![]()
ፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረኣብ ብቐዳም 24 ሓምለ 2010 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም፣ ኣትናቴዎስ ዝብል ናይ ክህነት ስም ድማ ተዋሂብዎም። ብዙሓት ተጋባእቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን ተዋህዶ፣ ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ፣ Read more...
መልእኽቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ
ኣቐዲመ መልእኽተ ሰላም ወፍቅር እልእኸልኩም። እንቋዕ ናብዚ በብዓመቱ እትጋብእሉ መንፈሳውን ቅዱስን ናይ እግዚኣብሔርን፥ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዕብየትን፥ መደብን፥ እትሕንጽጽሉ ዓመታዊ ጉባኤ እግዚኣብሔር ኣብጽሓኩም። Read more...
መሪሕ ጥቕሲ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ እዚ ንሎሚ ዓመት ዝተመርጸ መሪሕ ጥቕሲ: ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ናይ ነብያት ምስ ተነጽገ፡ እግዚኣብሔር ንምርኮን መግዛእትን ኣሕሊፉ ስለዝሃቦም ካብ 538-432 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንእስራኤልውያን ኣዝዩ ጽንኩር ዓመታት ምንባሩ ይፍለጥ። "ቁጥዓ እግዚኣብሔር ነዲዱ ... ፈውሲ ምስ ተሳእኖ" Read more...
ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤና ናይ ክብሪ ኣጋይሽናን ኣቦታትናን ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት
ቃለ-ቡራኬ!
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም ኢልና ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። እዚ እንጽሕፈልኩም ዘሎና፥ ሓጎስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ኢልና ኢና።
እታ ካብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ፥ ንዓኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ፡- እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ፥ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ዚብልዎ ከቶ የልቦን። ‘’ምስኡ ሕብረት ኣሎና’’ እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፥ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሕድሕድና ሕብረት ኣሎና፥ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኩሉ ኃጢኣትና የንጽሃና እዩ። 1ዮሓ 1፡3-7።
ኣገዳሲ መልእኽቲ
ናብ ክቡራን ምእመናን ተሳተፍቲ ዓመታዊ ጉባኤና፥
ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም! ቀጺልና ቅድሚ ሕጂ ናይ መደቀሲኹም ሆቴል ምእንቲ ክትሕዙ ኢልና ኣድራሻ ናይ Hampton Inn & Suits ሓቢርና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ዝተጠቕሰ ሆቴል ድሮ ስለ ዝመልአ፥ ነቶም ገና ሆቴል ዘይሓዝኩም ዘሎኹም ክቡራት ኣጋይሽና ኣብ ካልእ ሆቴል በዚ ዝስዕብ ኣድራሻታት ክትሕዙ ከም ትኽእሉ ንሕብር።
- · ዝርዝር መደብ ጉባኤ 2010
- · ቅነ-ጉባኤ 2010
- · መልእኽቲ መሪሕ ጥቕሲ ጉባኤ 2010 - ብደቂቀ እንጦንዮስ
- ዕድመ ካብ ኣዳላዊት ኮሚቴ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
ሆቴል
1.HOTEL ZERO DEGREES
- 909 Washington Boulevard, Stamford, CT 06901
- Phone: (203) 363-7900 for reservation
- www.hotelzerodegrees.com
2. www.greenwichhospitality.com
3.Holiday Inn Stamford Downtown Hotel
- www.histamford.com
- 700 East Main Street
- Stamford, CT 06901
- Phone: (203) 358-8400
Preferred Airports:
- LaGuardia Airport
- JFK Airport
Transportation--> Will be provided from & to the airport
Conference venue--> 37 Schuyler Ave. Stamford, CT 06902
ንዝኾነ ዘድሊ ሓበሬታን ሓገዝን በዚ ቁጽሪ’ዚ ደውሉ። ብደሓን ምጹ!
- Amanuel = 908-415-5787
- Belai = 203-667-8322
- Teklai = 646-808-6660
- Zaid = 718-696-7219
ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
ሓበሬታ፡ መደባት መበል 12 ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብቐጥታ ከመሓላለፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር።





