S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካብ ህይወት በርናባስ እንታይ ንመሃር?

በርናባስ፡ ናይ ትውልዲ ስሙ ዮሴፍ ኮይኑ፡ ካብ ነገደ ሌዊ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። በቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ዝነኣድ ባህርይ፡ ንኣመንትን ንመራሕቲ ቤተክርስትያንን ዝነበሮ ምቕሉል ኣገልግሎትን፡

ብሃዋርያት በርናባስ ማለት ወዲ ምጽንናዕ ከም እተባህለ ኣብ .ሃዋ. 436 " ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡ ወዲ ምጽንናዐ ዝትርጉሙ፡ ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡" ዝብል ነንብብ። በርናባስ፡ ከም ስሙ ዝጠበቀቶ፡ ክኾኖ ንዘለዎ ባህርይ ከም ጽቡቅ ፋል ትምኒቶም ንምብራህ ዘይኮነስ፡ ነቲ ድሮ ኮይኑዎ ዝነበረ ብሉጽ ባህርይ ንምግላጽ ዝተዋህበቶ ደኣ እያ። ብርግጽ በርናባስ፡ ኣጸናንዒ፤ ኣተባባዒ፤ ኣነቃቃሒን፤ ንብዙሓት ኣመንቲ ድማ ብኣገልግሎቱ ዘቅሰነን ዘዕረፈን ወደ መዝሙር እዩ ዝነበረ። ብብዙሕ መገዲ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎታት፡ ንምግልጋል ቅዱሳን ኣመንቲ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ይተግህ ነበረ። ስለዚ በርናባስ ኣብታ ስጋ ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን፡ ከም ሓደ ጥዑይ ኣካል ብምዃን፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ዝተዋጽአ እሙን ኣገልጋሊ እዩ ዝነበረ። ምናልባሽ ናብ ኣካላትና ምልስ ኢልና እንተድኣ ርኢና፡ ኣምላኽ ዘይጠቅም ኣካል ኣባና ኣይፈጠረን። ዋላ እታ ዝነኣሰት ኣካልና፡ ጽፍሪ እንተኾይና፡ ንሳውን ገለ ዕዮ ኣለዋ። ነቲ ዘይነርክቦ ክፋል ናይ ሕቆና ብጽፍርና ኢና እንሓኮ፡ ምናልባሽ ንሓውና "ኣጆኻ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ" ብምባል ከነበርትዖ ምፍታን ንኡሽተይ መሲሉ ክረኣየና ዝከኣል እዩ፡ እንተኾነ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኡሽተይ ኣገልግሎት ዝበሃል ነገር የለን። ብሒደት ኮነ ብብዙሕ ምድሓን ዘይሰኣኖ ኣምላኽ ስለ እነገልግል፡ ኣብቲ ንኡሽተይ ኮይኑ ዝረኣየና ብተኣማንነት ነገልግል። ከምቲ ቅዱስ ኣውጎስጢኖስ ዝበሎ፡ ከምቲ ፈረስ ንተወጣሒኡ፡ ፍቃድና'ውን ንጸጋ ኣምላኽ ከምኡ እዩ'ሞ፡ ኣምላኽ ዝጥቀመልና ናይ ክብሪ ኣቁሑት ምዃንና ንኽንርዳእ፡ ብርሃን ኣምላኽ ኣብ ልብና መመሊሱ ይድመቅ።

