www.tewahdo.org

 
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሃገረ-እስራኤል ተመስሪታ: ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ማእከላይ-ምብራቕ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም

E-mail Print
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ማእከላይ-ምብራቕ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም። ብፁዕ ኣቦና፡ ብመጀመርታ ንተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ኣብቲ ኣብ ግብጺ
ብ22 ግንቦት 2010 ዝተኻየደ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝቐጸለ መዓልትታት ድማ ምስ ፖፕ ሽኖዳ ተራኺቦም ብዛዕባ ኣሓት ቤተክርስትያናት ግብጽን ኤርትራን፣ ብዝያዳ ድማ ብዛዕባ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ኣብ መንጎ ሃገረ-ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ግብጽን ዘሎ ኩነታት ተላዚቦም።

ብ9 ሰነ 2010 ዓ.ም (2 ሰነ 2002 ግእዝ) ኣብ ኢየሩሳሌም ሃገረ-እስራኤል ኣትዮም፡ ኩነታት እቶም ኣብ ማእከል ስደተኛታት ተዓቑቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ንኽፈልጡ ቀጥታዊ ርክብ ኣካይዶም። ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዉ ስደተኛታት እቲ ዓብላሊ ቁጽሪ፡ ብዝሒ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታት ምስ ዘለዉ ካህናትን ዲያቆናትን ብምዝርራብ፣ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክርከበሉ ዝኽእል ኩነታት ዘትዮም። ኣብቲ ብፁዕ ኣቦና ዝሃብዎ ትምህርቲ፡ "ስደት ብህዝቢ ኤርትራ ኣይተጀመረን። ሉ መነባብሮ ዝሖን ዘይጠዓሞን ህዝቢ ክስደድ ጸኒሑዩ፡  ሕጂውን ይስደድ ኣሎ። እምነትካን ሃይማኖትካን ገዲፍካ ዝግበር ስደት ግን የልቦን። ንአብነት ዮሴፍ ንግብጺ ክስደድ ከሎ፡ እምነቱ ስለ ዘይሓደገ’ዩ፡ ነቲ ኣብ እንዳ ጶጢፋር  ዘጋጠሞ ከቢድ ፈተና ክሰግሮ ዝኸኣለ። ስለዚ ንስኻትኩምውን ካብ ዝኾነ ብዝበለጸ ረድኤት ኣምላኽ ከድልየኩም እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽበኩም ቤተ-ክርስቲያን ክህልወኩም ዘድሊ ዘሎ። ከመይ ምጽንናዕን ተስፋን ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ’ዩ ዝርከብ፡” ብምባል ቃል-ማዕዳ ኣስሚዖም።

ካብ’ዚ ብምቕጻል፡ ብፁዕ ኣቦና፡ ምስ ሓለፍቲ እቲ ምምሕዳር ስደተኛታት ተዛራሪቦም።  ካብ’ቲ ብፁዕ ኣቦና ዝበሉዎ ቃል፡ ብዛዕባ ስደት ክዝረብ ከሎ ካብ ህዝቢ እስራኤል ንላዕሊ ብዛዕባ ስደት ዝርድኦ ካልእ ህዝቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።  ኣቦታትኩም ብመገዲ ስደት ከምዝሓለፉ ንዓኻትኩም ምንጋር ዘድሊ ኣይኮነን። ንህዝቢ እስራኤል ግን፡ ዓለም ኣይሓደጎምን፡ ጸግዕን ዑቅባን ክኾኖም ከምዝኸአለ ታሪኽ ምስክር እዩ። ሕጂ ድማ፡  ዓለም ብግዲኡ ናባኻትኩም ዑቝባ ደልዩ ይመጽእ አሎ። ዝመረሮን ዝጸበቦን ህዝቢ፡ ተስፋ ከምዝደሊ ንዓኻትኩም ይጠፍኣኩም’ዩ ስለ ዘይበሃል፡ እቲ ዝተረፈ ዕማም ኵሉ ንዓኻትኩም ዝግደፍ’ዩ ብምባል ልቦና ዝመልኦ መልእኽቲ ኣማሓላሊፎም።

ብድሕሪ'ዚ፡ ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዘለዉ ክልተ ሊቀ-ጳጳሳት ግብጺ፡ ብፁዕ ኣቡነ ኣብርሃምን ብፁዕ ኣቡነ እንጦንዮስን ተራኺቦም፡ ኤርትራውያን ኣመንቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡሉ ዝኽእሉ መገዲ ተዘራሪቦም። ከም ውጺኢቱ፡ “ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም” ሒዞም ሥርዓተ-ኣምልኾ ንምፍጻም ዘኽእሎም ቤተ-ክርስቲያንን ንዋየ-ቅዱሳትን ድሮ ረኺቦም ኣሎዉ። ብ5 ሰነ 2002 ዓ/ም ማ ብብፁዕ ኣቦና ዝተመርሐ ፈላሚ ቅዳሴ ኣካይዶም።


ንሓዋርያዊ ተልእኮ ብፁዕ ኣቦና ንምትዕንቓፍ ዝተገብረ ፈተነ ምንባሩ ክጥቀስ ግቡእ እዩ። ዮፍታሀን መሻርኽቱን፡ ምፍራስን ምብልሻውን እምበር ሠናይ ተግባር ምስ ባሕርያቶም ዝሳነ ብዘይ ምኑ “እቶም ብሥጋ ዝምርሑ ንኣምላኽ ከሥምሩዎ ኣይከኣሎምን እዩ” (ሮሜ 8፡8) ክብል ቅዱስ ጽሑፍ ሰኒድዎ'ሎ። እኩይ ተግባራቶም ኣይተዓወተን፣ እታ ቤተ ክርስትያን ግና ተሰሪታ።


ብፁዕ ኣቦና ሓዋርያዊ ዑደቶም ብምቕጻል 19 ሰነ 2010 ዓ/ም (12 ሰነ 2002 ግእዝ) ናብ ሃገረ -ግሪክ ኣትዮም ኣለዉ። እቲ ኵሉ ምእንቲ ኣገልግሎት ወንጌል ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት፡ ነታ ኣብ ሓደጋ ትርከብ ዘላ ቤተ ክርስቲያንና ምኽንያት ዓወት ኮይኑ ክርከብ ሠናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ክብርን ዕቤትን  ንኣምላኽና ይኹን።

 

በዚ ጸሓፉልና

መልእኽትኩም ኣብዚ ጸሓፉ






ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ንምስማዕ ኣብዚ ዝስዕብ ጠውቕ

ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ስምዑ