S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ”! ዮሓ 14፡18

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።
ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርንዓት ዓለምን እትርከቡ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን፥ ሰላመ-እግዚኣብሔር ኣብ ዘዘሎኹሞ ይብጻሕኩም።

ኣብ ብዙሓት መዕከናት ዜና ዓለም ንሰምዖን ንርእዮን ከም ዘሎና፥ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደቅና፥ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ከምኡውን ብዙሓት ካህናትን ዲያቆናትን (ውሉደ-ክህነት) ኣጋጢምዎም ንዘሎ ከቢድ ናይ ናብራ-ስደት ጸገማት፥ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፥ ናይ ምእሳር መደባትን ብኃይሊ ናይ ምስጕግ ውጥናትን ፍታሕ ንምርከብ ብማለት፥ ኣብዚ ቅንያት ብምኽንያት ጾመ ነነዌ ናይ 3ተ መዓልቲ እዉጅ ጾምን ጸሎትን ክገብሩ ከም ዝቐነዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት  “ኣምላኽ ንዓና መዕቆብን ኃይልን ብጸበባ ፍጡን ረድኤትን እዩ” መዝ 46፡1 ዝበሎ ንሕና ኩልና ኣመንቲ ክርስትና ድማ ብኣኅዋትናን መቕርብናን ጥራይ ዘይኮነስ፥ ምስ ዝኾነ ሰብ ፍጡር ወዲ ኣዳም ብጥዑምን ሠናይን ዜና ምስቶም ዝሕጎሱ ክንሕጎስ፥ ብሕማቕን ዘሕዝንን ዜና ድማ ምስቶም ዝነብዑ ክነብዕ ሰብኣውን ክርስቲያንውን ባህርያትና ብምዃኑ፥ (ሮሜ 12፡15) ልዑል እግዚኣብሔር ንጭኑቛት ተስፋ-ረድኤት፥ ንእሱራት ራህዋ-መስተርሆት፥ ንስዱዳት ድማ መዕቆብን በረኸትን ኮይኑ ንጸሎቶም መልሲ፥ ንቃንዝኦም ከኣ ፈውሲ ምእንቲ ክልእከሎም፥ ኩልኹም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ብኅብረት ኣብ ዘዘሎኹሞ ንጽባሕ ሰንበት የካቲት 16-2014 ኣ.ፈ (ዕለት 9 የካቲት 2006 ዓ.ም ግእዝ) ሰፊሕ ምህለላን ጸሎተ-ቅዳሴን ክግበር መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብኣኽብሮት መንፈሳዊ ጻውዒቱ የመሓላልፍ።

ንሰብ ነነዌ ዝተለመነ ልዑል እግዚኣብሔር፥ ምሕረቱን በረኸቱን ምስ ጽጉማትን ስዱዳትን ይኹን!!!

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ: ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ

፭ የካቲት ፳፻፮ ዓ.ም ግእዝ

የካቲት 12, 2014 ኣ.ፈ

Hits: 1350