S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ስርዓት ጸሎትን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት

ሰዓት 6 ንጉሆ (ጊዜ ነግህ)፣ ኣቡን፣ 9.ሃሌታ፣ ነኣምን ነኣምን ነኣምን ሕማሞ ለዘኢየሓምም ርግዘተ ገቦሁ ነኣምንወቅንዋተ እደዊሁ ነኣምን ..ዬ፣ ነኣምን ሞቶ ወትንሣኤሁ፣ለከ ሓይል
ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም፣ ኣማኑኤል ኣምላኪየ ለከ ሓይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለከ ሓይል ክብር ወስብሓት ወእዘዝ እስከ ለዓለም፣ ሓይልየ ወፀወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በኣኰቴት ኣቡነ ዘበሰማያት ይትቀደስ ስምከ….ሓይል ወስብሓት ለዓለመ ዓለም (12 ጊዜ ደጋግሞ)
ለከ ይደሉ ሓይል ወለከ ይደሉ ስብሓት ወለከ ይደሉ ኣኰቴት ኦ እግዚእየ ኢየሱስ ክርስቶስ ለዓለመ ዓለም፣

ስብከት፣ ተንሥኡ ላእሌየ ሰማእተ ዓመጻ ወዘኢየኣምር ነበቡ ላእሌየ ተንሥኡ ላእሌየ ሰማእተ ዓመጻ (መዝ.34. ማቴ.27.1---15.)

ብዜማ፣ ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ይስቅልዎ ለኢየሱስ ዲበ እፀ መስቀል (ማር.15፣1---6)

ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ለኢየሱስ ወመጠውዎ ለጲላጦስ (ሉቃስ፣22.66---ፍ፣23.1---13)

ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ኣፍኣ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅለዎ (ዮሓ.18. 28---ፍ)

ወጸቢሖ ተማከሩ ሊቃነ ካህናት ኣውጽእዎ ለኢየሱስ ወነበረ ዓውዶ ሶቤሃ፣

ካህን፣ ጸልዩ በእንተ ጽንዓ ዛቲ መካን…ሕዝቢ ኣብ መምዕራፍ እግዚኦ ተሣሃለነ፣

ቀጺሎም ህዝብን ካህንን በብተራ ፣  ኪርላይሶን…፣ ሰላምታ ናይ ነግህ;

ሰዓት 9 ቅድሚ ቀትሪ  (ጊዜ  ሠለስ)

ኣቡን 9. ሃሌታ፣ ኣርዑተ መስቀሉ ጾረ ኣርዑተ መስቀሉ ጾረ ይስቅልዎ ሖረ ዬ.ዬ.ዬ.

ከመ ኪያነ ይቤዙ እግዚእ ኮነ ገብረ ለከ ሓይል…፣

ቅድሚ ስብከት፣ ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ ጽብኦሙ እግዚኦ ለእለ ይጸብኡኒ ግፍኦሙ እግዚኦ ለእለ ይገፍኡኒ (ማቴ. 27.15---27)

ጊዜ 3ቱ ሰዓት ኣሓዝዎ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅልዎ (ማር.15.6---16)

ጊዜ 3ቱ. ሰዓት ቀሰፎ ጲላጦስ ለኢየሱስ ወመጠዎሙ ይስቅልዎ (ሉቃስ፣23.13-26)

ጊዜ 3ቱ ሰዓት. ኣሕየወ ሎሙ በርባንሃ ወወሃቦሙ ኢየሱስሃ ይስቅሉ (ዮሓ፣19.1---13)

ጊዜ 3ቱ ሰዓት ወሰድዎ ለኢየሱስ ውስተ ዓውደ ምኵናን፣

ጸልዩ በእንተ ጽንዓ… ኪርላይሶን …ሰላምታ፣

 
ሰዓት 12  ቀትሪ  (ጊዜ ስድስቱ)
ኣቡን 9. ሃሌታ፣ተሰቅለ ተሰቅለ ተሰቅለ ወሓመ ቤዛ ኩሉ ኮነ ዬ.ዬ.ዬ.

