S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሔር ብሕብረት ክንመላለስ እዩ ዝምህረና

“እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዝድለዩ” (1ቈረ 12፡22)

ነፍሲ ወከፍና በብኽፍልና ኣካላት ስጋ ክርስቶስ ኢና። ኣካላት እንተ ተፈላለዩ እቲ ስጋ ክነብር ኣይክእልን። እግዚኣብሔር ብሕብረት ክንመላለስ፡ ብዙሕ ጊዜ እዩ ዝምህረና። ክርስቶስ'ውን ፍጹም ሓድነት ምእንቲ ክህልወና ጸልዩልና እዩ (ዮሃ 17፡20-21)። ብኣንጻሩ ከኣ ሰይጣን፡ ሓይሊ ናይ ሓድነት ስለ ዘፍርሆ፡ ኵሉ ጊዜ ፋሕ ከብለና ምስ ጸዓረ እዩ። ሓደ ካብቲ ፋሕ ንምባልና ዝጥቀመሉ ከኣ ጉድለት ኣሕዋትና ብምርኣይ እዩ።

ሓደ ጊዜ ሓደ መምህር፡ ሓንቲ ዓባይ ጻዕዳ ወረቐት ኣብ ማእከላ ሓንቲ ንእሽቶ ጸላም ነጥቢ ዘላታ ኣብ ሰሌዳ ሰቒሉ፡ ንተመሃሮኡ እንታይ ትርእዮ ኣለኹም ኢሉ ሓተቶም እሞ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ኣብታ ማእከል ጸላም ነጥቢ ኣላ በልዎ። ንሱ ግና፡ “ኣነስ ዓብዪ ጻዕዳ ወረቐት፡ ኣብታ ማእከል ከኣ ንእሽቶ ጸላም ነጥቢ እርኢ ኣለኹ በሎም” ይበሃል። ብዙሕ ጊዜ ሰይጣን ኣብ ህይወት ኣሕዋትና ክንርእዮ ዝግብኣና ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት እናሃለወ፡ ነቲ ንእሽቶ ኣበራቶም ኣጋኒኑ እዩ ዘርእየና። ምኽንያቱ ንሱ ከሳሲ ኣሕዋትና እዩ (ራእ 12፡10)።ንሕና’ውን ምስኡ ኴንና ክንከሶም እዩ ዝደሊ።

ሓደ ጊዜ ሰይጣን ንኢያሱ ሊቀ ካህናት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከሲስዎ። እቲ ዝበሎ ልክዕ እዩ ነይሩ። ረሳሕ ክዳውንቲ እዩ ተኸዲኑ ነይሩ። እግዚኣብሔር ግና ሓቅኻ ኣይበሎን “... እዝስ ካብ ሓዊ እተመንጠለ እያድ'ዶ ኣይኮነን?” እዩ ዝበሎ (ዘካ 3፡1-5)። ከምኡ ኸኣ ንሕና ነዞም ካብ ሓዊ እተመንጠሉ ኣሕዋትና ምስ ሰይጣን ኴንና ክንከሶም ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ። ንኣና ብገለ ከኽብዱልና ይኽእሉ ወይ'ውን ገለ ደስ ዘይብል ነገር ክንርእየሎም ንኽእል ኢና። ግናኸ እዚ ርኢና ክንጸልኦም ዘይኮነስ፡ እቲ ዝዓበየ ጻዕዳ ጽቡቕ ነገሮም እናረአና ኣዚና ከነፍቅሮም ይግብኣና። በቲ ዝረአናዮ ድኻማቶም ከኣ፡ ንኣና ምእንቲ ክሕሸና እግዚኣብሔር ከንጽሆምን ክቕይሮምን ክንጽልየሎምን ብፍቕሪ ክንምዕዶምን ይግባእ። ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ብምርኣይ ሓድነትና ከይነላሕልሕ ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ኣሕዋትና ድኹማት ኮይኖም ክረኣዩና ይኽእሉ እዮም፡ ግናኸ ኣካል ናይ ህይወትና ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግባእን። (መዝ 133፡1-3፣ ግብ 2፡44፣ ኤፌ 4፡11-13፣ እብ 10፡24-2)።

ኣስተንትን

1. ጥቕሚ ናይ ሕብረት እንታይ እዩ ትብል (1ቈረ 12፡12-31)?

2. ኣብ ገለ ኣሕዋት ብኸምዚ ምኽሳስ ዝዓገብካዮምን ድኹማት እዮም ብምባል ዝነዓቕካዮምን ከይህልው ርእስኻ ፈትሽ!

3. ንርእስኻ'ኸ ኣብቲ ሕብረት ኣሕዋት ጠቓሚ ምዃንካ ትቖጽራ'ዶ? ንኣሕዋትካ ብምንታይ ትድግፎም?

ስለቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ብክርስቶስ ኣሕዋትካ ኣመስግን። ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕብረት ዘሎ ጥቕምን ምስጢርን ግቡእ ምርዳእ ክህልወካን ናትካ ግደ ኣምላኽ ክገልጸልካን ከምቲ ዝግብኣካ ክትነብረሉን ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ንሕ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div