S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“መንፈሳዊ ናይ ክብሪ ዕድመ!” ናብ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን

ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።

ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት ፰ ሕዳር ፳፻፭ ግእዝ (November 17, 2012) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ” መዝ 122፡1 ዝበሎ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም። 

ሰዓታት መደብ ክብረ በዓልና:-

  1. ጸሎተ ነግህን ማሕሌትን    8፡00 --- 9፡00  ቅድሚ ቀትሪ
  2. ጸሎተ ቅዳሴ                9፡00 ---11፡00 ቅድሚ ቀትሪ
  3. ስብከትን ዑደትን           11፡00 ---12፡00 ቀትሪ
  4. ምሳሕ ንግደት              12፡00 ---2፡00  ድሕሪ ቀትሪ

ኣድራሻና:-

ST.MICHAEL ERITREAN ORTHODOX CHURCH CHARLOTTE NC
C/O 5108 KUYKENDALL ROAD CHARLOTTE NC 28270. Map

ብደሓን ምጹ!!!

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ
ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት

Hits: 2830