ዘይከም ሃናንያን ሰጲራን፡ በርናባስ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ንዝነበረ ዓበይቲ ድሌታት ንምምላእ፡ ማለት ምርዳእ ጽጉማት፡ ንዝነበሮ መሬት ብምሻጥ፡ ነቲ ገንዘብ ብምልኡ ኣብ እግሪ ሃዋርያት ከምዘንበሮ ኢና እንርዳእ .ሃዋ 437 " ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቃ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ" እዞም ቀዳሞት ዝተጠቅሱ ሰብኣይን ሰበይትን ግና፡ ንረኣዩለይ ክብሉ፡ ብግብዝና ንገለ ክፋል እቲ ሽያጥ መሬት ብምትራፍ፡ ንገለ ክፋል ጥራይ ክውፍዩ ከለዉ ንርኢ። በርናባስ ግና ዉሽጡን ደጊኡን ሓደ ስለዝነበረ፡ ነቲ ዝነበሮ ሽያጥ መሬቱ ብምሉኡ ከምዝሃበ ኢና እንርዳእ። እንታይ ዝበለ ተኣማንነት ኮን እዩ! በርናባስ ሽያጥ መሬቱ ጥራይ ከምዝሃበ ዝርድኣና ብዙሓት ኢና። በርናባስ ግና ቅድሚ ትሕዝትኡ፡ ህይወቱ ንጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት ከም መስዋእቲ ዝሃበ ስለዝነበረ፡ ንዝነበሮ ትሕዝቶ ክህብ ዋላ ሓደ ጸገም ኣይነበሮን። ምኽንያቱ፡ እታ ዝኸበረት እትበሃል ህይወቱ ስለዝሃበ፡ ነቲ ትሑት ክብሪ ዘለዎ ሓላፊ ትሕዝትኡ ንኽህብ ዝኸብድ ኣይኮነን። ንሕናኸ፡ ብዝሓልፍ ኣምላኽ ዝሃበና ግዜ ኮነ በራሲ ትሕዝቶና፡ ንዘልኣለም ኣብ ዝነብር፡ ነባሪ ፍረ ከነፍሪ፡ እንታይ ዝዓይነቱ መስዋእቲኾን ንስውእ ንህሉ። ናይ ግዜናን ገንዘብናን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ህይወትናውን እሙናት ሰብ ሕድርን መገብትን ኽንከውን፡ ኣምላኽ ይርድኣና።

እቲ ንብዙሓት ቅዱሳን ኣመንቲ ብምኽንያት እምነቶም ዘሳድዶም ዝነበረ ሳውል በዓል ጠርሴስ፡ ድሮ ተኣምራታዊ ብዝኾነ መገዲ ናብ እምነት መጽዩስ፡ ከምቲ ብዙሓት ኣቦታት ዝሰማምዕሉ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ገላ 118 "ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቀኔኹ።" ናብ ኢዮሩሳሌም ብምምጻእ፡ ምስቶም ደቀ-መዛሙርቲ ክሕወስ እኳ ፈተነ እንተገበረ፡ እቶም ኣሕዋት ብዓይኒ ጥርጠራ ስለዝረኣይዎ፡ ክሕወሶም ኣይፈቐዱሉን ነበሩ። ኣብ ከምዚ በዳሂ እዋን፡ በርናባስ እዩ ኣብ ጎኑ ደው ብምባል፡ ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተማእዚዙ፡ ነቲ ኣብ ልቢ ሃዋርያት ካብ ኣምላኽ ዝኾነሉ ሞጎስ ተጠቂሙ፡ ንጳውሎስ ናብ ሃዋርያት ብምምጻእ ከም ወደ መዝሙር ንኽቅበልዎ መገዲ ዝኾኖ። ጳውሎስ ኣቀዲሙ ንብዙሓት ቅዱሳን ብምእሳር፡ ንብዙሓትውን ብምስዳድ ፍሉጥ ብምንባሩ፡ ንጳውሎስ ከም ወደ መዝሙር ንኽቅበልዎ፡ ንሃዋርያት ኣዝዩ ከቢድ ከምዝነበረ ንምርድኡ ዘሸግር ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣዝዩ ፈታኒ እዋን፡ ተራ በርናባስ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይነበረን። ጳውሎስ ኣብ ሃዋርያት ቅቡል ክኸውን፡ በርናባስ ማዕረ ኽንደይ ኣብ ሃዋርያት ተቐባልነት ከምዝነበሮ እስኪ ነስተውዕል! መቸስ፡ ኣቦ ኾይኑ ንስለ ደቁ፡ ብሩህ መጻኢ ዘይሓስብን፡ ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ዋጋ ዘይከፍል እንተሎ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ። ከምኡውን ኣገልጋሊ ኮይኑ ስለቶም ዘገልግሎም ብሩህ መጻኢ ዘይሓስብን ዋጋ ዘይከፍልን እንተሃልዩ፡ ናይ ዓሰባ ጓሳ እምበር ሕያዋይ ጓሳ ኣየብሎን እዩ። ስለዚ እዩ በርናባስ፡ ከም ኣቦ ብምዃን፡ ብሩህ መጻኢ ጳውሎስ ብምርኣይ፡ ኣብቲ በዳሂ እዋን፡ ዋጋ ብምኽፋል ዝሓቆፎን ዝሓብሓቦን። ኣምላኽ ብዝርኤሉ ኣዒንቲ ንወገናትና ብምርኣይ፡ ሓቖፍትን ሓብሓብትን ክንከውን ኣምላኽ ይርድኣና። ብናይ ገለ እዋን ጌጋታት ከይተሰናበድናን ተስፋ ከይቆረጽናን፡ ብሩህ መጻኢ ናይ ወገናትና ብምምዕዳው፡ ንስለ ወገናትና ዋጋ ክንከፍል ኣምላኽ ይደግፈና።

