ስእላዊ መግለጺ ጉባኤ 2010 ንምርኣይ ኣብዚ ተወከስ
ፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረኣብ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም፡ ዶር ደሳለ ድማ መዓርግ ዲቁና ተቐቢኡ
ፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረኣብ ብቐዳም 24 ሓምለ 2010 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም፣ ኣትናቴዎስ ዝብል ናይ ክህነት ስም ድማ ተዋሂብዎም። ብዙሓት ተጋባእቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መበል 12ዓመታዊ ጉባኤ ቤተክርስትያን ተዋህዶ፣ ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ፣ Read more...
መልእኽቲ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ
ኣቐዲመ መልእኽተ ሰላም ወፍቅር እልእኸልኩም። እንቋዕ ናብዚ በብዓመቱ እትጋብእሉ መንፈሳውን ቅዱስን ናይ እግዚኣብሔርን፥ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዕብየትን፥ መደብን፥ እትሕንጽጽሉ ዓመታዊ ጉባኤ እግዚኣብሔር ኣብጽሓኩም። Read more...
መሪሕ ጥቕሲ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ
ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ እዚ ንሎሚ ዓመት ዝተመርጸ መሪሕ ጥቕሲ: ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ናይ ነብያት ምስ ተነጽገ፡ እግዚኣብሔር ንምርኮን መግዛእትን ኣሕሊፉ ስለዝሃቦም ካብ 538-432 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንእስራኤልውያን ኣዝዩ ጽንኩር ዓመታት ምንባሩ ይፍለጥ። "ቁጥዓ እግዚኣብሔር ነዲዱ ... ፈውሲ ምስ ተሳእኖ" Read more...
ዝርዝር መደብ ጉባኤ 2010
መልእኽቲ መሪሕ ጥቕሲ ጉባኤ 2010 - ብደቂቀ እንጦንዮስ
ዕድመ ካብ ኣዳላዊት ኮሚቴ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
Conference Content
ዕድመ ካብ ኣዳላዊት ኮሚቴ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
ኣብ መበል 12 ዓመታዊ ጉባኤና ናይ ክብሪ ኣጋይሽናን ኣቦታትናን ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት
![]()
ብፁዕ ኣቡነ ሰራፊም, ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ, ብፁዕ ኣቡነ ዳዊት
ቃለ-ቡራኬ!
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ክህልወኩም ኢልና ነቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ። እዚ እንጽሕፈልኩም ዘሎና፥ ሓጎስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ኢልና ኢና።
እታ ካብ ክርስቶስ ዝሰማዕናያ፥ ንዓኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ፡- እግዚኣብሔር ብርሃን እዩ፥ ኣብኡ ኸኣ ጸልማት ዚብልዎ ከቶ የልቦን። ‘’ምስኡ ሕብረት ኣሎና’’ እናበልና ኣብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፥ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና ንሕድሕድና ሕብረት ኣሎና፥ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኩሉ ኃጢኣትና የንጽሃና እዩ። 1ዮሓ 1፡3-7።ኣገዳሲ መልእኽቲ
ናብ ክቡራን ምእመናን ተሳተፍቲ ዓመታዊ ጉባኤና፥
ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም! ቀጺልና ቅድሚ ሕጂ ናይ መደቀሲኹም ሆቴል ምእንቲ ክትሕዙ ኢልና ኣድራሻ ናይ Hampton Inn & Suits ሓቢርና ከም ዝነበርና ዝዝከር እዩ። እንተ ኾነ ግና እቲ ዝተጠቕሰ ሆቴል ድሮ ስለ ዝመልአ፥ ነቶም ገና ሆቴል ዘይሓዝኩም ዘሎኹም ክቡራት ኣጋይሽና ኣብ ካልእ ሆቴል በዚ ዝስዕብ ኣድራሻታት ክትሕዙ ከም ትኽእሉ ንሕብር።
1.HOTEL ZERO DEGREES
- 909 Washington Boulevard, Stamford, CT 06901
- Phone: (203) 363-7900 for reservation
- www.hotelzerodegrees.com
2. www.greenwichhospitality.com
3.Holiday Inn Stamford Downtown Hotel
- www.histamford.com
- 700 East Main Street
- Stamford, CT 06901
- Phone: (203) 358-8400
Preferred Airports:
Transportation--> Will be provided from & to the airport
Conference venue--> 37 Schuyler Ave. Stamford, CT 06902
- ቁጽሪ ስልኪ (ሓበሬታ ብዛዕባ 2010 ጉባኤ ምስ እትደልዩ)
- ዝርዝር መደብ ጉባኤ 2010
- መልእኽቲ መሪሕ ጥቕሲ ጉባኤ 2010 - ብደቂቀ እንጦንዮስ
- ዕድመ ካብ ኣዳላዊት ኮሚቴ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
- Conference Content
General Questions:
Amanuel = 908-415-5787
Belai = 203-667-8322
Teklai = 646-808-6660
Zaid = 718-696-7219
ልዑል እግዚኣብሔር ጉባኤና ይባርኽ!
ኣዳላዊት ኮሚቴ ምስ ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ኒው-ዮርክ
ሓበሬታ፡ መደባት መበል 12 ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብቐጥታ ከመሓላለፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ሓበሬታ፡ መደባት መበል 12 ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብቐጥታ ከመሓላለፍ ምዃኑ ብኣኽብሮት ንሕብር።



Conferences ጉባኤ 2010

