S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዛዕባ ትምህርቲ-ሰንበት: እቲ ዝሓለፈ ታሪኽና ከም-ዘዘንትዎ

ታሪኽ መምህር ስለ-ዝኾነ፥ ደቂ-ሰብ ካብ ዓምድታት ታሪኽ እናተመሃሩዮም ዝነብሩ። ስለዚውን ደቂ-ሰብ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይእዮም ዝፈልጡ።

ብዛዕባ ትማሊ ዝሓለፈ ኩሉ፥ ከዘንቱ ዝኽእል ግን ታሪኽ ጥራይዩ። ስለዚውን እቶም ንዓና መልሲዘይብሎም መሲሎም ዝረኣዩና ሕቶታት ኩሎም፥ ታሪኽ ግን ናቱ መልሲ ኣለዎ። ታሪኽ ክምልሶ ዘይክእል ሕቶ ድማ ኣሎ ኣይበሃልን።ስለዚውን ኣብ መፋርቕ እቲ ዝሓለፍናዮ፥  መበል 20-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን፥ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንናብዝምልከት፥ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ-ፍጻሜ ምህላዉ ክነግረና ዝኽእል ታሪኽዩ። እዚ ታሪኽ ክንፈልጦን ክንመሃረሉን ይግበኣናዩኢለ ስለ-ዝኣመንኩሉ ከኣየ፥ ብዛዕባኡ ገለ ክብል ኣሎኒ ብምባል፥ ክጽሕፍ ዝደለኹ።

ማለት ናይ ዕድል ነገር ኮይኑ፥ ኣነ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተወሊደ፥ ኣብ ሕቝፋውን ዓብየ ክብል እኽእል። ኩሉ መንገደይንኣከያይዳይን ምስ ቤተ-ክርስቲያን ስለ-ዝኾነ ድማ፥ ከም ውላዳ መጠን ነታ ዝዓበኹላ ቅድስቲ ቤት፥ እፈልጣ እንተበልኩምግናን ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ ሕቝፋ ማሚቖም ክዓብዩ፥ ዕድል ካብ ዝረኸቡ ሓደ ክኸውን በቒዐየ። እምበኣር ወዲ ገዛን ወዲውሽጥን ከም-ምዃነይ መጠን፥ ብዛዕባ ኣጸቢቐ ዝፈልጦን ዝዓበኹሉን ደምበ፥ ንኸይዛርብ ዝጽግመኒ ዘሎ ኮይኑኣይስምዓንን። ከመይሲ ብዛዕባ ገዝኡን ውሻጠ-ኣዲኡን ክዛረብ ዘይክእል የልቦን። ስለዚውን ነቲ ብድሕሬና ዘሎ ወሎዶ ናይምንጋር ሓላፍነትውን ስለ-ዘሎና፥ ገለ ክብል ከም-ዝግበኣኒ ስለ-ዝኣመንኩየ፥ ኣነውን ሕጂ ነዚ ክጽሕፍ ዝደለኹ።

ብዝተረፈ ንቤተ-ክርስቲያንና ብዝምልከት፥ ክንድቲ ክበሃል ዝግብኦ እንተ-ዘይኮነ፥ ብዝወሓደ ዓቐንውን ይኹን ክዝረበሉንክጸሓፈሉን ጸኒሑዩ። ገናውን እዚ ኣርእስቲ ኣገዳስን ዘዛርብን ኣርእስቲ ኮይኑ ምቕጻሉ ኣይተርፍንዩ። ሕጂውን ገና ክንዛረብዝገብረና ብዙሕ ምኽንያት ከምዘሎ  ርዱእዩ። ከመይሲ እታ ቅድስቲ ቤት ኣብ ስቓይን መከራን ትርከብ እናሃለወት፥ ንሕና እቶምብጸጋ-ጥምቀት ካብ ማሕጸና ዝወጻእና ደቃ፥ ብዛዕባ ተሕልፎ ዘላ ጸበባን መከራን ዘይስመዓና ኮንና ክንርከብ ከንእደና ዝኽእልኣይኮነን። ርግጽ ገለ ዉሉደ-ክህነት ኢና ዝብሉ፥ ነቲ ኦርቶዶካሳዊ-ሃይማኖት ዚያዳ ካልኦት ዝግደሱሉን ዝሓልዩሉን ብምምሳል፥ነቶም እሙናትን ሓቀኛታትን ደቂ ቤተ-ክርስቲያን፥ ዘይስሞም ስም ብምሃብ ንዓታቶም ዘይሰማማዕ ሕብሪ ክቐብኡዎምዝተራእየሉ ኣጋጣሚ ዉሑድ ኣይኮነን። ግዳስ “-ኣባ ሥረይ ሎሙ፥ እስመ በዘኢየኣምሩ ይገብሩ-“ ብምባል፥  ክንጽልየሎም እንተ-ዘይኮይኑ ኣይንረግሞምን ኢና። ኣካልናን ወገናን ዝኾኑ ረጊምናኸ እንታይ ኢና ክንረብሕ-?!

