S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓበሬታ: ንተመሃሮ ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ

ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብምትሕብባር፥ ንውሉደ ክህነትን ምእመናንን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ንምዕባይ ምዱብ ትምህርቲ ምጅማርና ዝዝከር እዩ። እንተ ኾነ ብዘጋጠመና ናይ ቴክኒክ ጸገማት እቲ

ትምህርቲ ንዝተወሰነ እዋን ዛሕቲሉ ጸኒሑ።  በዚ ድማ ነቶም ብትግሃት መንፈሳዊ ፍልጠትኩም ንምዕባይ ክትመሃሩ ዝጸናሕኩም፥ ተመሃሮ ምድኻማት ፈጢሩ ጸኒሑ እዩ። ንዝተፈጥረ ምድንጓያት ምምሕዳር ስነ መለኮት ተዋሕዶ ይቕሬታ ይሓትት።

ሕጂ ግን ዝነበረና ጸገማት መሠረታዊ ፍታሕ ስለዝረኸበ፥ ምዱብ ትምህርቲ መስከረም 2016 ክጅመር ምድላዋት ተጻፊፉ  ምህላዉ ብሓጎስ ነበሥር።

ናይ መዝገባ ጊዜ ናይ መዝገባ ጊዜ ካብ ሎሚ (ሓምለ 20, 2016) ክሳብ 30 ነሓሰ 2016 ይኸውን።

ኩልኹም ነባራትን ሓደሽትን ኣብ www.tewahdotheology.org ኣቲኹም መመዝገቢ ቅጥዒ (admission) ኣቲኹም  መሊእኩም ኣረክቡ  (submit ግበርዎ)

ኩልኹም ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊብኩም ዝጸናሕኩም ተመሃሮ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ሓድሽ ቅጥዒ (form) ምሉእ ሓበሬታኹም ክትመልኡ ግዴታ እዩ።

ናይ ዝሓለፈ 4 ዓይነት ትምህርትታን፥ (ብሉይ ኪዳን (Old testament I) ቀዳማይ ክፋል፥ ሠረተ እምነት (Doctrinal Theology) ትምህርቲ ጉስነት (Pastoral Theology) ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን (Ritual Theology) መርመራ ወሲድኩም መልሲ ዘይበጽሓኩም፥ ናይ ሃይማኖተ-ኣበው (Patrology እቲ ትምህርቲ ወሲድኩም ግን ፈተና ዘይገበርኩም፥ ብንጹር ኣብቲ ዝምላእ ቅጽዒ (form) ክትሕብሩ የድሊ። እቲ ዝጎደለኩም መሊእኩም ትምህርትኹም ትቕጽልሉ መገድታት ኪሕበረሉም፥ ናይ ኢመይል ኣድራሻኹም ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጽኩም ምልኡ።

ሓደሽቲ ተመዝገብቲ እቲ ቀሪቡ ዘሎ መመዝገቢ ቅጥዒ ብዝግባእ ምስ ምሉእ ሓበሬታ ክመልእዎ ኣለዎም።

እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ጾታን ዕድመን ዘይፈሊ ብቋንቋ ትግርኛ እዩ ዝወሃብ።

ብጀካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ኤርትራ፥ ኣብ መዓስከራት ሱዳን፥ ኢትዮጵያ፥ ሊብያ፥ ዘለዉ ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም።

ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘለዉ ተመዝገብቲ መምሃርን መመዝገብን ክፍሊት ናይ ሓደ ክፍለ ጊዜ (semester) $100 (ሓደ ሚእቲ ዶላር ኣሜሪካ) ክኸፍሉ ኣለዎም ናይ ኣከፋፍላ ኣገባብ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ክንሕብር ኢና።

ክፍሊት ንዝኸፈለን ኣብ ዝተጠቕሳ መዓስከራት ንዘለዉ ጥራይ መለለዪ ስም (user name) ምስ መእተዊ  ፍቓድ (password) ብኣድራሻ ኢመይል (Email) ይለኣኽ።

ኩሉ ትምህርቲ ብናይ ርሕቀት ትምህርቲ ጥራይ ይወሃብ።

ናይ ኮምፒዩተር ኣጠቓቕማ ክእለት ዝሓጽሮም ሰባት ብዝህቡና ናይ email/Telephone ሓበሬታ ሓገዛት ክንገብር ንእኽል።

ኩሉ ዝወሃብ መርመራ (exam) ብኮምፒዩተር ይወሃብ።

መተሓሳሰቢ፥- ናይ ዝኾነ ይኹን ተመሃራይ፥ ስሙ፥ መዓርጉ፥ ግላዊ ሓበሬታኡ ኣብ መዝገብ እቲ ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ብውሑስ መገዲ ይዕቀብ። ብዘይ ፍቓድን ድልየትን እቲ ተመሃራይ ንደገ ኣይወጽእን።

ምምሕዳር ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋሕዶ

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ 

ሓምለ 20, 2016 (ሓምለ ፲፫፪፻፰ ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div