S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ ፍትሓት፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013

በስመ፣ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ። ኣሜን።

ነቶም ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝዓረፉ ደቅና ብጸሎተ ፍትሓት ንምዝካር፡ ቀዳም 2 ሕዳር 2013 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፣ ናይ ዓሱርን ኣርብዓን ሓባራዊ ጸሎተ ፍትሓት ክንገብር ኢና። ስለዚ ተኻፋሊ እዚ ሓዘን እዚ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብቲ ዚግበር ሃገራዊ ጸሎተ ፍትሓት ንኽሳተፍ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

እቶም ብኣካል ክትሳተፉ ዘይትኽእሉ ድማ ብመንፈስ ክትሓብሩና ብትሕትና ነዘኻኽር።

ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዝወረደ ህልቂት: ንወለዲ ክሳብ ክንደይ ከቢድን መሪርን ሓዘን እዩ። እቲ ዚበዝሕ ናይቲ መከራ ተቐባሊ ኤርትራዊ ብምዃኑ ድማ፣ ንጾርና ዝያዳ የኽብዶ። ስለዝኾነ: ኣብቲ ውዑይ ሓዘን ሬሳኦም ኣብ ዘለዎ ቦታ ኬድና ጸሎተ ፍትሓት ንምግባር፣ ምስ ናይ ቫቲካን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከነካይድ ጸኒሕና ኢና። ምስ ካልእ ከቢድ ሕልኽልኻት ክሰልጠና ብዘይምኽኣሉ ከቢድ ሓዘን ይስምዓና።

ብተወሳኺ: ኣብ ከቢድ ሓዘን ኣብ ዘሎናሉ እዋን፣ "ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ ምስቶም ዝሕጎሱ ተሓጎሱ።ሮሜ.1215 ብዝበሎ ቃል ኣምላኽ፣ ጊዜ ሓዘን ስለ ዝኾነ፣ ኩሉ ሰብ ካብ ጓይላን ዕንደራን፣ ርሒቑ፣ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ክቐርብ መንፈሳዊ መጸዋዕታ ነቕርብ።

ነቶም ኣብ መሪር ሓዘንን ብኽያትን ዘለዉ ቤተ ሰብ፣ ወለዲ፣ ሰብ ቃል ኪዳን፣ ውሉድ፣ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ሕዝቢ ኤርትራ፣ እግዚኣብሔር ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ክልእከሎም ኣብ ጸሎትና ንዘክሮም።

እግዚኣብሔር ንዝሞቱ መንግሥተ ሰማያት፣ ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ የውርድ።
መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

Hits: 2320