ብዝተረፈ ሎሚ ንኽጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነኒ፥ ብዛዕባ ቅድሚ ሰብዓ-ዓመት ኣቢሉ፥ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዝተጀመረምንቕቓሕ-ወንጌል እዩ። ማለት ቅድሚ እዋንዚ፥ እቲ ኩሉ ዝግበር ዝነበረ ኣገልግሎት፥ ከም ቀደሙ ብሰኣታት ጀሚሩብማሕሌት ሓሊፉ ኣብ ቅዳሴ ዝድምደም ደኣምበር፥ ንመንእሰያት ኣብ ግምት ዘእተወ ዝኾነ ይኹን መደብ፥ ይካየድ ነይሩ ዝበሃልታሪኽ ነይሩ ኣይበሃልን። ከም ኣጋጣሚ ግን፥ ኣብቲ ሰማያት ሃገርና ብማዕበል-ፖለቲካ ይሕቈን ዝነበረሉ ሰዓት፥  ኣብ ጽባሕ ካልኣይኩናት-ዓለም ዝተወድኣሉ ምዃኑ “-ማኅበር መድኃኔ-ዓለም ፍኖተ-ብርሃን-“ ዝተባህለ ማኅበር ክቐውም ክኢሉ። እዚ ኣብትሕቲ ጽላል ክቡር ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ፥ ናይ ክብሪ ፕረሲደንትነት ዝቘመ ማኅበርዚ። ኣቦ-መንበር ኮይኖም ዝመርሑዎድማ፥ እቶም ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ብኽብሪ እናዘከሮም ክነብር ዘለዎ፥ ክቡር ኣቦና ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረ-ሥላሴ ዓስቡዮም። እቲማኅበር ዝቘመሉ እዋን ርግጸኛ ኮይንካ ክትዛረብ የጸግምዩ። ከም-ዝመስለኒ ግን ኣብ 1939 / (1947) ክኸውን ይኽእልዩዝብል ግምት ዘሎኒ።

ይኹን እምበር እዚ ማኅበርዚ፥ ብኸመይ ኣገባብን ንምንታይ ዕላማን ክቐውም ዝኸኣለ-? ዝብል ሕቶ ከልዕል ባህርያዊ ስለ-ዝኾነ፥ እንታይ ኮን ይኸውን እቶም ኣቦታት ናብኡ ኣቢሎም ክሓስቡ ዘለዓዓሎም-? ብምባል ነቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ።እምበኣር ኣብቲ ቅድሚኡ ዘሎ ቀረባ ወርሓት፥ ማለት 28 ነሓሰ 1938 / (28/08/1946) ናይ እንግሊዝ ወተሃደራት ዝነበሩሱዳናውያን፥ ኣብ ማእከል ከተማ-ኣሥመራ፥ ደም ብዙሓት ክርስቲያን ብግፍዒ ኣፍሲሶም ከም-ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ጭካኔዝመልኦ እኩይ ተግባር እውን፥ ኣብ ሃይማኖት ኣነጻጺሩ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስለ-ዝነበረ። ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ብቐሊልክርሳዕ ይኽእል ዘይበሃል፥ ዓቢይ-ስምብራት ክገድፍ ከም-ዝኸኣለ፥ ከም-ርዱእ ዝውሰድ ክበሃል ይከኣል። በዚ መሠረትዚድማ እቶም ኣቦታት፥ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተፈጸመ ግፍዒ። ሓደ ንደምበ-ተዋሕዶ ብምውካል፥ ተጸዋዒ ኮይኑ ክርከብ ዝኽእል፥ኦርቶዶክሳዊ-ማኅበር ክምሥርቱ ዘገድዶም ኮይኑ ተረኺቡ ክኸውን ይኽእልዩ፥ እንተ-ተባህለ ክበሃል ዘይግብኦ ኣይኮነን።

ከም ውጽኢት እዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፥ ድሕሪ ምቛም ማኅበር መድኃኔ-ዓለም  ፍኖተ-ብርሃን። ብዙሕ ከይጸንሑ  ማለትዩ፥ “-ማኅበር-መንእሰይ ፈለገ-ሕይወት-“ ኣብ በዓል ሕዳር-ጽዮን፥ ማለት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት-ማርያም ኣሥመራ ምዃኑዩ።ኣብ መድረኽ ወጺኦም ክዝምሩ ተራእዮም። እዚ ማለት ድማ ምናልባት ብመንገዲ ማኅበር መድኃኔ-ዓለም ፍኖተ-ብርሃን እንተ-ዘይኮይኑ፥ እቶም መንእሰያት ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ ብናታቶም ተበግሶ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ርሕቀት፥ ክኸዱ ይኽእሉዮም ኢልካክትሓስብ የጸግምዩ። ብዝኾነ ግን ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረ-ሥላሴ፥ ኣብ ልዕሊ ኣቦ-መንበር ማኅበር መድኃኔ-ዓለም ፍኖተ-ብርሃንምዃኖም፥ ናይ ኣቡነ-ማርቆስ ጸሓፌ-ትእዛዝ ብምዃን፥ ንመንበረ-ጵጵስና ዘመሓድሩዎን ዝኣልዩዎንውን ንሶም ስለ-ዝነበሩ፥ ኣብምቛም እቲ በዅሪ ማኅበር መንእሰያት ሃገርና ዝኾነ፥ “-ማኅበር መንእሰይ ፈለገ-ሕይወት-“  ኢድ ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረ-ሥላሴዓስቡ ክነብር ከም-ዝኽእል፥ ከም ርዱእ ዝውሰድ እንተ-ተባህለ ጌጋ ኣይከውንን።

