S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጥንተ-ኣብሶን ሥእሊ ሥላሴን

Download {audio}/images/stories/mp3/hgbMekari/mariologyBishopMakarios_111713.mp3{/audio} ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ብዛዕባ ጥንተ-ኣብሶን ሥእሊ ሥላሴን ዝሃብዎ ኣስተምህሮ Video

እዚ ኣስተምህሮ እዚ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብገለ ወገናት ዝተዘርግሐ ቤላ ቤለው መኣረምታ ንክኸውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ኢየሩሳሌም (ስራኤል) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ኮይኑ ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘተኮረ እዩ።

1. ጥንተ-ኣብሶ (ኣዳማዊ-ውርሻ) ማለት እቲ ካብ ኣቦና ኣዳም ናብ ኩሉ ዝሓለፈ ሞት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከም ኩላትና ብሕጋዊ ሩካቤ ካብ  ቅዱሳን ስድራ ዝተወልደት ስለ ዝኾነት፣ እቲ ቀዳማይ ሞት እኳ እንተ ተንከፋ፣ እቲ ካልኣይ ሞት ግን ኣይተንከፋን። ከመይ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ካልኣይ ሞት ኣንጺህዋ እዩ። ቅድስት ማርያም ጌጋ ኣይፈጸመትን። ኣብ ኃጢኣት ኣይወደቐትን፣ ብሕልና ድንግል: ብሥጋ ድማ ድንግል እያ። "ንጽህት እምንጹሓን፣ መልእልተ ፍጡራትን፣ መትሕተ ፈጣሪ እያ።"

2. ብዛዕባ ስእለ-ሥላሴ ዝምልከት ድማ እምነትና ኣብ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን፣ ብሥላሴ ኢና እንኣምን። ብዛዕባ ስእሊ ሥላሴ ግና፣  እዚ ኣብ ሃገር ኣግኣዚ ዚግበር ስእሊ ሰለስተ ሽማግለ ኣብ ዘመነ መንግሥቲ ጎንደር ዝተኣታተወ እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት የለን። ግን ኣነ ቅደድዎ፣ ኣልዕልዎ፣ ደምስስዎ ኣይበልኩን። ከመይ  ኦርቶዶክስ ማለት ናይ ሕብረት ኃይሊ (collective power) እምበር ንበይንኻ ድልየትካ ትውስነሉ ኣይኮነን።  

Hits: 5147