www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home

መልሲ ን"ስለምንታይ ኢኹም ብኦርጋን ትዝምሩ?"

E-mail Print

ካብ ማሕደር ታሪኽ መንፈሳውያን ሊቃውንትና
ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ፍቑራት ናይ ክርስቶስ ቤተ ሰብ ንነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ዘዘሎኹሞ ልዑል እግዚኣብሔር ሰላምን ምሕረትን ፍቕርን ስኒትን ክህበኩም ናይ ወትሩ ጸሎትናን ልባዊ ድሌትናን ምዃኑ ክንገልጸልኩም ንፈቱ።

ቀጺልና ኩሉ ናብ ተዋህዶ.ኦርግ ትልእክዎ ሕቶ፥ ርእይቶ ምኽርን መተባብዒ ጽሑፋትን ይበጽሓና እዩ። ስለ ተገዳስነትኩምን መንፈሳዊ ደገፍኩምን እናኣመስገንና ንነፍሲ ወከፍ  ዝግባእ ጻማኹም ልዑል እግዚኣብሔር ክኸፍለኩም ንልምን። ካብዚ ቀጺልና ከነብርሆ እንደሊ ብዛዕባ ‘’ብኦርጋን ስለምንታይ ኢኹም ትዝምሩ? እዚ ናይ ተዋህዶ ኣይኮነን’’ ንዝብል ሕቶ መሠረት ብምግባር እዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ብኦርጋን ወይ ካልእ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ናይ ዓለም ስለ ዝኾነ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን ዝብል ተደጋጋሚ መረረን መሠረት ዘይብሉ ዘረባን ይስማዕ እዩ። ገለ ውሱናት ሰባት ከኣ ነዚ ናይ ኦርጋን ነገር ማዕረ ጽድቅን ኃጢኣትን ቆጺሮም ከም መተሃላለኽን ዘየድሊ ጸለመን እናተጠቕሙ ስም ሰብ ከዋርዱን መጓሰ ህዝቢ እግዚኣብሔር ክበታትኑን ብመደብ ዝጽዕሩ ሰባት ከም ዘለዉ ከነብርህ ንደሊ። ይኹን እምበር ‘’ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፥ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፥ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ክህቡሉ እዮም እብለኩም ኣሎኹ።’’(ማቴ 1237) ዝብል ጽሑፍ ስለዘሎ መሠረታዊ ሓቂ ኣብ ዘይብሉ ነገር ኣቲና፥ ዘየድሊ ስምዒትን ጎዳኢ ትምክሕትን ሒዝና ኣብ ኣፍና ዘዝመጸ እናተዛረብና ንዕዮ ቤት እግዚኣብሔር ካብ ምዕንቃፍ ክንቁጠብ ሠናይ ምዃኑ ከነዘኻኽር ንደሊ።


እምበኣር ብዛዕባ ኦርጋን ኣብ ቀጻሊ ሰፊሕ ጽሑፍ ከነቕርብ ክንፍትን ኢና። ግናኸ ክሳብ ሽዑ እስከ ገለ ታሪኻዊ መብርሂ እንተ ኾነና ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ዝሰማዕናዮ ናይ ቀረባ ግዜ ዛንታ ከነካፍለኩም። ስለምንታይሲ እዝኒ መሰታ ቀዳማት ክበሃል ብዙሕ ጊዜ ሰሚዕና ንኸውን ኢና። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን፥ መንፈሳውያን ሊቃውንቲ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን በብጊዜኡ ነይሮም እዮም። ገና ሕጂ እንተ ኾነውን ኣይተሳእኑን፥ ንመጻኢ ግዜ ድማ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኖም ዝጓስዩ ለባማት ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣመሓደርቲ ህዝቢ ኣምላኽን ከተንሥኣልና ብጸሎት ወትሩ ክነቅሕ ይግባእ። ሓደ እዋን ኣብ ዘመነ ደርጊ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ቅድስት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ንምዝታይ፥ ንጉዳይ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ዝተፈላለዩ ጸገማትን ንምዝርራብ ኣብ ኣዳራሽ ፍኖተ ብርሃን ርእሰ ኣድባርት ቅድስት ማርያም ኣስመራ ጉባኤ ተጸውዐ። ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ከኣ፥ ካብ ገዳማትን ኣድባራትን ዝመጹ ኣቦታት መነኮሳት፥ ሊቃነ መናብርት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስመራ፥ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝተወከሉ ካህናት፥ ዲያቆናትን መዘምራን ደባትርን ዝተጋብእዎ ሰፊሕ ጉባኤ ተኻይዱ። ኣብቲ ጉባኤ ብኣጀንዳ ተታሒዞም ዝነበሩ ብዛዕባ ሓያሎ ኣርእስታት ምስ ዘተዩ፥ ኣገደስቲ ሓሳባትን ሃናጺ ርእይቶታትን ምእንቲ ክህቡ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዕድል ተዋህበ።