 ብዝኾነ ማኅበር መንእሰይ ፈለገ-ሕይወት፥ ክሳብ 1944 / (1952) ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ተስፋ ክህብ  ዝኽእል መንፈሳዊ-ተልእኮ ክፍጽሙ ድሕሪ ምጽንሖም፥ ብድሕሪኡ ግና ክቕጽሉ ኣይተራእዩን። እቲ ከም ርዱእ ዝውሰድ ምኽንያት ድማ፥ እቲ ዝግበርዝነበረ ናይ ፖለቲካ ሓጎጽጎጽ ተወዲኡ፥ እንግሊዛውያን ወጺኦም ነፃ-ሃገር ትቐውም ዝነበረትሉ ግዜ ስለ-ዝኾነ። ኣባላት ፈለገ-ሕይወት ድማ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፥ ብዕድመ ፍርዝን ኢሎም፥ ብትምህርቲውን ጸብለል ኢሎም ዝርኣዩ ከም-ምንባሮም መጠን፥ዳርጋ ዝበዝሑ ካብኣቶም ንምምህርና ስለ-ዝተወስዱ፥ ካብ ኣሥመራ ወጻኢ ከይዶም ክምህሩ ከም-ዝተላእኩ ዝፍለጥ። እዚድማ ነቲ ዝተጀመረ መንፈሳዊ-ምንቅስቓስ፥ ንኽዳኸም ናቱ ኣስተዋጽኦ ነይሩዎ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ብማኅበር ፈለገ-ሕይወት ዝተጀመረ ኦርቶዶክሳዊ-ምንቅስቓስ ግና፥ ገለ ኣሠር ከይገደፈ ዝኸደ ኣይነበረን። ስለ- ዝኾነ ድማኣብ 1944 / (1952) “-ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን-“ ንማኅበር ፈለገ-ሕይወት ተኪኡ፥ ኣብ መድረኽ ክቕልቀል ክኢሉ።እዚ ናይ መንእሰያት ማኅበርዚ፥ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ-ትምህርቲ ብስም “-ቦይ-ስካውት-“ ተጠርኒፎም ክነጥፉ ዝጸንሑመንእሰያት፥ ብኃባር ዘቘሙዎ ምዃኑ ዝፍለጥ። ንሳቶም ድማ ተማሃሮ ቅድስት-ማርያም, ኣግዓዝያን, ምድሪ-ባቡር እዮም።እቲ ከም ስካውት መጠን ኃቢሮም ክጐዓዙ ምጽንሖም፥ ከም መንጠሪ-ባይታ ኮይኑ ድማ፥ ሓደ መንፈሳዊ-ማኅበር ከቝሙኣኽኢሉዎም።

ብዝኾነ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥  ምንም ኣባላቱ ገና ኣብ ትምህርቲ ዝነበሩ መንእሰያት እንተነበሩ፥ ብወገን ቤተ-ክርስቲያን ምንም ኣላይን መራሕን ከይተገብረሎም፥ ዳርጋ ባዕሎም ንባዕሎም እናተደጋገፉዮም፥ ህልውና ማኅበርንምርግጋጽ ዝቃለሱ ነይሮም። ብዝተረፈ እቶም ዉሉደ-ክህነትና፥ መንእሰያት መጽሓፍ-ቅዱስ ክንመሃር ኢሎም ዝገብሩዎምትእኽኻብ፥ ክርድኦም ይኽእል ስለ-ዘይነበረ፥ ነቲ ተበግሶ እቶም መንእሰያት ብጽቡቕ ዓይኒ ይጥምቱዎ ነይሮም ክበሃልኣይከኣልን። ካብኡ ሓሊፎምውን ብግልጺ ክቃወሙዎ ዝተራእዩሉ ኣጋጣሚታት ክንደይ ብዙሕዩ። እቲ በቲ እዋን እቶምመንእሰያት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መጽሓፍ-ቅዱስውን፥ ብሓልዮት ገዛ-ከኒሻ ዝተተርጐመ መጽሓፍ-ቅዱስ ትግርኛ ብምንባሩ፥ እቲውሉደ-ክህነት ነዚ ኩሉ ክጻወሮ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ከኣ፥ ነቲ ብመንፈሳዊ-ቅንኣት ዝብገስዝነበረ ናይ መንእሰያት ማኅበር፥ እቲ  በቲ ዉሉደ-ክህነት ዝገጥሞ ዝነበረ ፈተና፥ ብቐሊል ክስገር ዘይክእል ኮይኑ ገቲሩ ክሕዞዝርአ ዝነበረ።

