S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓሶት፡ ካብ ቤተ መንግሥቲ፥ ክሳብ ቤተ ክህነት!

ኣብ ቅዱስ ወንጌልንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ! ” ምስ በለ፥ (ቆላ 39) ቀጺሉነገርኩምሲ እወ፥ እወወይኣይኮነን፥ ኣይኮነን ደኣ ይኹንካብዚ እንድሕሪ በዚሑ ግና ካብቲ ክፉእ እዩይብል (ማቴ 537)

ኣቦኻ ክሕሱስ ምድሪ ቆንጢ ዝብል ምስላውን ሰሚዕኩም ትኾኑ። እዚ ማለት ኣቦኻ ክሕሱ ከሎ ክሳብ ክንደይ ውርደትን ሕፍረትን ከም ዝስመዓካ ንማንም ሰብ ርዱእ እዩ። ብዝያዳ ከኣ ካብ ኣቦኻ ዝዓብዩ ንጉሥን ኣቡንን (መራሕቲ ህዝቢ) እታ ሓቂ እናፈለጥዋ ከለዉ፡ ዘረባ ሓሶት እንተ ኣውጽኡ ግና እንታይ ከም ትብል ገና መልሲ ዘይተረኽቦ ዘስደምም ሕማቕ ተርእዮ እዩ። ኩልና ከምንፈልጦ ኣይትሓሱ ዝብል ጥንታዊ ሕጊ ብእግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበት ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እያ። ሓሶት ከኣ ብመንፈሳዊ ሕጊ ይኹን ብምድራዊ ሕጊ ቤተ ኣብ ኩሉ ደቂ ሰባት ዝነብርሉ ኵርንዓት ዓለም ብሚዛን ሥነ-ምግባር (ብሞራልኣዝዩ ፉንፉን ዘረባ ስኑፋት ምዃኑ ዝኾነ ሰብ ኣይስሕቶን እዩ። እቲ ብዝያዳ ዘሕዝን ከኣ እግዚኣብሔር ንሓሰውቲ ይፍንፍኖም ዝብል ቅዱስ ጽሑፍ ከሎ፥ ገለ ክርስቲያን ሰባት ንጻዕዳ-ሓሶት ዕጥቆምን ስንቆምን ጌሮም ይነብሩ ምህላዎም እዩ። ምሳ 1222

ኣብ ወርሒ ነሓሰ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝብል ብዕለት 8/8/2016 .. ናብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝተዘርግሐ ተንኮል ዘለዎ ናይ ምድንጋር ሰፊሕ ሓተታ፥እቲ ብዝምልከቶም ኣካላት ብዙሕ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ..... ብዘሐጉስ መንገዲ ኣብ መደምደምታ ምዕራፍ ሰላም በጺሑ ምህላዉ ነበሥር!  ....... ኣቡነ እንጦንዮስ ..... ንዝገበርክዎ ጌጋ ብምሉእ ልበይን ድሌተይን ይቕረታ ይሓተሉ ..... ብምባል ብቓልን ብጽሑፍን ስለ ዘፍለጡ .......ዕርቂ ኮይኑ፥ ብሲኖዶስ ምሕረት ተገይሩዝብል ዜና-ሓሶት ወጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። በዚ ዘጸይፍ ሓቅነት ዘይብሉ ዘይመንፈሳዊ መግለጺ ከኣ ብዙሕ ሰብ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ልባዊ-ሓዘን ተሰሚዕዎ እዩ። ይኹን እምበርሕማቕ መዓልትስ መተዓዛዘቢትከም ዝበሃል፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ ስዉር ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ክሳብ ክንደይ ዝበታትን ሓደገኛ  ፈተና ምዃኑ ጭቡጥ መርትዖ ኮይኑዎ እዩ። ነዚ መግለጺ እዚ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ (ቃል ቤተ ክርስቲያን እዩ) ኢሉ ዝኣምን ሰብ እንተሎ ድማ ቅዱስን ርኹስን ክፈላሊ ዘይክእል ብዓለማዊ-ስምዒት ዝዓወረ ሰብ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ'ውን ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣሎ ዲዩ? ብዝብል ኣርእስቲ ሓጺር ጽሑፍ ሓንጢጠ ስለ ዝነበርኩ ንዕኡ ምንባብውን ሓጋዚ ይመስለኒ።

