሪ (January, Saturday 30) 2016 . . (ጥሪ ፪፩፪፻፰) ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዓመታዊ ክብረ በዓል፡ እነብዕለሉ መዓልቲ ስለዝኾነ፥ ንኹሎም ምእመናን ብኽብሪ ንዕድም።

ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓልዚ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ተሰሪዑልና ስለዘሎ፤ ብረድኤት እቲ ልዑል ኣምላኽ፣ብኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ብጸሎት ቅዱሳንን ካብ ኩሉ ክፉእ ነገር ተሓሊና፡ ነቲ ካብ ዓመት ንዓመት ብጥዕናን ሰላምን ዝሓለወና ኣም ከነመስግንን፡ ብስጋ ጥዕናን ህድኣትን፡ ብመንፈስ ከኣ እንዓብየሉ መኣዲ ንዓናን ንደቅናን ተዳልዩልና ስለዘሎ ተኻፈልቱ ክንከውን ንዕድም ኣሎና።

መደብ በዓል ንግደት

ዓርቢ (January 29, 2016)

600-800 ድሕሪ ቀትሪ ዋዜማ

ቀዳም (January 30, 2016)

600-800 . . ስብሓታትን ማሕሌትን።

800 -1100  . . ቅዳሴ

1100-1200 . . ትምህርቲ

1200-200  .. ምሳሕ

ሰንበት (January 31, 2016)

700-1030 . . ጸሎትን ቅዳሴን

1030-1115 ፍሉይ ኣስተምህሮ።

1130 - 200 ምሳሕ፡

ኣድራሻና/Address፡

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ/ St. Mary Eritrean Orthodox Church Bay Area
301 Dowling Blvd
San Leandro, CA, 94577 Map
Phone (510) 593-3819

ብደሓን ምጹ!

ንቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!
ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ዕዮኦም ዓወትን ኣሳልጦን፡
ንሃገርናን ቤተ ክርስትያንናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

 

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን . ማርያም ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።
Hits: 3630