ብዝበለጸ ድማ እቲ ተጻብኦ ናይቶም ዉሉደ-ክህነት፥  ነቶም  ኣብቲ ማኅበር ተጸንቢሮም  ዝነበሩ ዲያቆናት፥ ሃይማኖቶም ከም-ዝለወጡ ኣምሲሉ ዘርእዮም ወረታት ይዝርጋሕ ስለ-ዝነበረ፥ ብኣጣቓላሊ እቲ ናይ ሽዕኡ ፈተና ክርአ ከሎ፥ ነቲ ሓዲሽ ናይመንእሰያት ማኅበር ኮነ፥ ነቶም ድሮ ኣባላት ማኅበር ኮይኖም ዝነበሩ ዲያቆናት፥ ክጻወሩዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኮይኑ፥ትዕግስቲ ዘወድእ ፈተና ኮይኑዎም ምንባሩ ከቶ ክርሳዕ ኣይከኣልን። በዚ መሠረት ድማ፥ ነቲ ማኅበር ኮነ ነቶም ኣባላቱ ብዓይኒጠርጠራ ከም-ዝጥመቱ ንምግባር፥ ብዙሕ ጸለመ ከም-ዝተኻየደ ዝፍለጥ። ካብዚ ሓሊፉውን፥ ነቶም ዲያቆናት ክሳብ ናብስድራ ቤቶም  ዝበጽሕ መረረን ስምዕታን ከስዕበሎም ክኢሉዩ። እቶም ንሃይማኖቶም ብዝነበሮም ቅዱስ-ቅንኣት፥ ዝተበገሱመንእሰያት ግና፥ መጽሓፍ-ቅዱስ ትግርኛ ስለ-ዘንበቡ ጥራይ፥ በቲ ዉሉደ-ክህነት ከኒሻዮም ዝብል ቅጽል ተዋሂቡዎም። እዚኩሉ ከኣ ምስቲ ሽዕኡ ዝነበሮም ናይ ዕድመ ምንኣስ፥ ክስገር ዘይከኣል ዝመስል ከቢድ ፈተና ነይሩ።  ግዳስ እቶምመንእሰያት ንኦርቶዶክሳዊ-እምነት ካብ ዝነበሮም ፍቕሪ ዝኣክል፥ በቲ ዝገጥሞም ዝነበረ ፈተና ተስፋ ቈሪጾም፥ ንድሕሪት ክምለሱዝደልዩ ኣይንበሩን።

እዚ ኩሉ ክኸውን ከሎ፥ እቲ መንበረ-ጵጵስና 100-ሜትሮ ኣብ ዝኸውን ርሕቀት ዝርከብ ነይሩ። ነቲ ናይ መንእሰያት ማኅበርደሃዩ ክፍለጥ ኢሉ ግን፥ ዝኾነ ነገር ክብል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እቲ ሓላፍነት ንዕኡ ዝምልከት ምዃኑ ይርድኦ  እንተነይሩውንእንድዒ-?! ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ እዋን ድማ፥ እቶም ዓቢይ-ሊቅ ማለት ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረ-ሥላሴውን፥ ነቲ መንበረ-ጵጵስናክገድፉዎ ዘገድዶም ምኽንያት ስለ-ዝተረኽበ፥ ብዘይ ብእኦም ድማ እቲ መንበረ-ጵጵስና፥ ሕይወት ሃልዩዎ ክንቀሳቐስ ክሕሰብዝኽእል ስለ-ዘይነበረ፥ ኣብቲ እዋን ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ ካብ ተነጽሎ ከድኅኖ ዝኽእል፥ ዋላ ሓደ ጸግዒ ነይሩዎክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ እንተኾነውን፥ቀሺ ዝበሎ እዝጊ በሎዝብል ባህሊ ሒዙ ምጉዓዝ ለሚዱዎስለ ዝኾነ፥ በዚ ምኽንያት እቶም መንእሰያት ፍኖተ-ብርሃን፥ የማነ ጸጋም ቀባሕባሕ ኢሎምውን፥ ኣጆኹም ዝብሎም ተስፋንመጸግዕን ክረኽቡ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። ርግጽ እቲ ማኅበር ነቲ በብግዚኡ ዝገብሮ ዝነበረ ተዋስኦታት፥ ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልዮስለ-ዝነበረ፥ እቲ ብደጃዝማች ሓረጎት ዝምራሕን ዝመሓደርን ዝነበረ፥ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስቲ-ማርያም ምሉእ ደገፍ ይገብርምንባሩ ዝፍለጥዩ።

