ዝኸብርኩም ህዝቢ-ክርስትያን፣ ሰላም ንዓኹም ይኹን። ክልተ ሕቶታት ኣለዋኒ።
ካብ ሕቶታትኩምብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፣ ኣሜን።
Read more...
ዝኸብርኩም ህዝቢ-ክርስትያን፣ ሰላም ንዓኹም ይኹን። ክልተ ሕቶታት ኣለዋኒ። ቅዋም (Constitution) ሃገረ ኤርትራ፡ እግዚኣብሔርዶ ፖለቲከኛታት ኣገድቱ?
ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ክለዓል እንከሎ ብዙኃት እዚ ኣብ ፖለቲካ ምእታው እዩ፡ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ግን ይትረፍ ኣብ ፖለቲካ ክትኣቱ ነቲ
Read more...
ስነ ጽሑፍ ብዶር. ሽሞንዲ ሃይለመለኮታዊ ጸጋ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን እዩ (5ይ ክፋል)ኣዳም ዝሞተ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝተፈጸመ ምእማንን ዘይምእማንን ጥራይ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንሕናውን ብዘይ ግብሪ ኣሚነ ጥራይ ኢልና ምደሓንና ኔርና። እንተዀነ ኣዳም ብግብሪ ካብታ ዘይትብላዕ ኦም ስለዝበልዔ ክሕደቱ ብግብሪ ኣርኣየ። ሕጂ’ውን ሰብ ኣሚነ ክብል እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብቲ ህይወት ዝህብ ሥጋ ክርስቶስ እንተዘይበልዐ፡ በቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝፍጸም ምእማን ጥራይ ህይወት ክረክብ እዩ ማለት ኣየስምዕን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ክርስቶስ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፥ … (ዮሃ፡ 6፡55-56) ኣይምበለን። Read more... ሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲሰላም ዝኽበርኩም አዳለውቲ እዚ መደብ ነዚ መንፈሳዊ መደብኩም ምስ ረኽብክዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ደስ ኢሉኒ’ሞ መንፈሳዊ ሰላምታይ ተቕበሉኒ ይብለኩም። ንቐፃሊ ድማ ዘሎኒ ሓበሬታን ርኢቶን ከምዝሰደልኩም ቃል ይአትወልኩም ሰላም ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራን! ዲ/ን ብርሃነ ገ/ሚካኤል ካብ መቐለ-ኢትዮጵያ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐሰላም ንዓኻትኩም ይኹን ኣሕዋትን ወለድን። ከመይ ኣለኹም? ኣብ ስራሕኩም እግዚኣብሄር ክሕግዘኩም ናይ ወትሩ ጊዜ ጸሎተይ እዩ። ኣነ ካብ ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ትቕመጡ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ብሩህ ተስፋ ክጽበ እየ ጸኒሐ። እንሆ ብሩህ ተስፋይ ሓደ ኢሉ ጀሚሩስ ድሮ እኳ ፕሮፈሶር ብክህነት ክቕባእ ሰሚዐ ኣለኹ እሞ ሓጎሰይ ወሰን ስኢነሉ ብሓጎስ ነቢዐ። እሞ ንኹልኹም ኣመንቲ ኦርቶዶክስ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ኣምላኽ እምነትና ይባርኽ። ንስኹም ከኣ ኣጆኹም ኣሕዋትን ወለድን እናበልኩ ኣምላኽ ምሳኹም ይኹን። ሰላም, ቻው።ናትናኤል ካብ ሕቶታትኩምበስመ ኣብ ወወልድ ወመነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ. ኣሜን። ስለምንታይ ብኦርጋን መዝሙራት ትጥቀሙ ኣለኹም? እዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣይኮነን፣ ስለዚ ብኦርጋን መዝሙር ምዝማር እንተተረፈ ይሓይሽ ። ወስብሓት ለእግዚኣብሔር! ካብ ግርማይ ክብረኣብ። መልሲ ካብ ኣመሓዳራ መርበብ ሓበሬታ ብክርስቶስ ፍቁር ሓውና ግርማይ፣ ሰላም ኣምላኽ ንዓኻ ይኹን።ስለ ሕቶኻ እናመስገንና፣ ንሕቶኻ ብጌጋ ተረዲእና ግጉይ መልሲ ከይንህብ ምእንቲ ስለምንታይ ኦርጋን ናይ ኦርቶዶክስ ኣይኮነን ከምዝበልካ ሓሳባትካ ከተነጽረልና ብተስፋ ንጽበ። ኣቦታት ካህናት መልሲ ክህቡኻ ድማ ድልዋት እዮም። ኣንበብቲ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለኩም ርእይቶ ክትልእኩልና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽር። መልሲ ንርእይቶ ቢንያምን ካልኦትን!
ናብ ዝኸበርካ ቢንያምን ናብ ኩልኹም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን፡-
Read more...
ኣብ ዘዘሎኹሞ ቦታ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን፥ ንዓኻትኩም ይኹን። ቀጺልና ኣብ ዕለታዊ ናብራኹም ዓወት፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጽንዓትን በረኸትን ክትረኽቡ ንመድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ወትሩ ንጽሊ። |
|
|