S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ ካህን 13 ዲያቆናት ቀቢኦም

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝገበርዎ መንፈሳዊ ዑደት ኣዝዩ ዕውት ከምዝነበረ፣ ብረዲኤት አምላኽ ብዙሓት ኣገልገልቲ ባሪኾም ንምእመናን ድማ መንፈሳዊ ማዕዳን ምጽንናዕን

 ሂቦም። አብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት (ሰነ 16-17፣ 2012) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፣  ንዲያቆን ተኽሊት ካህን ሽኖዳ ብዝብል መዓርግ ክህነት ቀቢኦሞ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ 13 ሰባት ብመንፈሳዊ መዓርግ  ዲቁና (ካብ መዓርግ ዘማሪ ክሳብ ዲቁና) ክቅብኡ ኮለዉ፡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ባሪኾም።

በዚ መሠረት ኣብ ሃገር እንግሊዝ ዝርከባ አብያተ ክርስቲያን

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ናይ እንግሊዝ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊም ተራኺቦም፣ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ'ውን ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ብናይ ኤውሮጳ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ቀሲስ ተኽለማርያም ምርካጽዮን ተሰንዮም፣ ኣብ ምሉእ ሃገር እንግሊዝ ዝገብርዎ ዑደት፣ ምስ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት መራሕቲ ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘትዮም። ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ ኣደራዕን ግፍዕን አዘኻኺሮም፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ወሪዱ ዘሎ መዘና ኣልቦ ግፍዒ ድማ ኩሎም ብጸሎትን ምህልላን ክዝክርዎም ተላብዮም።

ረዲኤት አምላኽ ኣባና ይብዛሕ

ጸሎትን ቡራኬን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስንን ኣቡነ መቃርዮስን ምስ ኩልና ይኹን።

Hits: 4207