ገለን ውላድ ስኢና ባሕርን ጣሕርን ትብል፡ ገለ ኸኣ ጥንሲ ክትከላኸል መከራኣ ትጸግብ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡ ግን ንምክልኻል ጥንሲ ብኸመይ እያ ትርእዮ ዝብል ዛዕባ ኣልዒልና እስከ ንቐዳመ-ሰንበት ዝኾነና ኣርእስቲ ዕላል ንርከብ። ኣቦሓጐኹም ክንደይ ውላድ ኔሮሞም? እቶም ኣዝዮም ዝሸምገሉ ናይ ገዛውትኹም ኣቦይ ቀሺ እከለ ኸ? ቀሊል ዕዮ ገዛ እየ ዝህበኩም ዘለኹ። ነቶም ናይ ቀደም ወለዲ ምስዞም ናይ ሕጂ ዘለና ወለዲ እሞ ኣነጻጽሩና፡ ስለምንታይ እዩ እዞም ናይ ሕጂ፡ ዋላ እቶም ኣቕሽሽቲ ከይተረፍና ሒደት እንወልድ ዘለና? ቤተክርስቲያን መከላኸሊ ጥንሲ ስለዘፍቀደት ድዩስ ወይስ በብኢድና ዘዝመስለና ስለዝገበርና?!
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ንውጥን ስድራቤት ከምዘይትጻብኦ ግዳ ግብጻዊ መወከሲ ጽሑፍ ጌረ ከበስረኩም። “ኡፍፍፍ….ፍፍ! ተመስገን! ኣበይ ደኣ ጸኒሕካ ክሳዕ ሕጂ!” ዶ በልኩም? ደጊምኩም እስከ ነዊሕ ኣተንፍሱ። ክንደይ ዓመታት ዓቕልና ዘጽበበልና ሕቶ ዶ ኸ’ይኮነ!! ልኡኽ ሓሊቦ ከይኮነና ግን ንቕድም መሰረታውያን ኣምራት ክንሓዝ ከድልየና እዩ።
ብዛዕባ ውጥን ስድራቤትን ጥዕና ፍርያምነትን ኣብ ኤርትራ ዝተገብረ ናይ 2002 መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ካብ ዓሰርተ ደቀንስትዮስ እተን ትሽዓተ ብዛዕባ ዘመናዊ ኣገባብ ምክልኻል ጥንሲ ኣፍልጦ ኣለወን። 58 ካብ ሚእቲ ካብተን ምርዕዋት ደቀንስትዮ ድማ ንዘመናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ቅቡል መከላኸሊ ይቕበላኦ። እተን ከም ቅቡል መከላኸሊ ዘይቅበላኦ ደቀንስትዮ 37 ሚእታዊት ክኾና ከለዋ፡ እተን ዝተረፋ 5 ሚእታዊት ግና ሓሳበን ካብ ምግላጽ ስለ ዝተቖጠባ፡ ከምዝቕበላኦን ዘይቅበላኦን ንምፍላጡ ጸገም ኮነ። እዚ መጽናዕቲ እዚ፡ ናይ 2002 ማለት ናይ ቅድሚ 12 ዓመታት ጸብጻብ እዩ። እንታይ እንታይ እዩ ኸ ዝብል ዘሎ፡ እንተበልና ኸኣ፡ ብቐሊል ትግርኛ፡ “ልዕሊ ፍርቂ ካብተን ምርዕዋት፡ ነቲ ዘመናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ከም ቅቡል መከላኸሊ ዝቕበላኦ ክኾና ከለዋ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ድማ ኣፍልጦ መከላኸሊ ጥንሲ ኣለወን” እዩ ዝብል ዘሎ። ነዴታትና ኣዴታተን 12 ከብደን ወሊደንስ፡ ኣንስትና ግን ኣብ ሰለስተ በጺሐን ደው ዝብላ ዘለዋ እምበኣር ብኸምዚኢታት ዶ ኾን ይኸውን? ስለዝግሄር ኢለኩም እንዶ፡ ሓሶትን ግብዝናን ንሕደግ! ብምንታይ ደኣ’ሞ??