እወ! እቲ ብጥዑም ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስሣህል ወርትዕ ተራከባ፥ ጽድቅ ወሰላም ተሰዓማ - ምሕረትን ሓቅን ተራኸባ፥ ጽድቅን ሰላምን ተሰዓዓማኢሉ ዝጅምር ዘገርም መግለጺ፡ ቃል ፈለስቲ ይኹን ቃል መኳንንቲ ብዘየገድስ ውጹእ ሓሶት እንተ ዘይከውን፥ ሎሚ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጽኑዕ ሓለዋ ልኡኻት መንግሥቲ ኣብ ዝኸረረ ፈተና ኣይምሃለዉን ነይሮም። ሓቀኛ መንፈሳዊ ዕርቂ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እንተ ዝግበር ከኣ ከምቲ ብዙሓት ለባማት ደለይቲ ሠናይ ዝምነይዎ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ምሉእ ዕርቀ-ሰላም ምኾነ እሞ፥ ንኽብሪ ቤት እግዚኣብሔርን ንረብሓ ሃገር ከኣ ዓቢይ ዓወት ምኾነ። ግናኸ ከምቲ ኣብ ፍትሓ-ነገሥት "እስመ ፍቕረ-ሲመት ደዌ ሰይጣናዊት - ማለት ህርፋን ሽመት ሰይጣናዊ ሕማም እዩ" ዝብል ተጻሒፉ ዘሎ፥ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣሲርካ፥ ሊቃነ-ጳጳሳት ኣባሪርካ፥ ተራ-ኤጲስ-ቆጶስ (ጳጳስ) ብድሌት መንግሥቲ፡ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ክባርኹ ኢልካ ኣብ ቅድሚ መስኮት ቴሌቪዥን ምቕራብ፡  እቲ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ፥ ዝብል ትንቢት ይፍጸም ምህላዉ ይበርሃልካ።" ሮሜ 224

ብዝኾነ ሓሶት ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ክጥጥዕን ክበዝሕን ከሎ ርኡይ ምልክት ውድቀትን ኃጢኣትን ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ይግባእ። ጉድኣቱ ከኣ ንኹሉ ህዝቢ ዘጥፍእ እዩ። ሓሶትን ብዝሒ ኃጢኣትን ድማ መዓት ደኣ የውርድ፡ እምበር ምሕረትን ዕብየትን ፈጺሙ ኣየምጽእን እዩ። ብዘመነ ብሉይ ኪዳን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ እስራኤል ሓሶትን ጥልመትን ምስ በዝሐ እግዚኣብሔር ብነቢይ ኤርምያስ ጌሩ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃል ተግሳጽ ተነግሮም፡- “ንሳቶም ኵሉ ሳዕ ሓሶት ንምዝራብ ድልዋት እዮም፥ ስለዚ ኣብታ ምድሪ ኣብ ክንዲ ሓቂ ሓሶት ነጊሡ ኣሎ። ....  ነፍሲ ወከፍ ካብ ዓርኩ ይጠንቀቕ፥ ንኃዉ እውን ኣይእመኖ። ኵላቶም ነዕርኾም የዐሽውዎም፥ ሓቂ ዝዛረብ ከኣ የልቦን። ንመልሓሶም ሓሶት ምዝራብ የልምድዎ፥ ኃጢኣት ካብ ምግባርውን ኣይዕገቱን፥ እከይ ኣብ ልዕሊ እከይ፥ ሓሶት ኣብ ልዕሊ ሓሶት ይገብሩ ኣለዉ። ህዝበይ ኣነ ኣምላኾም ምዃነይ ኣይፈልጡን እዮምይብል ኤር 93