እቶም ብምኽንያት ስደት ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዝተበተኑ ደቀመዛሙርቲ፡ ንኣይሁዳውያን ጥራይ ዘይኮነስ ንኣህዛብ እውን ከይተረፈ ወንጌል ስለዘበሰሩ፡ ብፍላይ ኣብ ኣንጾክያ ዝተባህለ ቦታ፡ ብዙሓት ካብ ወገን ኣህዛብ ንእምነት ክርስትና ተኣዘዙ። እዚ ድማ ኣብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ቤተክርስትያን ስለዝተሰምዐ፡ ነዚ ልዕሊ ትጽቢቶም ዝነበረ ኩነታት ዘጻሪ፡ ሓደ ዝተመስከረሉ ሰብ ብምሕራይ ክልእኩ ስለዝነበሮም፡ ነዚ ክውን ንምግባር ንበርናባስ ደኣ ለኣኽዎ። በቲ ኣቀዲሙ ብሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነግሮም ብስራት ምምላስ ኣህዛብ፡ ከም ቅቡል ክወስድዎ እካ እንተነበሮም፡ እንተኾነ ግና ካብ በርናባስ ደኣ ጸብጻብ ክጽበዩ መረጹ። በርናባስ፡ ኣብቶም ተስፋ ዘይተነብረሎም ወገን ኣህዛብ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ፡ ሕቶ ኣይኮኖን፡ ወይ ገለ ስጋዊ ቅንኢ ኣይተሰመዖን፡ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመለኦ ሕያዋይ ሰብኣይ ብምንባሩ፡ በቲ ዝረኣዮ ስራሕ ኣምላኽን ጸጋ ኣምላኽን ኣዝዩ ደኣ ተሓጎሰ። በቲ ዝኾነ ኩነታት ድማ፡ ብተኣማንነት ጸብጻቡ፡ ነታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ ኣቕረበ። እታ ማሕበርውን ነቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክትቅበሎ ከላ ንርኢ። እንታይ ዝበለ ምትእምማን ናይ ለኣኺን ተለኣኺን ኮን እዩ! በርናባስ ንድሌት ሰባት ከሐጉስ ከይበለ፡ እቲ ሓደ ብጹሕ ኣገልጋሊ ክገብሮ ዘለዎ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ማሕበር ኣንጾክያ፡ እንታይ ዝዓይነቱ ኣበርክቶ ክገብር ከምዝኽእል ብምሕሳብ፡ ነቲ ዝዕየ ኣገልግሎት፡ ባዕለይን በይነይን ከይበለ፡ ክኣልዮ ዝኽእል ሰብ ብምድላይ፡ ንጳውሎስ ካብ ጠርሴስ ብምምጻእ፡ ኣብ ኣገልግሎትን ብኣገልግሎትን ብሓባር እናዓበዩ ከዕብዩ ከለዉ ንርእዮም። እምበኣር በርናባስ፡ እሙን ልኡኽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ትኽክለኛ ሰብ ኣሰልጢኑ ንኣገልግሎት ዘዋፍር ሰብ እዩ ኔሩ። ንገዛእ ርእሱውን ኣምላኽ ብዝሓንጸጸሉ ሕንጹጽ ዕላማ ደኣምበር፡ ምስ ሰብ ከይተወዳደረ ዕዮ ኣምላኽ ክዓየ ዝደሊ ሰብ እዩ ዝነበረ። ስለዚ፡ ነቲ ንሕና እንዓዮ ዘለና ኣገልግሎት ኣምላኽ፡ ካብቲ ንሕና ክንዓዮ እንኽእል ብዝሓሸን ብዝበለጸን ክዓዮ ዝኽእል፡ ጸጋ ኣምላኽ ዝበዝሓሉ ሰብ እንተዝመጸና፡ ከም በርናባስ ጸጋ ኣምላኽ ርኢናዶ ምተሓጎስና ወይስ ምቐናእናሉ? እዚ ንግልና ክንምልሶ ዘሎና ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ከም በርናባስ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ኣሕዋትና ርኢና እንሕጎስን፡ ደገ ኣገልግሎት እንኸፍትን ይግበረና!