ብዝኾነ ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ በቶም ካህናት ኣቢሉ ዝበጽሖ ዝነበረ ፈተና ክተርፈሉ እንተ-ዘይከኣለ፥ ንቕድሚትኣቢሉ ብምጥማት ሱቕ ኢሉ ደኣ ጉዕዞኡ ቀጸለ እምበር፥ ተስፋ ቈሪጹ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተራእየን። በዚ ድማ “-ማኅበርማኅቶተ-ጥበብ-“ ዝተባህላ ደቀንስትዮ፥ ኣብ ጐኑ ከም-ዝስለፋ ብምግባር፥ ኣብ መንእሰያት ምንቕቓሕ ክፍጠር ዓቕሙ ዝፈቕዶኣገልግሎት ካብ ምግባር ኣይተቘጠበን። እዚ ማኅበር ግን ብናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ደኣምበር፥ቤተ-ክርስቲያን ክትረብሕብእትኽእለሉ መንገዲ፥ ክመርሑውን, ከቃንዑዎን, ክመኽሩዎን ኢሎም ዝፈተኑ፥ ናይ መንበረ-ጵጵስና ሓለፍቲ ነይሮም ዝበሃልታሪኽ የልቦን። ምስቲ መንበረ-ጵጵስና ይፋለጥ ነይሩ ክበሃልውን ኣይከኣልን።

ርግጽ ኣባ-ኪሮስ ሠመረ ዝበሃሉ ኣቦ፥ ደሃይ ማኅበር ዝገብሩ ምንባሮም ክጥቀስ ግቡእዩ። ማለት ንሶም ኣብ እንዳ-ማርያም መምህር ከም-ምንባሮም መጠን፥ ነቲ ማኅበር ተስፋ ይኾኑዎ ምንባሮም ክከሓድ ኣይከኣልን። ብደረጃ መንበረ-ጵጵስናግና፥ እዚ ተገይሩ ዝበሃል ታሪኽ ፈጺሙ ኣይነበረን። ይኹን እምበር ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ እቲ መንእሰይ-ወሎዶ ናብቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝመጽእ ንምግባር፥ ዕድሚኦም ምሉእ ቀዳምነት ሂቦም ክደኽሙሉ ዝጸንሑ ዕላማ ነይሩ። በቲ ሓደ ሸነኽወንጌል ክሰብኩ ከለዉ፥  በቲ ካልእ ድማ ተዋስኦታት ብምድላው፥ ዝገብሩዎ ኣገልግሎት ክንደይ ብዙሕ ነይሩ። እዚ ድማኣብ ኣሥመራ ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ  ከይኮነ፥ ክሳብ ባጽዕን ካልኦት ከተማታትን፥ ዝዝርጋሕ ኣገልግሎት ነይሩ።

እቲ በቲ ማኅበር ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓስ እናሰፍሐ ስለ-ዝኸደውን፥ ብተመሳሳሊ መንገዲ ብዙሓት ናይ መንእሰያትኦርቶዶክሳውያን-ማኅበራት ክምሥረታ ክኢለንየን። እቲ ብክቡር መልኣከ-ሰላም ዲሜጥሮስ፥ ዝምራሕ ዝነበረ ማኅበረ-ሓዋርያትዝተባህለ ማኅበርውን ስለ-ዝቘመ፥  እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ካብ ድቃሱ ከም-ዝተበራበረ መሲሉ ዝተራእየሉ፥ ናይ ብሩህ-ዘመንመጻኢ ተስፋ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።  ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝበልናዮ ግና፥ ኩለን እተን ዝጫጭሓ ዝነበራ ናይ መንእሰያትኦርቶዶክሳውያን-ማኅበራት፥ ባዕላተን የኺደና  ወይ የሥርሓና ብዝበልኦ ደኣየን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ እምበር፥ ሓደ ማእከልኮይኑ ክመርሐንን ከወሃህደንን ዝኽእል ኣካል ኣይነበረንን። ነንሓድሕደን እንተኾነውን ማዕዶ ንማዕዶ ካብ ምርእኣይ ዝሓለፍ፥ተቐራሪበን ክሠርሓ ዘኽእል ዕድል ኣይነበረንን። እዚ ክገብር ዝኽእል ማእከልነት ስለ-ዘይነበረ ድማ፥ እቲ ጉዕዞ ብኸምኡ ክቕጽልዩተገዲፉ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ክትረብሓሉ እትኽእል ኣሠራርሓ ነይሩ፥ ክበሃል ዝኽእል ግና ኣይነበረን።

እቲ ኹሉ በብመንገድኻን በብዝጠዓመካን ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓሳት፥ ንረብሓ መናፍቓን ዘገልግል ገለ ነቓዓት ዝፈጥር ኮይኑከይርከብ ግና፥ ስክፍታታት ኣይነበረን ክበሃል ኣይከኣልን። ነዚ ስክፍታት ክኣሊ ወይ ከቃንዕ ኢሉ፥ ዝግደስ ኣካል ወይ ማእከልነትግና ኣይነበረን። ማለት እቲ ዋናን በዓል ቤትን ኮይኑ ክዋሳእ ዝግብኦ መንበረ-ጵጵስና፥ የለኹን እንድሕሪ ኢሉ ድማ፥ ክግበር ዝከኣልነገር ኣይነበረን። ነቲ ክንድቲ ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮ መንእሰይ ተቐቢልካ፥ መንፈሳዊ-ባህጉን ድሌታቱን ከተዕግብ ምኽኣል ድማ፥ነቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣብያተ-ክርስቲያናት፥ ኮይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ናይ መንእሰያት ማኅበራት፥ ቀሊል ጾር ዝበሃልኣይነበረን። ግዳስ እተን ማኅበራት የማነ ጸጋም ኢለን ጸዊዐን ከምጽእኦ ዝኽእላ ተስፋ ስለ-ዘይነበረን፥ እንዳ-ወደቓን እንዳ-ተንሥኣንካብ-ምጉዓዝ፥ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን። ልዕሊ ዓቕመን ዝኾነ ጾር ተሰኪመን ድማ፥  ጉዕዞአን ክቕጽላ ከም ዕላማ ዝሓዝኦግዴታ ነይሩ።