ኣብ ኤርትራ ሃገርና ሓቂ ምዝራብ ዘቕትል ወይ ድማ ዘእስር ገበን ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ሓቂ ሒዞም ከለዉ ብዓመጽ ሓሶት ዝሓቐቑ፡ ንጹሃት ሰባት ብብዝሒ ከም ዘለዉ ድማ ዝኾነ ሰብ ኣብ የማነ-ጸጋሙ መሣርሕቱ ዝነበሩ ሰባት ኣበይ ኣለዉ? ኢሉ እንተ ዘኪሩ እኹል ሕልናዊ መርትዖ ክረክብ ይኽእል እዩ። እቶም ክቡር ወዲ 90 ዓመት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ'ውን ምስ ብዙሓት ሰዓብቶም ሓቅን ሕግን ሒዞም ከለዉ ካብዚ መከራዚ ከምልጡ ከም ዘይከኣሉ ንርእዮን ንነብሮን ዘሎና ህልው ኩነታት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ፡ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ብዙሕ ሰብ ሓቂ እንዳ ፈለጠ ከሎ ብሃንደበት ከይሓቅቕ ፈሪሑ፥ ርእዩ ከሎ ከም ዘይረኣየ፥ ሰሚዑ ከሎ ከም ዘይሰምዐ፥ ፈሊጡ ከሎ ከም ዘይፈለጠ፥ ነቲ ዝተነግሮ ወይ ዝተኣዘዞ ጥራይ ክገብር፥ ካብ ምስ ቅኑዓት ምስ ዘይቅኑዓት፥ ካብ ምስ ግፉዓት ምስ ብዱዓት፥ ተመሳሲሉ ልኡም ብምዃን ኣንጻር ሕልንኡ እንታይ ገደሰኒ ብምባል ዝነብር ዘሎ።

ኣብ ሚያዝያ 25, 2004 .. መራሒ ሃገረ ኤርትራ ንጉሥና ምስ ኩሎም ሰበ-ሥልጣናቶም፡ ኣብ በዓለ ሲመት ቅዱስ 3 ፓትርያርክ ተሳቲፎም ኣብ መንጎ ፖፕ ሺኖዳን ቅዱስ እንጦንዮስን ብኽብሪ ተቐሚጦም እዮም ተመሲሖም። ወርቂ-መስቀል ኢድ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክሳለሙ ከለዉ ውን ብዓይንና ርኢና ኢና። ምስ ቅዱስ ኣቦና ክፋነዉ ከለዉ ከኣ ዝኾነ ሓገዝ እንተ ደሊኹም ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና! ኢሎም እዮም ዝኸዱ። ሽዑ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዝተዘርግሐ  ዜና፥ መንግሥቲ  ኤርትራ ነተን 4 ዕላውያን ሃይማኖታት ሃገርና ጥራይ ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዘለዎን ዘድሊ ምትሕብባር ከም ዝገብርን ኢና ሰሚዕና። እሞኸ ደኣ እዞም ወዲ 90 ዓመት ንጹህን ርህሩህን መንፈሳዊ ኣቦ ምሉእ ህዝቢ ተዋሕዶ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ተዓጽዮም ብወተሃደራቱ ክሕለዉ  ከለዉስ፥ ወዮ ኣብ ጽምብሎም ተመሲሑስ ኣብ ጎንኹም ኣሎና ዝበሎም መራሒ ሃገርና ደኣ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ  ብዘይ ፍትሒ ክኣስሮም ይግባእዶ? ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ክቡር ንጉሥ ፍትሒ የፍቅር ክብል ዝጠቐሶ ፍትሒ ምእንቲ ከይጠፍእ ኢሉ እዩ (መዝ 945)