ብመሰረት .ሃዋ 152 "ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።" ኣብ ሞንጎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይ ከምዝኾነን፡ እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ዮሃንስ ማርቆስ ዝበሃል ወደመዝሙር ነበረ። ዮሃንስ ማርቆስ፡ ኣብቲ ሃዋርያዊ ተልእኾ ምስ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተበጊሱ ክነሱ፡ ኣብ መንጎ ግና ስለዝተመልሰ፡ ጳውሎስ በታ ሓንሳእ ዝተጋገያ ጌጋ፡ ካብኡ ከርሕቆ ፈተነ፡ እንተኾነ ግና፡ ብምኽንያት በርናባስ፡ ማርቆስ ብጸጋ ኣምላኽ ዓብዩስ፡ ክሳብ ጳውሎስ ተመሊሱ ንዕዮ ይጠቅመኒ እዩ ዝብሎ ኾነ 2ጢሞ 411 "ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ።" ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ፡ በርናባስ፡ ንኣምላኽ ዝኸውን ሰብ ኣብ ምስልጣን ይኽእለሉ እዩ! እታ ጻውዒት ኣገልግሎቱ ኣነጺሩ ስለዝፈልጣ፡ ካልኦት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝጸውዖም ኣገልግሎት ብምልኣትን ብኹሉ ግልጸት ጸጋን ንኽነብሩ ንምሕጋዞም ዝተግህ ሰብ እዩ ዝነበረ።

