S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እስራኤል

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ኣቐዲምና እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ብሰላም ብደሓን ኣብጽሓና ብምባል፣

ኣብ እስራኤል ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ልደታ ቅድስት ድንግል ማርያም (ካብ ኣቦኣ ቅዱሳን ስድራ ቤት ኢያቄምን ሓናን) ዝተወልደትሉ ዕለት  መሠረት ብምግባር ግንቦት 5, 2012 (ሚያዝያ ፳፯, ፳፻፬) ክኽበር እዩ።

ስለዚ ኩልኹም ምእመናንን ምእመናትን፣ ኣብቲ ዝግበር በዓል በረኸት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንዕድም።

ኣብቲ ዕለት ፍሉይ መደብ ትምህርቲ፣ ኣኤግዚብሽን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፣ መዛሙር ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ብመንእሰያት መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን፣ ከምኡውን ዝተፈላለየ ግጥምታት፣ ድራማታትን ተሰንዩ ዝቐርብ ፍሉይ መደብ ምህላዉውን ብኣክብሮት ንሕብር።

መደብ ኣገልግሎት።

ዓርቢ ዕለት 4 ግንቦት 2012 ካብ ሰዓት 500. ክሳብ 800 ምሸት ዋዜማ።

ቀዳም 5, ግንቦት 2012 ካብ ሰዓት 12, ፍርቂ ለይቲ ክሳብ 600 ንጉሆ።

ካብ ሰዓት 600 ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 10 ንጉሆ።

ካብ ሰዓት 10 ንጉሆ ክሳብ ሰዓት 12 ቀትሪ ምሳሕን እንግዶትን።

ካብ ሰዓት 12 ቀትሪ 445 . መደባት ኤግዚብሽን።

ካብ ሰዓት 445 . ክሳብ 515 መዝሙር ብመዘምራን

ካብ 515 .. ክሳብ 600 .. ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን።

ካብ ሰዓት 600 .. ድራር።

 

በረከትን ኣማላድነትን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ጥዕናን ሰላምን ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ።

ኣብ ኣገልግሎቶም ድማ ዓወትን ኣሳል ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ይሃብ ኣምላኽ ኣሜን።

ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል። 

Hits: 2541