እታ ኣድማሳዊት ቤተክርስቲያን ከም ሎሚ ጌራ ዘጨንቕ ሕቶ ዝረኸበት ኣይመስለንን። እታ ብቛንቋ ግእዝ እትልለ ቤተክርስቲያንና ግን ዛጊት ነዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ዛዕባ ዝኸውን መልሲ ኣየዳለወትን ዘላ። እታ መንበረ ማርቆስ ዝኾነት ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ግን ግቡእ መልሲ ኣለዋ። ርግጽነት ናይዚ ሓበሬታ እዚ እንተደሊኹም፡ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ ሃሰስ በሉ። ኣንቱም ንቢቢሲ እየ ዝኣምን እትብሉ’ውን ከይተረፈ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብቲ Religion ዝብል ዓምዲ፡ “መርገጺ ግብጻዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኣብ ውጥን ስድራ ቤት” ብዝብል ተጠቒሱልኩም ኣሎ። ስለዚ እምበኣር ብድፍረት ዘይግባእ ነገር ካብ ምግባር ምእንቲ ክንቁጠብ፡ ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ብፍልጠት ተሃንጺና፡ እቲ ዝግባእ ብሓርነት ክንፍጽም ክንክእል ምእንቲ፡ ሎሚ እቲ ግቡእን ዘይግቡእን ፈላሊና ናብቲ ብሓርነት እንመላለሰሉ ጐደና ዘእትወና ጽሑፍ ኢና ከነቕርብ።
ጠንቀምቀም ምባል ዶ ኮይኑ ተራእዩኩም?! ግደ ሓቂ ግን ካብ በዓቲ ሓሶትን ኣምሰሉነትን ተገላጊልና፡ ብቕንዕና ክንዘራረብ እየ ዝደሊ ዘለኹ። ብዙሓት ካብቶም “መከላኸሊ ጥንሲ ክንጥቀም ንኽእል ዶ?” ኢሎም ዝሓቱ፡ ድሮ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዝጥቀሙ ንመን ይጠፍኦ?! ዶስ ክልተ ምስ ወለዱ፡ በቃ እቲ ንቡር ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ስለዝተሓረምዎ እዮም ምውላድ ዘይቅጽሉ ዘለዉ?!
ሓደ ግብጻዊ ካህን ዝጸሓፍዎ ኣበሃህላ ኸኣ’ባ ትዝ ይብለኒ’ሎ ሕጂ። “ምእመናን ነቲ ቤተክርስቲያን እትእውጆ ጾምን ጸሎትን ብቕንዕና ዝትግብርዎ እንተዝኾኑ፡ “ምክልኻል ጥንሲ” ዝብል ኣምር፡ ከም ሕቶ ከልዕልዎ ኣይምኸኣሉን” ኢሎም እዮም ጽሒፎም እቶም ካህን። ኣበሃህላኦም ግር እንተኢልኩም፡ ካብተን 365 መዓልትታት ኣስታት 250 መዓልታት ጾም ስለዝኾነ፡ ኣብ ጾም ከኣ ኩሉ ዓይነት ጾም ክትጸውም ትጽቢት ስለዝግበረልካስ፡… ማለቶም እዩ። ሕጽር ብዝበለ ኣበሃህላ፡ ሓቀኛ ጸወምቲ እንተንኸውንሲ፡ ጥንሲ ንምክልኻልሲ ይትረፍ ከም ኣምር ንኽትፈልጦ’ውን ዘድሊ ኣይምነበረን እዮም ዝብሉ ዘለው። ኣበይ ከነርክበሉ ማለቶም እዩ!! ጠፋእኩም በሉ ኣቦሓጐታትናን ነቦሓጎታትና ኣቦሓጐታቶምን! (12 ወይ 13 ትወልዱ ዝነበርኩም ደኣ፡ ከም ኣበሃህላ እዞም ኣቦይ ቀሺ፡ ግቡእ ጾም ኣይትጾሙን ኢኹም ኔርኩም ማለት ድዩ?!) “ጠንቀምቀም!” ትብል ብርዐይ፡ ባዕላ ኣልዒላ ባዕላ እንከተእዊ!