በመስቀሉ ቤዘወነ እሞት ባልሓነ፣ ለከ ሓይል…፣ካህን፣ለመስቀልከ ንሰግድ ኦ ሊቅነ ወለትንሣኤከ ቅድስተ ነኣምን ኵልነ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፣ 

ስብከት፣ ቀነዉኒ እደውየ፡ወእገርየ ወሆለቁ ኵሎ ኣእጽምትየ ቀነዉኒ እደውየ ወእገርየ፣(መዝ.21. ማቴ.27.27---46)

ጊዜ 6ቱ ሰዓት ኣልበስዎ ኣልባሲሁ ለኢየሱስ ወወሰድዎ ይስቅልዎ (ማር. 15.16---34)

ጊዜ 6ቱ ሰዓት ዓበጥዎ ለስምኦን ከመ ይጹር መስቀሎ (ሉቃ.23.26---44)

ጊዜ 6ቱ ሰዓት ሰቀልዎ ለኢየሱስ ማእከለ 2ኤ ፈያት (ዮሓ.19.13---28)

ጊዜ 6ቱ ሰዓት ቀትር ሶቤሃ ሊቃነ ካህናት ሰቀልዎ ለኢየሱስ በቀራንዮ መካን፣

በእንተ ጽንዓ ዛቲ…ኪርላይሶን

ድሕርዚ ካህናት ኣብ ኣፍ ደገ መቅደስ ኰይኖም ኮፍ ኢሎም ‘’ኣምንስቲቲ ሙኪርያ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ኣምንስቲቲ ሙኣግያ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ኣምንስቲቲ ሙዳሱጣ ኣንቲ ፋሲልያሱ፣ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግሥትከ ተዘከረነ እግዚኦ ኦ ሊቅነ ተዘከረነ እግዚኦ በውስተ መንግስትከ በከመ ተዘከርኮ ለፈያታዊ ዘየማን እንዘ ሃሎከ ዲበ እፀ መስቀል ቅዱስ፣

ተቓባቢሎም ይደጋግሙዎ፣

ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ  (ጊዜ ተስዓቱ):

ኣቡን 9. ሃሌታ፣ ሶበ ሰቀልዎ ሶበ ሰቀልዎ ሶበ ሰቀልዎ ለእግዚእነ ፀሓይ ጸልመ ወወርሕ ደመ ኮነ ዬ.ዬ.ዬ.

ኣድለቅለቀት ምድር ወተከስቱ መቃብራት ለከ ሓይል…

ካህን፣ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ ኦ ዘጥእመ ሞተ በሥጋ፣

ሕዝቢውን ይቕበሉዎ፣

ስብከት፣ ወወደዩ ሓሞተ ውስተ መብልእየ ወኣስተዩኒ ብሂኣ ለጽምእየ ወወደዩ ሓሞተ ውስተ መብልእየ፣ መዝ.68. (ማቴ.27.46—51)

ጊዜ 9ቱ ሰዓት ጸርሓ ኢየሱስ በቃሉ ወይቤ ኤሎሄ ኤሎሄ (ማር.15.34---38)

ጊዜ 9ቱ ሰዓት ገዓረ ኢየሱስ በቃሉ ወወጽኣት መንፈሱ ሶቤሃ (ሉቃ.23.44---50)

ጊዜ 9ቱ ሰዓት ከልሓ ኢየሱስ በቃሉ ወኣማሓጸነ ነፍሶ ሶቤሃ (ዮሓ.19.28---31)

ጊዜ 9ቱ ሰዓት ኣጽነነ ርእሶ ኢየሱስ ወይቤ ተፈጸመ ኵሉ፣ በእንተ ጽንዓ ዛቲ…

ኪርላይሶን፣ሰላምታ፤

ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ (ጊዜ 10ቱ ወ፩ዱ ሰዓት):

ኣቡን 9 ሃሌታ፣

ንዜኑ ንዜኑ ንዜኑ ዘኣምላክነ ሂሩተ ትሕትና ወየውሃተ ዘእንበለ ዓቅም ዬ.ዬ.ዬ.

እንዘ ይጼእልዎ ኢጸኣሎሙ ወእንዘ ያሓምምዎ ኢተቀየሞሙ፣

እዚ ለከ ሓይል የብሉን፣

ብድሕርዚ ምህልላ እግዚኦ ትብል ናብ 4ቲዑ መኣዝን እናተመለስካ 400 እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ ትብል እሞ፣ ንሕዝቢ ናይቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገርፎ ስቅያት መዘኻኸሪ ጠብጢብካ ሥርየት ሂብካ ተሰናብት፣ ንሕናውን ተኻፈልቲ ሕማማትካ ኢና/ ማለት እዩ፣

ክ/ትምህርትን ስብከትን፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Posted on, Wednesday, 15 April 2009 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div