እቲ ጉዕዞ ከምዚ እናቐጸሎ ከሎ ድማ፥ ኣብ ከባቢ 60-ታት  ኣቢሉ፥ ሓደ ሓዲሽ ተርእዮ ክቕልቀል ተራእዩ። ንሱ ድማ ህልውናእቲብጆህቫ-ዊትነስዝፍለጥ ሃይማኖት፥ ውጥም ቅልቅል ክብል ምጅማሩ እዩ። ከሥርሖን ከዐውቶን ዝኽእል ዝተጻፈፈመጽናዕቲ ሒዙ ስለ-ዝመጸ ከኣ፥ ኣብ ሓጺር ግዜ ከስፋሕፍሕ ተራእዩ። እዚ ከኣ ንማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ከደቅሶምዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ዓቕሞም ክሳብ ዝፈቕዶ ብምንቅስቓስውን፥ ሕዝቢ ንኸረጋግእ ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ካብ ምግባርኣይተቘጠቡን። እቶም ኣርዮሳውያን ደልዲሎም ስለ-ዝመጹ ግና፥ ዓቕሚቶም መንእሰያት ዝምክቶም ኮይኑ ኣይተረኽበን። እቲሕዝቢ ንኽነቅሓሎምን መንነቶም ንምቅላዕን ዝኣክል ግና፥ ኣብ  ሲነማ-ኣሥመራን፥ ከምኡ ድማ ኣብ ባጽዕ ሲነማ-ኣይዳን፥ ነቲኣርዮሳዊ-ክሕደት ዘቃልዕ ተዋስኦታት ብምድላው ናብ ሕዝቢ ኣቕሪቡ እዩ። እቲ ምስፍሕፋሕ እቶም ኣርዮሳውያን ግን፥ ብቐሊልክዕገት ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እቲ መንበረ-ጵጵስናና ግን ነዚ ኩሉ ዝፈልጦ ዝነበረውን ኣይመስልን። ኣብቲ ኩሉ ስለ-ዘይነበረውን ክፈልጥ ይኽእል ኢልካክሕሰብ ኣይከኣልን።እቲ ዚያዳ ነቲ ጉዳይ ሓደገኛ መሲሉ ክርአ ዝገበሮ ግና፥ ንሳቶም እቶም ኣርዮሳውያን ብዙሓት ነርስንመማህራንን ወዲቦም፥ ነቲ መንፈሳዊ-ወራር የካይድዎ ስለ-ዝነበሩ፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ ምስንባድ ክፈጥርምኽኣሉዩ። በዚ ምኽንያት ድማ፥ መራሕቲ ማኅበር-መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን፥ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩሉ ነቲ መንበረ-ጵጵስናክነግሩ፥ ግድነት ኮይኑዎም። ማለት ምስቲ መንግሥቲ ብምዝርራብ፥ እቲ ብመገዲ መማህራንን ነርስን ኣቢሉ ዝፍጸም ዝነበረመንፈሳዊ-ወራር፥ ክዕገት ኣብ ምግባር ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ ብምባልዩ።

እንተኾነ ከምቲ ተስፋ ዝተገብሮ፥ ዝኾነ ውጽኢት ከምጽእ ኣይተረኽበን። ንማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ግና እዚ ጉዳይዚ፥ኣቕሊልካ ዝርአ ተራ ነገር ኣይነበረን። ስለ-ዝኾነውን ከምቲሰብ ኣሓን ይሃድሙ፥ ሰብ ቈራብትን ይዋግኡዝበሃል። ሕጂውንእቲ ዋናን በዓል ጉዳይን ኮይኑ፥ ቅድሚት ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ መንበረ-ጵጵስና፥ ኣብ ቦትኡ ምስ-ተሳእነ፥ ማኅበር-መንእሰይፍኖተ-ብርሃን ነዚ ጉዳይ ሒዙ፥  ናብ መጋባእያ ኃፀይ ኃይለ-ሥላሴ ከም-ዝቐረበ ይፍለጥ። እዚ ከርኤና ዝኽእል ድማ፥ እቲ ናይመንእሰያት ማኅበር ክሳብ ክንደይ፥ ንድኅነት ኦርቶዶክሳዊ-እምነት ክብል ከም-ዝተቓለሰ ዘርድእ እዩ። እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ ግና፥ናይ መንበረ-ጵጵስና ሓገዝ ኣይነበሮን። እቶም ዉሉደ-ክህነትውን፥ ነቲ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ከም ናቶምን ኣካሎምንይርእዩዎ ኣይነበሩን። እቲ ዝተገብረ ቃልሲ ሰማዒ ስለ-ዝረኸበ ድማ፥ እቲ ብመንገዲ መማህራንን ኣለይቲ-ሕሙማት ነርስንዝግበር ዝነበረ ወራር፥ እቶም ንጉሥ ብዝሃቡዎ ትእዛዝ፥  መማህራንን ነርስን ነቲ ሞያኦም ጉልባብ ብምግባር ዘካይዱዎ ዝነበሩወራር፥ መዕገቲ ክግበረሉ ስለ-ዝተኻእለ፥ ብመጠኑ እቲ ናህሪ ክዕገት ምኽኣሉ ይፍለጥ።