ሎምዘበን ግዳ፡ ናብ ቤተክርስቲያን ዝጐዪ ህዝቢ በዚሑ’ሎ’ሞ፡ ኮን ዶ ኾን እዛ ዘረባ ኣቦይ ቀሺ ዶ ደኣ ተተግቢራ ክትከውን?? እንድዕሉ ኸ ደቀይ፡ እቲ ኣብ ልበይ ዝተዋህለለ ክውንነታት ግን ካልእ’ዩ ዘውሪ ዘሎ። ዝኾነ ኮይኑ፡ እቶም ብቛንቋ እንግሊዝ ናይ ምንባብን ምርዳእን ጸገም ዘይብልኩም፡ እቲ መወከሲ ጽሑፍ እንሆልኩም፡ ኣብዚ መላግቦ እዚ ጠውቑ’ሞ፡ ጽሑፍኩም ሒዝኩም ከኣ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ የራኽበና።
እቶም ጽማቝ ትርጉምን “ትግርኛና ደኣ ይሕሸና” እትብሉ ግን ምሳይ ቀጽሉ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ኣስመራ፡ ዳይረክተር ዝነበሩ መምህር ሰሎሞን ኣረጋይ፡ ንሶምን በዓልቲ ቤቶምን ምስ ሓንቲ “እምነት” እትበሃል መጽሄት ብዛዕባ እዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ኣርእስቲ ቃለ መጠይቕ ጌሮም ነበሩ። በዓልቲ ቤቶም፡ “ውጥን ስድራቤት ኣየድልን እዩ” በሃሊት እየን። “ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ንቕበል” ዝብል ዘይንቕነቕ መርገጺ ኸኣ ነበረን። መምህር ግን፡ “ኣምላኽሲ ኣእምሮን ምስትውዓልን ሂቡና ኣሎ፡ እቲ ናይ ፍርያምነት ግዜ ድማ ወርሒ ምሉእ ዘይኮነስ ኣብ ስሩዕ መዓልቲ ከምዝመጽእ ኣርእዩና ኣሎ እሞ፡ ባህርያዊ ኣገባብ ምክልኻል ተጠቒምና፡ ብዝሒ እቶም ክንወልዶም ንኽእል ክንውጥን ኣለና” ዝብል መረዳእታ ነበሮም። ዝኾነ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ቃለ-መጠይቕ፡ መምህርን በዓልቲ ቤቶምን ድሮ 11 ቈልዑ ወሊዶም ነበሩ።
ናብ ኣርእስትና በሉ ንመለስ እሞ ቀዳማይ ከነጽንዖ ዝግብኣና ኣምር ከኣ ክንመሃር።
1. እቲ ቀዳማይ ኣምር፡ “ውጥን ስድራቤት” ዝብል ኣምር እዩ።
ውጥን ስድራ ቤት ማለት፡ ቅልል ብዝበለ ትርጉሙ፡ ክንደይ ውላድ ይሃልዉና ኢልካ መደብ ምውጻእ ማለት እዩ። “ከም ምዕባዮም ይዕበዩ” ኢልካ ዘይኮነስ፡ ብመገዲ ኣምላኽ ከምዝመላለሱ ጌረ ከዕብዮም እየ ኢልካ መደብ ውምጻእ ማለት ድማ እዩ። እቶም ካብ ኣምላኽ ብሓደራ ዝተቐበልካዮም ቈልዑ፡ ብመገዲ ፍርሃት ኣምላኽ ኣዕቢኻ ንኣምላኽ ብቑዓት ዝኾኑ ውሉድ ጌርካ ከተዕብዮም ምውጣን ማለት ምዃኑ ኣይትዘንግዑ። ንኽንደይ ቈልዑ ኢኻ ብዝግባእ መንፈሳዊ ፍልጠት፡ ምክትታልን ሓልዮትን እናገበርካ ከተዕቢ እትኽእል? ምስቲ ዘለካ ግዜ፡ ኩነታት ጥዕና፡ ኩነታት ኩለ-መዳያዊ ዓቕምታት ወዘተ.. ኣብ ግምት ኣእቲኻ መደብ ከተውጽእ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ ኣውጺእካ ምውጣን፡ ቅድስት ቤተክርስቲያንና ተተባብዖ ደኣ’ምበር ኣይትቃወሞን እያ፡ እዩ ዝብል እቲ ግብጻዊ መወከሲ ጽሑፍ።
2. ካልኣይ ከነጽንዖ ዝግብኣና ኣምር ከኣ ብዛዕባ ንጽህና፡ ርክብ ግብረ-ስጋ ዝምልከት እዩ።