በርናባስን ጳውሎስን ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ሃዋርያዊ ተልእኾኦም፡ ነቲ ዮሃንስ ማርቆስ ወደ ሓው ኣብኡ ንበርናባስ ተማሊኦሞ ነበሩሞ፡ ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ፡ ካብቲ ተልእኾ ወንጌል ሓዲግዎም ተመሊሱ ነበረ እሞ፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብቲ ኻልኣይ ሃዋርያዊ ተልእኾ ምስኡ ክማለኦ ኣይደለየን፡፡ በዚ ምኽንያት ሃዋርያ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ጕዕዞኦም ክሳብ ዝፈላለዩ ኾኑ። በርናባስ ምስ ዮሃንስ ማርቆስ ብምዃን ናብ ቆጵሮስ ክኸዱ ከለዉ፡ ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ድማ ናብ ኤሽያ ማይኖር ከዱ (. ሃዋ 1537) መን እዩ ጌገኛ ኔሩ ኢልና ኪንፈልዮም እኳ እንተዘይከኣልና፡ ነቲ ዝነበሮም ዘይምርድዳእን ፍልልይን ፈቲሖም፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሓባር የገልግሉ ከምዝነበሩ ኣብ ቆሮ 96 ከምኡውን ኣብ ገላ21 ብምንባብ ክንርዳእ ንኽእል። ስለዚ፡ ከም መልክዕናን ባህርያትናን፡ ኣተሓሳስባናን ኣጠማምታናን ስለዝፈላለ፡ ኣብ ዝኾነ መድረኻት ናይ ጉዕዞ ዘይምርድዳእ ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ኣብኡ ምጽናዕ ክርስትያናዊ ስለዘይኮነ፡ ቀልጢፍካ መፍትሒ ክናደየሉ ይግባእ። ነቲ መስፍን ሰላም ዝኾነ ኣምላኽ እናኣገልገልካ ከተብቅዐ፡ ልብኻ ግና ብጽልእን በቀልን ክቅርሕን ምፍቃድ፡ እንታይ ዝበለ ፈሪሳውነት ኮን እዩ!

ኣብ ገላ 213 ተጠቒሱ ከም እንረኽቦ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ማሕበር ኣንጾክያ ብምምጻእ፡ ኣህዛብ ማዕረ ኣይሁዳውያን ክነብሩ ከምዝኽእሉን፡ ብሓደ ጎይታ ብወንጌል ናብ እምነት ስለዝመጹ፡ ኩሎም ሓደ ሓድሽ ህዝቢ ምዃኖም ብምእማን፡ ምስቶም ካብ ወገን ኣህዛብ ዝነበሩ ኣመንቲ ሓቢሩ መኣዲ ይበልዕ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ወገን ግዝረት ዝኾኑ ኣይሁዳውያን ኣመንቲ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ምስ መጹ ግና፡ ካብኦም ብግብዝና ተፈለየ። እዚ ምርኡይ ሃዋርያ ከምኡ ብምግባሩ፡ ንበርናባስ እውን በቲ ግብዝናኡ ክሳብ ዝሰሓብ ኮነ እሞ፡ ንሱውን ርእሱ ደኣ ፈለየ። ብምኽንያት ዝነበሮ ንሰባት ናይ ምትብባዕን ምጽንናዕን ክቱር ድሌት፡ ነቲ ትኹል ቃል ሓቂ ሸለል ብምባል፡ ብዋጋ ሓርነት ናይቶም ካብ ወገን ኣህዛብ ዝመጹ ኣመንቲ፡ ነቶም ካብ ወገን ኣይሁዳውያን ዝኾኑ ኣመንቲ፡ ከሐጉስ ዝደለየ ይመስል። ካብዚ ንመሃሮ እንተሃልዩ፡ ንኹሉ ሰብ፡ ድሕረ ባይትኡ ብዘየገድስ ደረጃ ትምህርቱ፤ ጽፍሒ ስርሑ፤ ... ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝሪኤሉ ኣዒንቲ ብምርኣይ፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ክንሪኦን ከነገልግሎን ከምዘሎና እዩ። ንሰባት ከነሐጉስ ከይደለና፡ እንገብሮ ኣገልግሎታት ብሰባት ክፍለጠልና ከይደለናን፡ ማእከልነት ኩሉ ኣገልግሎትና እግዚኣብሔር ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ መትከል ኣገልግሎትና፡ ንሰባት ከነደንቖም ዘይኮነስ ንኽንሕግዞም እዩ።

ኣምላኽ ብርሃኑ የብርሃልና ጸግኡውን የብዝሓልና።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር።

/ ኢሳይያስ የዕብዮ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div