እዚ ኩሉ ምስ-ተሓልፈ ድማ ንምምጻእ ደርጊ ተኸቲሉ፥ ኣብ 1966 / (1974) ሓደ ዓቢይ-ሓደጋ ኣብቲ ማኅበር ክወድቕተራእዩ። እዚ  ማለት ድማ ዋና-ጸሓፊ እቲ ማኅበር ኣርኣያ በላይን፥ ተሓዝ-ገንዘብ ዝነበረ እምሃ-ጽዮን ተኸስተን፥ በቲ ሽዕኡ ዝነበረዘተረጋግአ ፖለቲካዊ ኩነታት፥ ብሃንደበት ተቐቲሎም ክሞቱ ከለዉ፥ እቲ መራሕ-ማኅበር ዝነበረ ናይ ጽሑፍ ጸሓፊ ድማ፥ብማእሰርቲ ንኣዲስ-ኣበባ ከም-ዝውሰድ ኮይኑ። እዚ ሃንደበታዊ ዝኾነ ሓደጋ ከኣ፥ ነቲ ማኅበር ከቢድ ጸቕጢ ክገብረሉ ስለ-ዝኸኣለ፥ ብቐሊል ክሓዊ ዘይክእል ስምብራት ገዲፉ ክበሃል ይከኣል። ብጠቕላላ ንህልውና ማኅበር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፥ ኮይኑከይርከብ ብብዙሕ ተሰጊኡ ምንባሩውን ከቶ ኣይርሳዕን።

 ብዝኾነ ደርጊ ንኹለን ማኅበራት ክርስቲያን ኣገልግሎት ከይህባ ስለ-ዝኣገደ። ብጀካ ኦርቶዶክስን, ካቶሊክን, ሉተራውያንን፥ ካልኦት  ኣገልግሎት ክህባ ዝፍቀደለን ማኅበራት ኣይነበራን። ነዚ ተኽቲሉ ከኣ እቲ ሰፊሕን ገፊሕን ኣደራሽ ፍኖተ-ብርሃን፥ ብብዝሒሰብ ከዕለቕልቕ ተራእዩ።  እዚ ከኣ ከስክፍ ዝግብኦ ተርእዮ ብምዃኑ፥ ጥንቃቐ ክግበር ዝግባእ እንተነበረ፥ እቲ ማኅበር በቲዝወረዶ ተደራራቢ ሓደጋ ተሰናቢዱ፥ ዓቕሚ ሰቡውን ብብዝሒ ንቓልስን ንስደትን ኣምሪሑ ተዳኺሙ ስለ-ዝነበረ፥ ቤቱ ክቈጻጸርዘኽእሎ ዓቕሚ ነይሩዎውን ኣይበሃልን። ከምዚ ድማ እቲ ዕልቕልቕ ክሳብ 1983 / (1991) ክቕጽል ተራእዩ። ድሕሪ ግናሃገር ነፃ ኮይና ተባሂሉ፥ ኩሉ በቤቱ ክኸፍት ምስ-ከኣለ፥ ኣብ ኣደራሽ ፍኖተ-ብርሃን ዳርጋ ዝተረፈ ሰብ ነይሩ ኣይበሃልን። ከመይሲምድረ-መናፍቓን ተረቂቖም ብምእታው፥ ነቲ መንእሰይ ኣድራሻ ንኸለውጥዎ፥ ካብ ነዊሕ እዋን ብውሽጠ ውሽጢ፥ ክሠርሑሉዝጸንሑ መደብ ስለ-ዝነበረ፥ ግፍፍ ኣቢሎም ንኸወስዱዎ ጸገም ኣይነበሮምን። ከመይሲ መን ኢኻ ዝብል ዋና ዘይብሉ ቤት፥ ኩሉግዜ ንሰራቒ ዝተመቸወዩ።

