ኤርትራዊት ቤተ ክስርቲያን ተዋህዶ ስለቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ኤርትራውያን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ኣካይዳ። እቲ ጸሎተ ፍትሓት፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜርካ ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ትማሊ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ እዩ ተፈጺሙ። ምእመናን ድማ ብጸሎትን ንብዓትን ዝተሰነየ ሓባራዊ ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቕሪቦም። ንሰብ ዘይከኣሎ ንእግዚኣብሔር ይከኣሎ እዩ'ሞ ኣምላክ ንመከራና መወዳእታ ይግበረሉ። ኣሜን።
ነቲ ዝተገብረ ጸሎት ንምርኣይ ኣብዚ ዝቕጽል መላግቦ ተወከስ፡ Prayer vigil Service - Washington, DC