እቶም ምሉእ ሊቅነት፥ ጽቡቕ ስምን ልዑል ክብርን ዝነበሮም ኦርቶዶክሳዊ ሊቅ፥ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቑበጊዮርጊስ መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃሎም ሓደ ዓቢይ ሓሳብ ናብቲ ጉባኤ ኣቕረቡ። እቲ ዝቐረበ ሓሳብ ድማ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ዘርብሕ ኮይኑ፥ ንመጻኢ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታውን ብሓቂ ዝጠቕማ ብምንባሩ፥ ወላኳ ሽዑ ሰማዒ እንተ ሰኣነ፥ እቲ ዝሃብዎ ምኽሪ ግና እንሆ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ነፍሲ ወከፍና ክፍጸም ይርከብ። ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዘቕረብዎ ሓሳብ ‘’ክቡራን ውሉደ ክህነት ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ኣገልገልትን! ኩልና ከም ንፈልጦ፥ ምእመናን ተዋህዶ ህዝበ ክርስቲያንና ኣብ ሓያሎ ገጠራት ዓድታትን ኣብ መታሕትን ዝነብሩ ኣመንቲ፥ ብሰንኪ ዋሕዲ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ዘጋጥሞ ዘሎ ጸገምን ሽግርን ንኹልና ብሩህ ኮይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ ኣብ ቍሸታትን ነኣሽቱ ዓድታትን ሃገርና ጸጋ ጥምቐት ንሕጻናት እንተ ደለዩ፥ ወይ ከኣ ቅዱስ ቁርባን ንኽቕበሉ ቅዳሴ ተሰሪዑ ከብቅዕ 4 ቀደስቲ ተረኪቦም ከለዉ ሓደ ሓሙሻይ እንተ ተሳእነ፥ ቅዳሴ ስለ ዝቦክር ካብ ጎደቦ ዓድታት ሓደ ኣገልጋሊ ንምርካብ ክንደይ ክደኽሙን ክጭነቑን ንርእዮም ኣሎና። ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓሙሻይ ቀዳሲ እንተ ዘይተረኽበ ድማ ጸጋ-ጥምቀት ይተርፍ፥ ቅዳሴውን ይቦክር ማለት እዩ። እዚ ከኣ ንብዙሓት ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ንዓናውን ከይተረፈ ብጣዕሚ ከም ዘሕዝነናን ድቃስ ከም ዝኸልኣናን ንማንም ሰብ ርዱእ እዩ።


እምበኣር ነዚ ጸገምዚ ተረዲእና ኣምላኽ ብዝሃበና ሕድርን ሓላፍነትን ተጠቒምና ንህዝብናን ቤተ ክርስቲያንናን መሠረታዊ ፍታሕ ክንገብረሎም ጽቡቕ ኮይኑ ይርኣየኒ። እቲ ርህሩህ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ድማ 5 ንዝተቐደሰ ዝቕበሎ፥ 3 ንዝተቐደሰ ከኣ ዝሕሰሞ ኣይኮነን። እምበኣር ክንደይ ሕጻናት ብዋሕዲ ኣገልገልቲ ጸጋ-ጥምቀት ከይተቐበሉ ይተርፉ፥ ብዙሓት ቆረብቲ ድማ ካብ ቅዱስ ቁርባን ይቦኽሩ ኣለዉ እሞ፥ እተን ብዙሓት ኣገልገልቲ ዘለወን 5 ልኡካን ክቕድሳ፥ እተን ዋሕዲ ካህናትን ዲያቆናትን ዘለወን ዓድታትን ቑሸታትን ግና 3 ልኡካን እንተ ተቐደሰ ሕማቕ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ፥ እሞ እዚ ዓቢይ ጉባኤ እንተ ሰሚርዎ ንህዝቢ ተዋህዶና ብሓቂ ዓቢይ ፍታሕ ክኸውን ምኽኣለ’’ ዝብል መንፈሳዊ ራእይ ናይ ዘለዎ መራሒ ሓሳብን፥ ብጉስነት ምእመናንኑ ናይ ዝግደስ ለባም መምህርን ሓሳብ ኣቕረቡ። 


ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ። ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ (ኢሳ 328) ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፥ እዚ ሓሳብ ናይ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስውን ብመሠረቱ ንረብሓ ቅድስት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንን ንመጻኢ ወለዶን ዝጠመተ ሓዋርያዊ ዕላማ ምዃኑ ዘየጠራጥር እኳ እንተኾነ፥ ‘’ጸሎት ኣቦይን ጸሎት ኣደይን በበይኑ ኮይኑ’’ ከም ዝበሃል፥ እቶም ሽዑኡ 3 ልኡኻን ምቕዳስ ከም ምጉዳል እምነትን ዓቢ ስሕተትን ኮይኑ ዝስምዖም ዝነበረ ገለ ሰባት ግና ነዚ ሓሳብ እዚ ክሰምርዎስ ይትረፍ ክሰምዕዎውን ከቢድ ጓሂ ዝፈጠረሎም ውሑዳት ኣይኮኑን። 3 ቀዳስያን ቅዳሴ ምክያድ ዝብል ዘረባ ድማ ብዙሕ ስለ ዝኸበዶም፥ እዞም ሊቀ መዘምራን ሞገስ ተጸሊሎም? ናይ ጥዕና ዘረባ ዲዩ? ወዘተ…… እናበሉ ድማ ምዕዝምዛማት ኣብዝሑ። ነዚ ግሩም ሓሳብውን ምቕባል ኣበይዎ። ነቲ ኩነታት ዘስተውዓሉ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ግና በሉ ደሓን ባዕሉ ጊዜን ኵነታትን ከምጽኦ እዩ ኢሎም መለሱ።


ብመሠረቱ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና 5 ልኡኻን ጌርካ ሥርዓተ ቅዳሴ  ምክያድ ንነዊሕ ዘመናት ዝጸንሐ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን መደብ ኣገልግሎትን ደኣ እምበር ምስ ጽድቅን ሓጢኣትን ዘቑጽር ነገር ብፍጹም ኣይኮነን። ብተወሳኺ ኣብቲ መሠረት ቤተ ክርስቲያንና ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስውን 3 ልኡካን ቅዳሴ ኣይሰምርን እዩ ዝብል ጽሑፍ የልቦን። ወይ ድማ ከም ዶግማ ቤተ ክርስቲያን ዝተዋህበና ትእዛዝ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ሽግርናስ ከምቲመጻሕፍቲ ኾነ ኃይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘሎኹም’’ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ስለ ዝኾነ እዩ። ስለዚ ድማ እንሆ ሎሚ ኣብ ስደት ዝርከባ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ 3 ቀዳስያን ዘይኮነስ ብሓደ ካህን ከይተረፈ ይቕድሳን ይግልገላን ከም ዘለዋ ካብ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ኃጢኣት ዘቝጽር ወላሓንቲ የብሉን። እቲ ክቡር ሓሳብ ኣቦና ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዝበልዎ ኣብ ክንዲ ብጉባኤ ሰሚርካን ተሰማሚዕካን ብወግዒ ዝእወጅ ጸገም ኣብ ቅድሜና ምስ ተገተረ ብሓደ ካህን ክንቅድስ ተገዲድና ንርከብ ኣሎና።


ናብ መበገሲ ኣርእስትና ክንምለስ ጉዳይ ብኦርጋን ጌርካ ምዝማርን ንኣምላኽ ምምስጋንን ድማ ወላኳ ሎሚ ብስምዒት ጥራይ ከም ኃጢኣት ንቖጽሮን ንሕሰሞን እንተሎና ጽባሕ ግና ደቅና ኣብ ነፍሲ ወከፍ  ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኦርጋን ጌሮም ንእግዚኣብሔር ክውድሱን ብመዝሙር ከመስግኑን ክንርእዮም ምዃንና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጊዜን ኵነታትን ክቀያየር ከሎ ግእዝ ብትግርኛ፡ 5 ቀዳስያን ብሓደ ካህን ክትክኡ’ውን ብኣዕንትና ርኢና ኢና።


ልዑል እግዚኣብሔር ብፍቕሪ ንሕድሕድና ንተሃናነጸሉ ኣእምሮ ይሃበና!

ይቕጽል ……

ደቂቀ እንጦንዮስ ተመሃሮ ቅዱስ ኣትናቴዎስ መንፈሳዊ ኮሌጅ
ቴክሳስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ

 

በዚ ጸሓፉልና

መልእኽትኩም ኣብዚ ጸሓፉ






ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