ካብ 1983 / (1991) ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ግን፥ ምንም እታ ሃገር ነፃ ወጺኣ እንተ-ተባህለ፥ እቶም ሰብ ፖለቲካ ግን ነታቤተ-ክርስቲያን ጥቕልል ኣቢሎም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ስለ-ዘእተዉዋ፥ ሕጂ ብዛዕባ ቤት-ትምህርቲ ሰንበት ኢልካ ምዝራብ፥ዘየሎ ሰብ ከም-ምጽዋዕ ዝቝጸር እዩ። ከመይሲ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ክቈጻጸሩ ካብ ዘግበሮም ምኽንያት ሓደ፥ ነቲ ኣብ ትሕቲ ቤትትምህርቲ-ሰንበት ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት፥ ንሥልጣኖም ከም ሓደ ዓቢይ ስግኣት ስለ ዝረኣዩዎ እዩ። ከምኡ እንተ-ዘይከውንነይሩ፥ ቤተ-ክርስቲያን መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ብዓይኒ ጽልኢ ክትጥመት ዝገብራ ምኽንያት ክህሉ ኣይምኸኣለን። እቲኣብኡ ዝእከብ ዝነበረ ናይ  መንእሰያት ብዝሒ፥ ክጻወሩዎ ስለ-ዘይከኣሉ ግና፥ እንሆ እቶም ሠለስተ ብሉጻትን ምሩጻትን ካህናትና፥ንልዕሊ ዓሠርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ መቝሕ ኣእትዮሞም ይርከቡ ኣለዉ።

ብሓፈሻ ክርአ ከሎ፥ ካብ ማኅበር ፈለገ-ሕይወት ጀሚሩ፥ ክሳብ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ፥ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ ብዙሓትመንእሰያትውን፥ ኣባላት ማኅበራት መንእሰይ ብምዃን፥ ክመጹን ክኸዱን ተራእዮምዮም። ኣብዚ ምኻድን ምምጻእን ግና፥ቤተ-ክርስቲያንና እንታይ ዝረብሓቶ ኣሎ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እንተ-ረአናዮ፥ እቲ ኩሉ ዝተገብረ ድኻም፥ ውጽኢትተረኺቡዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ከመይሲ እተን ማኅበራት  ቤተን ክቈጻጸራን ከማሓድራን ዘኽእል ዓቕሚ ስለ-ዘይነበረን፥ ኣጽኒዐን ክሕዝኦ ዝኸኣላ መንእሰይ፥ ዳርጋ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚውን ትምህርቲ ሰንበት፥ ናብቲ ደምበ-ኑፋቄንምንጣር ዘኽእል ባይታ ኮይኑ ደኣዩ፥ ከገልግል ጸኒሑ ክበሃል ዝኽእል እምበር፥ ቤተ-ክርስቲያንና ረቢሓትሉ ክበሃል ዝከኣልኣይመስለናን።

እዚ ኹሉ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ፥ ብኽልተ ምኽንያት እንተ-ተባህለ፥ ከኽይድ ዝኽእል ይመስል። ማለት በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኩሉበቶም መንእሰያት ዝግበር ዝነበረ ተበግሶ፥ እቲ መንበረ-ጵጵስና ሓላፍነቱ ፈሊጡ፥ ክመርሖን ከወሃህዶን ዘይምኽኣሉ ክኸውንከሎ። በቲ ካልእ ድማ ከምቲባርያስ ሓጋዚታ እንተ-ረአየት መዲዳ ትሓብእዝብሃል። እቲ ዉሉደ-ክህነት ነቶም ብቅዱስ-ቅንኣትተለዓዒሎም፥ ንዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ዝደኽሙ ዝነበሩ መንእሰያት፥ ኣብ ክንዲ ዘተባብዖም ብኣሉታ ዝጥምቶም ኮይኑ ምርካቡእዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፥ መሠረት ቤት ትምህርቲ-ሰንበት ሕጂውን እንተኾነ፥ ጠጢሑ ይርከብ ኣሎ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን።ሕጂ ንኸምኡ ዝኸውን ባይታውን የልቦን። ከመይሲ ብዓባያ እታ ቤተ-ክርስቲያን፥ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ትምህርቲ-ሰንበት ኢልካ ዝዝረብ ዘረባ፥ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእልውን ኣይኮነን።

ከም ታሪኽ ክዝረብ ከሎውን፥ እቲ ካብ ማኅበር-መንእሰይ ፈለገ-ሕይወት ዝጅምር፥ ናይ መንእሰያት-ኦርቶዶክስ ምንቅስቓስ።ብኸመይ ዝበለ ፈተናታት ከም-ዝሓለፈ፥ እቲ ታሪኹ ርኢኻ ምግማት ይከኣልዩ። ብዝተረፈ ኣብዚ ታሪኽ ምስ ፈለገ-ሕይወት፥ጸሓፌ-ትእዛዝ ገብረ-ሥላሴ ዓስቡ፥ ምስ ፍኖተ-ብርሃን ደጃዝማች ሓረጎት ኣባይ፥ ምስ ማኅበረ-ሓዋርያት ድማ፥ መልኣከ-ሰላምዲሜጥሮስ ገብረ-ማርያም፥ ብዓቢይ ኣኽብሮት ክዝከሩ ዝግብኦም ኣቦታትዮም። ከመይሲ እዞም ኣቦታት እዚኣቶም፥ ኣብቲሽዕኡ እዋን ንትንሣኤ ኦርቶዶክሳዊ-እምነት ጽቡቕ-ራእይ ዝነበሮም ኮይኖም፥ ንዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝከኣል ዘበለኩሉ፥ ዝገበሩዮም ተባሂሉ ክንገረሎምሲ ግቡእዩ።

 

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div