S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ካቶሊክ ዝሓረድዎ ሥጋ ኣይትብልዑ”? - መግለጺ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
እቲ ብዮፍታሄ ዝምራሕ ምምሕዳር ጳጳሳት-ኤርትራ ብዕለት 21/11/2011 ዓ.ም (ቁጽሪ መዝገብ 3-92/5785/2011) "ካቶሊክ ዝሓረድዎ ሥጋ ከይትበልዑ” ዝብል ዘዋሪ መልእኽቲ ከምዝዘርግሐ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትሕዝቶ ናይዚ ሓደገኛ  ዘዋሪ መልእኽቲ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝተመርሐ ጉባኤ ካህናት ብዕለት 3/30/2012 ተጋቢኡ፣ ነቲ ጉዳይ ብእምነት፣ ብጸሎትን ብኽውንነትን ርእዩ ተላዚብሉ። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ኣብ መንጎ ኣኅዋት ሕዝበ-ክርስቲያን ነባሪ ባእሲ ንምትካልን ዘየድሊ ምትህልላኽን ምትፍናንን ንምፍጣር ተባሂሉ ዝተዘርግሐ፣ ብትሕዝቶኡ ይኹን ዕላምኡ ፈጺሙ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዘይውክል ናይ ጽልኢ መልእኽቲ ምዃኑ ንኹሎም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ሕዝበ-ክርስቲያን ንሕብር።

ብተወሳኺ እቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ምምሕዳር መንግሥቲ ንኡስ ዞባታትን ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍለ ሰራዊት 13ን ብቕዳሕ ከም ዝተዘርግሐ ብዕሊ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ ካብ መጀመርታ “መንግሥቲ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ዝብል ተሪር መንፈሳዊ መርገጺ ቅዱስ ፓትርያርክናን ንጹር መርገጺ ሃገረ ስብከትናን ዚጻረር ኮይኑ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ሊቃውንቲ ሰዓብቶም ተሓይሮም፥ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ግና ብሓደ መንፈሳዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ጭዋ ሰብ ኣቶ ዮፍታሄን ብከቢድ ጸቕጢ ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ብትእዛዝ ምምሕዳር ዞባታትን ብምክትታል ክፍለ ሰራዊትን ጅሆ ተታሒዛ፥ ኣብ ዓዘቕቲ ማእሰርትን ዕንወትን ወዲቓ ከም ዘላ ዘረድእ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ።

እተን ኣብ “ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሓ” ተጠቒሰን ዘለዋ ዓድታት ከኣ “ማይን ሑጻን መታርፍቲ” ከም ዝበሃል፥ እቲ ዝተዘርግሐ ናይ ጽልኢ ደብዳበ፥ ፈጺሙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ መልእኽቲ ከም ዘይኮነ ተረዲኦም፥ ብድሕሪ ሕጂውን ይዕበ ይንኣስ፥ ዝኾነ ጊዝያዊ ጸገም እንተ ኣጋጠመ በቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁ ለባማትን ወራዙት ዓበይቲ-ዓድን ተመሪሖም ጸገሞም ብመንፈሳዊ ልዝብ ክፈትሑን ብሰላም ክነብሩን ደኣ እምበር ድራር መጣቖስቲ ክኾኑ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ብረቂቕ ውዲት ሰይጣን ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣዳም “ቃየልን ኣቤልን” ሞት ከም ዝኣተወ ቅዱስ ጽሑፍ ዝመዝገቦ ሓቂ ኢዩ (ዘፍ 4፡1)። ስለዚ እምበኣር “እግዚኣብሔር ማለት ፍቕሪ እዩ” ንሕና ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገራትን እንነብር ሕዝበ ክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳውያንን ካቶሊካውያንን ድማ ንሓድሕድና ተፋቒርና ንኣምላኽ ከነስምርን ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብርን ክርስቲያናዊ ግዴታና ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እኳድኣ ክውገዝን ክኽልከልን ዘለዎ ነገር እንተ ኣልዩስ፣ እቶም ብዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝምርሑ ዝተወገዙ ጳጳሳት ዝባረኽዎ ጥራይ እዩ ጽዩፍን ክብላዕ ዘይግብኦን። ስለምንታይሲ፣  ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተወገዙ ጳጳሳት ስለዝኾኑ።

ልዑል እግዚኣብሔር ሠናይ ክንገብርን ብሰላም ክነብርን ጸጋ የብዝሓልና!
ኣምላኽ ህዝብናን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ-ኤርትራ
03/30/2012 ኣ.ፈ  ( ፳፩ መጋቢት ፳፻፬ ዓ.ም)

Hits: 4674