S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልእኽቲ ቃል ቅዱስ ዮሓንስ

ብሩኽ በዓል ንኹልና ህዝበ ክርስቲያን!

ዓመት መጸ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ከነብዕል ከሎና ነቲ ብበረኸቱ ኣጽጊቡ ብጸጋ ሓለዋኡ ኣዕቝቡ ኣብ 2001 ዓ.ም ግእዝ ዘብጽሓና ልዑል እግዚኣብሔር

ምስጋና ይኹኖ። ኩሉ ግዜ መንፈሳዊ በዓላትና ከነኽብር ከሎና ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ጥንታዊ ባህልን ዝጸንሐ ልምድን ጥራይ ኮይኑ ምእንቲ ከይስምዓና ብዝያዳ መንፈሳዊ ትርጉሙ ፈሊጥና ሓቀኛ ዕላምኡ ንኻልኦት ከነረድእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ከምቲ ብትንቢት ‘’ ኣነ ንምድሪ መጺአ ከየጥፍኣስ ንሱ ነቦታት ምስ ደቆም ክዓርቆም ንደቂ ድማ ምስ ወለዶም ከሰማምዖም እዩ ። ንብዙሓት ህዝቢ እስራኤል ድማ ናብ ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ከዳሉ ቀቅድሚ ጎይታኡ ክኸይድ እዩ‘’ ተባሂሉ ኣቀዲሙ ዝተነግረ ካብ ክልተ ከም ፍቓዱ ኣምላኽ ዝመላለሱን ትእዛዛቱ ዝሕልዉን ጻድቃን ሰባት ካብ ካህን ዘካርያስን ብርኽቲ ኤልሳቤጥን ብመደብ ኣምላኽ ዝተወልደ ዓቢይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እዩ። ሚል 4፡6

ንሱ ንፍሉይ ዕዮ ኣምላኽ ዝተጸውዐ ብምዃኑ ክሳብ ቃል ኣምላኽ ተቐቢሉ ናይ ንስሓ ስብከቱ ዝጅምር ብጸሎትን ብሕትውናን ኣብ በረኻ ነበረ። ብድሕሪ እዚ ‘’ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑ። ጎደና እግዚኣብሔር ጽረጉ መገድታቱውን ኣቕንዑ፡። ሥጋ ዝለበሰ ኩሉ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ክርኢ እዩ’’ እናበለ ኣዋጅ ስብከቱ ጀመረ። ነቶም ኣብ ጸልማትን ድነ ሞትን ዝነበሩ ዘብርህ ንኣእጋር ኣመንቲ ናብ ሰላም ዝመርሕ ውፉይ ኣገልጋሊ ጎይታ ኮይኑ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ኣጥመቖ። እንተ ኾነ ግና ሰይጣን ንሠናይ ግብርን ቅዱሳት ሰባትን ወትሩ ስለ ዝጻረሮም ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብ ፍርቂ ዕድሜኡ ብሰማዕትነት ሓለፈ።

ንምኻኑ ስለ ምንታይ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ክብርቲ ክሳዱ ብሰይፊ ዝተቖርጸ?

ከምቲ ኣቦና ዳዊት ‘’ንሕና ግና ምእንታኻ ዅሉ ግዜ ንቕተል ኣሎና። ከም ዝሕረዳ ኣባጊዕውን ተቖጸርና‘’ ዝበሎ ኩሎም እቶም እሙናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ቅዱሳት ሰባት ደሞም ፈሲሱ፡ የዕጽምቶም ተበቲኑ፡ ሕይወቶም ብስደትን ስቅያትን እዮም ካብዚ ዓለም ሓሊፎም። እዚ መንፈስ ቅዱስን ሓይሊ ኤልይስን ዝመልኦ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ንተራ ሰብ ይኹን ንንጉሥ ንሰብኣይ ይኹን ንሰበይቲ ንሃብታም ይኹን ንድኻ ከይፈርሀ ብዘይ ኣፈላላይ ኩሉ ሰብ ክንሳሕን ካብታ ትመጽእ ናይ ሲኦል መዓት ከምልጡን እናዞረ የስተምር ነበረ። በዚ መሰረት ብዙሓት ብትምህርቱ ተመሲጦም ካብ ሓጢኣቶም ይንስሑ እኳ እንተ ነበሩ ውሑዳት ክፉኣት ከኣ ክቐትልዎ ይሃድንዎ ነበሩ። (መዝ 44፡22)