ኣብ ሓዳር እቲ ኣብ ሞንጐ ሕጋውያን ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ርክብ፡ ንጹህን ኣበር ኣልቦን ደኣ’ምበር ምስ ሓጢኣትን ዘይምንጻህን ምትእስሳር ከምዘይብሉ ምፍላጥ የድሊ። ብኣንጻሩ ድማ ቅድሚ መርዓን ካብ መርዓ ወጻኢ ብግብረ ስጋ ምርኻብ ኸኣ ፍንፉን ሓጢኣትን ርኽሰትን እዩ። ሰብ ሓዳር ግን ብርግጽ ንጸሎት ኢሎም ንውሱን ግዜ፡ ከምቲ ንምግቢ’ውን ዝጾምዎ፡ ነቲ ርክብ ግብረ ስጋ ኸኣ ብፍሉይ ዕላማ ክጾምዎ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ርክቦም ወትሩ ንጹህ እዩ። እዚ ብምኽንያት ጸሎት ንውሱን እዋን ዝግበር ጾም ግን፡ ከምቲ ምብላዕ ምግቢ ድማ እምበር፡ እቲ ርክብ ዘይንጹህ ወይ ግብረ ሓጢኣት ስለዝኾነ ኣይኮኑን ዝጾምዎ። ርኽሰትን ንጽህናን እምበኣር ፈላሊና ንፍለጦም።
3. ሳልሳይ መሰረታዊ ኣምር ከኣ፡ ርክብ ግብረ ስጋ፡ ውሉድ ንምውላድ ጥራይ ከምዘይኮነ ምርዳእ እዩ።
እቲ ቃል-ኪዳን እነእስረሉ “መጽሓፈ ተክሊል፡” ዝበሃል መጽሓፍ፡ ንዕላማ መውስቦ ብዝምልከት ክገልጽ ከሎ፡ ካብ ምንዝርና ስለምርሓቕ፡ ስለ ምድግጋፍን ከምኡ ንዝኣመሰለ ዕላማታትን፡ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ክትህልዎ፡ ሰበይቲ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ክህልዋ ከምዝግባእ ይጠቅስ እዩ። ስለዚ እምበኣር ግብረ-ስጋዊ ርክብ፡ ውሉድ ንምውላድ ጥራይ ከምዘይኮነ ምፍላጥ ኣገዳሲ ይኸውን ንብል ኣለና።
4. ራብዓይን ናይ መወዳእታን መሰረታዊ ኣምር ከኣ፡ ህይወት መዓስ ከምእትጅምር ምፍላጥ እዩ።
ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቝሖ ጓለንስተይትን ከይተራኸበ፡ ህይወት ተፈጢሩ ክንብል ዝከኣል ኣይኮነን። ዘርእን እንቋቝሖን ንኸይራኸቡ ኢልካ ዝግበር ጥንቃቐ፡ “ምክልኻል” ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። “ምንጻል” ን “ምክልኻል”ን ዝብሉ ኣምራት በበይኑ ዝትርጉሞም ምዃኖም እምበኣር ኣይንዘንግዕ። ዘርእን እንቋቑሖን ካብ ዝተራኸቡላ ህሞት ኣትሒዙ ግን፡ እቲ ናይ ምክልኻል ቀጽሪ ፈሪሱ ስለዝኾነ፡ ዋላ ድሕሪ ሓንቲ ሰዓት ጥራይ’ውን ይኹን፡ ነቲ ዝተፈጠረ ህይወት ከተወግዶ ኢልካ ምጽዓር፡ “ምንጻል” ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ። ቅትለተ ነፍሲ ምዃኑ ኸኣ ቤተክርስቲያን ትምህር። ስለዚ እምበኣር “ምንጻል” ን “ምክልኻል”ን ዝብሉ ኣምራት ብዝግባእ ፈሊና ክንርድኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምንጻል ጥንሲ ፍንፉን ሓጢኣት ምዃኑ ከነስምረሉ ይግባእ።
እምበኣርስኸ በዚ መሰረት፡ ሰብ ሓዳር ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ጌሮም ውጥን ስድራቤት ክገብሩ ከምዝኽእሉ እቲ መወከሲ ሓቢሩ’ሎ።
1. ዓጋቲ ኣገባብ
ዘርኢ ምስ እንቃቍሖ ንኸይራኸብ ዝዓግት፡ ወይ ዝኽልክል ኣገባብ ማለት እዩ። ናይ ወዲ ተባዕታይ ወይ ናይ ጓለንስተይቲ ኮንዶም ከም ኣብነት ኣብዚ ክጥቀስ ይኽእል፡ ይብል እቲ እንውከሰሉ ዘለና ጽሑፍ። “ኮንዶም ፍቑድ እዩ፡” ድዩ ዝብል ዘሎ እዚ ጽሑፍ? እወ፡ ከምኡ እዩ ዝብል ዘሎ። (ጉድ ኣምጺእካ ኣቦይ ቐሺ….. ሃሃሃ … ) ንቐጽል በሉ።