ብተወሳኺ መንግሥቲ ኣብ ኣብ ውሽጡ ሃይማኖት ኢዱ ኣየእቱን፥ ሃይማኖታት ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ መንግሥቲ ኢዶም ኣየእትዉን ዝብል መንግሥታዊ ኣዋጅ ብወግዒ እንዳሃቡ፡ ብግብሪ ግና ኢዶም ምእታው ጥራይ ዘይኮነስ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ኣውሪዶም ንመንግሥታዊ ፓትርያርክ ሸይሞም ብግዲ ተቐበልዎም ኢሎም እንዳ ኣገዱና ከለዉስ፥ ነጻ ሃይማኖትን ነጻ መንግሥትን ኣሎ ምባልከ ንባዕሉ ውጹእ ሓሶትዶ ኣይኮነን? ብተወሳኺ: 18 ሓምለ 2005 .. ብጎነጽ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ምስ ኣውረድዎም፥ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ንሚኒስተር ዜና ሃገርና፥ ኣብ ምውራድ ኣቡነ እንጦንዮስ መንግሥቲ ኢድ ኣለዎ ይበሃል፡ መልስኻ እንታይ እዩ? ተባሂሉ ምስ ተሓተተ እቡነ እንጦንዮስ ካብ ሥልጣን ኣይወረዱን ኣብ ማዕርጎም እዮም ዘለዉ። እቶም ጳጳሳት ናይ ስራሕ ምክፍፋል እዮም ጌሮም ክብል ጻዕዳ ወረ ሓሶት ተዛሪቡ። ብተመሳሳሊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም'ውን ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣበይ ኣሎዉ? ስለምንታይ ኣብ ማሕዩር ኣትዮም? ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ናብራ ዓለም ዝመነኑ ፈለስቲዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ወላሓንቲ ዝገበርዎ ገበን ስለ ዘይብሎም ኣብ ገዳም ይጽልዩ ኣለዉ ክብል ሓቅነት ዘይብሉ ዘስደምም መልሲ ሂቡ።

እምበኣር ኣብ ሃገርና እቲ ብኣፍ ዝዝረብ ዘይኮነስ እቲ ብግብሪ ዝፍጸም ዘሎ፥ ከይተዓረቕካ ተዓሪቕና፥ ኣንጻር ኣምላኽ እናሠራሕካ፡ ምስ ኣምላኽ ኣሎና፥ ንልዕልና ሕጊ ረጊጽካ፥ ሕጋውያን ኢና ምባል ልሙድ ኣበሃህላ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ቅድሚ ሕጂውን ኣብ 2001  .. እቲ ብጸሊም-ታሪኽ ዝዝከር ምንዳድ መጽሓፍ-ቅዱስ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥  ኣቡን ሉቃስእቲ ዝተቓጸለ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነስ መጽሓፍ ርኹስ እዩ“! ክብሉ ዘጸይፍ-ነውሪ ተዛሪቦም እዮም። ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ይኹን ኣብ ቤተ ክህነት፡ ሓሶት ይስዕርር ከም ዘሎ፡ እቲ ብምትሕብባር ገለ ፈለስትን ልኡኻት መንግሥትን ዝተኣልመ ውሃ-ዘበለ ምኽሪ ጉዳይ ዕርቂ ናይ ወርሒ ነሓሰ ናይ ፈጠራ-ተዋስኦ ምዕዛብ እኹል ይመስለኒ። እቲ ብዝያዳ ዘሕዝን ከኣ ሰባት ንኽትፈላሊ ሓሶት፥ ንኽትኣስር ሓሶት፥ ካብ ስራሕ ንኸተባርር ሓሶት፥ ዘይንብረትካ ንኽትዘምት ሓሶት፥ ንኽትቀትል ሓሶት፥ ......ሓሶት፥ ሓሶት፥ ሓሶት .......... ሓሳዊ ምስክር ግና ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፥ እቲ ሓሶት ዚዛረብ ከኣ ካብ መቕጻዕቲ ኣይመልቝን እዩ (ምሳ 195)

ስለዚ እምበኣር ከምቲ ወኪል ቅዱስ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ (ጳጳስ ዲበ-ኩሉ) ኣብ ዝሓለፈ እዋን መንፈሳዊ ማዕዳ ክህቡ ከለዉኣታ ሓቂ ዝሓዝካ ኣይትፍራሕ! ኣታ ሓሶት ዝሓዝካ ከኣ ኣይትድፈርዝብል ኣባታዊ ምኽሪ ዝሃብዎ፥ ኩሉ ሰብ ነቲ "ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን" ዝብል መንፈሳዊ መምርሒ ተኸቲልና ብሓቅን ዕርቅን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ንመላለስ (መዝ 119163)

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት

ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div