ቅዱስ ዮሓንስ ግና ብሓይሊ ኣምላኹ እናበርትዐ ’’ሓጥኣንን ቀተልትን ዘመውትን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስዋን እዮም እሞ ካብ መገዲ ሓጢኣትኩም ተመለሱ ንንስሓ ዝኸውን ፍረ ከኣ ግበሩ ‘’  እናበለ ንህዝቢ እስራኤል የጠንቅቖም ነበረ። ብፍላይ ንንጉሥ ሄሮድስ ድማ ‘’ ሰበይቲ ሓውኻ ንዓኻ ክትከውን ኣይግብኣካን እዩ’’ ኢሉ ብትሪ ይግስጾ ነበረ። ዓለምን እቶም ከም ፍቓድ ዓለም ዝመላለሱ ሰባትን ግና ንዕዮ እግዚኣብሔር ክቃወሙን ንኣገልገልቲ ጎይታ ክጻረሩን ወትሩ ድቃስ ስለ ዘይብሎም በዚ ምኽንያት ንጉሥ ሄሮድስ ንቅዱስ ዮሓንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ማቴ 14፡3

ኩልና ከም ንፈልጦ ኣመንዝራ ሰበይቲ ክብርቲ ነብሲ እያ እትሃድን። ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ከኣ ንሰብኣያ ምጥላማ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ቅቡዕ እግዚኣብሔር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ክትቀትሎ ድቃስ ስኢና ነበረት። ምኽንያቱ ድማ ፊልጶስ ሰብኣያ ብሕይወቱ ከሎ ምስ ሓዉ ንጉሥ ሄሮድስ ብዝሙት ወዲቓ ስለ ዝነበረት ዮሓንስ መጥምቕ ካብ ክፉእ ሓጢኣታ ክትምለስ ይምዕዳ ነበረ። ቀናእ ሰብ ናብ ቀናእ ሰይጣን ስለ ዘብጽሕ ድማ ጓላ ንሄሮድያዳ ኣብ ዕለተ ልደቱ ንንጉሥ ሄሮድስ ሳዕሲዓ ስለ ዘሐጎሰቶ ፍርቂ መንግሥቱ ተመባጽዓላ። ሄሮድያዳ ግና ካብ ፍርቂ ንግስነት ናይ ሄሮድስ ርእሲ ቅዱስ ዮሓንስ ብሰይፊ ተመቲሩ ክወሃባ ለመነት። ክብርቲ ርእሱ ከኣ ብትእዛዝ ንጉስ ብሰይፊ ቆሪጾም ኣብ ጻሕሊ ጌሮም ሃብዋ። ኣየ ጌጋ ምርጫ ወዲ ሰብ !!!

ክቡራት ህዝበ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ዝተሰየፈሉ ቅኑዕ ዕላማን ሰማያዊ ቃል ኣምላኽን ሕጽር ብዝበለ ነዚ ይመስል። ንሕና ከኣ ብክቡር ደም ክርስቶስ ዝተሃንጸት ቤተ ክርስቲያንን ብምስክርነት ሰማዕታት ዝጠጥዐ እምነትን ስለ ዘተረከብና ንሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ሃይማኖትና ንምዕቃብ ብጸሎትን ሓቀኛ ፍልጠትን ጸኒዕና ብትዕግሥቲ ክንመላለስ ግቡእና እዩ። ሽሕ እኳ ሕጂ ንቝሩብ ግዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ኽትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም ። 1 ጴጥ 1፡6

ቅዱስ ኣቦና ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ልክዕ ከም ቅዱስ ዮሓንስ ስለ ሓቅን ጽድቅን ብእምነት ደው ኢሎም ነቲ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ክዕምጽን ምእመናን ክበታትንን ዝተላእከ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ጭዋ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ መንበር ተዋህዶ ሃይማኖት ክቕመጥ ሕልንኦም ስለ ዘይተቐበሎ ማሕልኦም ገዲድዎም ‘’ ንስኻ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ክትከውን ኣይግብኣካን እዩ ‘’ ኢሎም ብመንፈሳዊ ሕጊ መሰረት ስለ ዝኾነንዎ ማእሰርትን ዓለማዊ ስቕያት እናተጻወሩ ብተስፋ ንሰማያዊ ዓስቦም ካብ ኣምላኽ ይጽበዩ ኣለዉ።

እምበኣር ‘’ ኣሕዋተየ ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ ወይ ሰራቒ ወይ ገባር ክፉእን ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዜእቱ ብምዃን ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃን እንተ ተሳቐየ ግና ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር’’ ዝብል ማዕዳ ሓዋርያ ጴጥሮስ ተረዲእና ከም ቅዱስ ዮሓንስን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን ብትብዓት እምነት ጸኒዕና ንዝኾነ ሕማቕ ዝገብር ሰብ ‘’ እዚ ክትገብር ኣይግብኣካን እዩ’’ ኢልና ክነግርን ቅኑዕ መገዲ ኣምላኽ ክንምስክርን ክርስቲያናዊ ሓላፍነትና እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ እኳ ‘’ብኤል ዜቡል’’ ኢሎም ዝጽረፍዎስ እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ክነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ከኣ ክስደዱ እዮም።1 ጴጥሮስ 4፡15

                                 "መዘከርታ ናይ ጻድቕ ንዘለዓለም ይነብር!"

ደቂቀ እንጦንዮስ

ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ

ቴክሳስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div