2. ዑደታዊ ኣገባብ
ወርሓዊ ጽግያት ብምክትታል፡ ጥንሲ ከጋጥመሉ ዝኽእል መዓልትታትን ነጻ መዓልትታትን ኣጽኒዕካ “ናይ ፍቑድን ሕሩምን” መደብ ምውጻእ ማለት እዩ። ክትራኸበሉ ዝግብኣካን ክትራኸበሉ ዘይግብኣካን መዓልትታት ፈሊኻ ኣብቲ ዝድቀሰሉ ምድቃስ፡ ኣብቲ ዝጽወመሉ ድማ ምጻም ይግባእ እየ ዝብል ዘለኹ። ኣብ ካልእ መወከሲታት፡ “ባህርያዊ ኣገባብ ምክልኻል ጥንሲ” ተባሂሉ እዩ ዝጥቀስ። እቲ ግብጻዊ መወከሲ ጽሑፍ ከኣ፡ ነዚ ኣገባብ እዚ፡ ከም ካልኣይ ቅቡል ኣገባብ ጌሩ ኣቕሪብዎ’ሎ። (ሕጂ’ኳ ትሓይሽ! እታ ኮንዶም ዘልካያ ግን ….) ንቐጽል ደኣ ደሓን።
3. ምምካን
“ደጊም ዝኣኽሉኒ ወሊደ እየ” ኣብ ዝበልካሉ እዋን፡ እንቋቝሖ ናብ ማህጸን ንኸይኣቱ፡ ብሕክምናዊ ደገፍ፡ ነቲ መተሓላለፊ ሻምቡቆ ከምዝዕጾ ትገብር’ሞ፡ ጥንሲ ከየጋጥም ከኣ ትከላኸል። ሓደው ነቲ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ካብ ፍረ ነፍሲ ናብ መትሎ ዘመሓላልፍ ሻምቡቆ፡ ብሕክምናዊ ረድኤት ከምዝዕጾ ትገብር’ሞ፡ ናይታ ስድራ ናይ ምውላድ ተኽእሎ ኸኣ ከምዘቋርጽ ክትገብር ትኽእል። እዚ ኣገባብ እዚ ድማ “ምምካን” ተባሂሉ ይጥቀስ። “ወይ ናይቲ ወዲ፡ ወይ ከኣ ናይታ ጓል ናይ ምውላድ ተኽእሎ ነምክኖ” ዲና ንብል ዘለና ማለት?! እወ፡ ከምኡ ኢና ንብል ዘለና። ሓደው እቲ እንውከሰሉ ዘለና መወከሲ ከም ሳልሳይ ቅቡል ኣገባብ ምክልኻል ጌሩ፡ ነዚ ኣገባብ እዚ ጠቒስዎ ኣሎ ንብለኩም። (ኣይይይይይይይ እዚኣስ ኣይዘረባን…) እንተልኩም፡ እንሆ እቲ ምርጫ ኣብ አኢድና እዩ ዘሎ።
እስከ በሉ ከነጠቓልሎ፡-
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣገባባት ውጥን ስድራቤት፡ ማለት ነቲ፡ ንዘርኢ ተባዕታይ ምስ እንቋቍሖ ጓለንስተይቲ ንዘይምርኻብ ብኸምዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ሰለስተ ኣገባባት ዝግበር ጥንቃቐ ኣይትቃወሞን እያ። ካብዚ ወጻኢ ብመልክዕ ከኒና፡ ብመልክዕ መርፍእ ወዘተ ዝግበር ኣገባባት ምክልኻል ግን፡ ነቲ መሰናኽል ሰጊሩ ዝተፈጥረ ህይወት’ውን ናይ ምቕታል ተኽእሎ ከህልዎ ከምዝኽእል ብምግንዛብ፡ ቤተክርስቲያን ከም ኣገባብ ውጥን ስድራ ቤት ከምዘይትቕበሎ፡ እቲ ተወኪስናሉ ዘለና ጽሑፍ የብርህ። ስለዚ ዝፍቀድ ኣገባብ ምክልኻል ጥንሲ ኣሎ፡ ዘይፍቀድ ኣገባብ ምክልኻል ድማ ኣሎ ኢና ንብል ዘለና። ኣየናዩ እዩ ዝፍቀድ፡ ኣየናዩ እዩ ኸ ዘይፍቀድ ዝብል ሕቶ ገና የጠራጥረኩም እንተሎ ግን፡ ነዛ ጽሕፍቲ ተመሊስኩም ከምብሓድሽ ደጊምኩም ከተንብብዋ ከድልየኩም እዩ። ሕቶታኩም ግቡእ መልሲ ረኺቡ እንተኾይኑ ግን ርሑስ ቀዳመ-ሰንበት፡ እምነየልኩም!
ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ
ስቡሑኒ ውእቱ፡ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል