S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኦ-ሕዝበይ: መራሕትኻ የጋግዩኻ ኣለዉ-!!

ካብ ጌጋ የድሕነና ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብጌጋ ዝኽየድ መንገዲ፥ ዓዲ ከእቱ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዮም ሰባት፥ ኣብ ዝኾነ ጉዕዞ-ሕይወት፥ መራሕን ሓባርን ዘድልዮም። ሕዝቢ ከም ሕዝቢ መጠን’ውን፥ ኣንፈቱ ስሒቱ ከይርከብ፥ ኣብ ዝኾነ እዋንን ሰዓትን፥

መራሕትን ኣለይትን የድልዩዎ እዮም። ደቂ-እስራኤል’ውን ከም ሙሴን ኢያሱን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሒዞም’ዮም፥ በረኻታት-ሲናይ ሓሊፎም ባሕሪ-ኤርትራ’ውን ሰንጢቖም፥ ኣብታ ምድሪ-ተስፋ ዝኾነት ከነኣን ክኣትዉ ዝኸኣሉ። ብዘይ ናይ ሙሴ ልቦናን ትዕግስትን ፥ ብዘይ ናይ ኢያሱ ትብዓትን ጽንዓትን ግን፥ እቲ ክንድቲ ዝኣክል ፈተና ዝመልኦ ጽንኩር ጉዕዞ፥ ክብጻሕ ዝከኣል ኣይነበረን።

ብዝኾነ እቲ መንፈሳዊ ኮነ ዓለማዊ ጉዕዞ፥ ዝመርሑዎን ዘቃንዑዎን መራሕቲ የድልዩዎ እዮም። ዝጓስዩዎን ዝኣልዩዎን መራሕቲ እንተ-ዘይተረኺቦም ግና፥ እቲ ሕዝቢ ንከቢድ-ሓደጋ ምግላጹ፥ ክተርፈሉ ዝኽእል ዕዳ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ካብ ሰሪ መዓቱ የውጽኣና ክበሃል እንተ-ዘይኮይኑ፥ ብሰንኪ ክብደት ሓላፍነት ዘይርድኦም መራሕቲ፥ ዝጠፍአ ሕዝብን ሃገርን የሎን ክበሃል ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብ ትንቢተ-ኢሳይያስ “ኦ ሕዝበይ፥ እታ እትኸደላ መንገዲ ምእንቲ ከይትፈልጣስ፥ መራሕትኻ የጋግዩኻ ኣለዉ” ተባሂሉ ዘሎ። (ኢሳ.3/12)።

ይኹን እምበር ንሕና ከም ሕዝብን ሃገርን መጠን፥ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ስቓይ-ኣርዑት ተቘሪንና ንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ሕዝቢ ክብተንን ሃገር ክትፈርስን ካብ እትጅምር’ውን ኣይወሓደን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ፥ ንጸገምና ፍታሕ ንሕማምና ከኣ ፈውሲ፥ ኣብ ምንዳይ ኣቢልና ከነተኩር’ዩ ዝግብኣና ዝነበረ። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ግና ካብ እግዚኣብሔር ርሒቕና  ምህላውና፥ ክንፈልጥ ዘይምኽኣልና እዩ። ከመይሲ ኣብ 1991 (1983 ግ. ዓ/ም) እቲ ክንድቲ ዝኣክል ሰራዊት-ደርጊ፥ ጠበንጅኡ ጐቲቱ ክወጽእ ዝገበረ፥ ኃይሊ እግዚኣብሔር እምበር፥ ኃይሊ-ሰብ ኣይነበረን።

ንሳቶም እቶም ሰብ-ጠበንጃ ግና “ ብኃይልናን ብቕልጽምናን” ክብሉ’ዮም ዝተሰምዑ። ሕዝብና ከም ሕዝቢ መጠን ግን፥ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ዓገብ-!! ክብል ዘይምኽኣሉ ከንእዶ ዝኽእል ኣይኮነን። ከም ውጽኢትን ሳዕቤንን እዚ ድርቅናን ትዕቢትን’ዚ ከኣ’ዩ፥ ሕጂ ኣብ መውጽኢ ተሳኢኑዎ ዘሎ፥ ናይ ጥፍኣት-ዓዘቕቲ ተሸሚምና ንርከብ ዘሎና። ኣብቲ ሽዕኡ እዋን መራሕቲ-ሃይማኖት እንተኾኑ’ውን፥ ዓገብ-!! ክብሉ ብዘይ-ምርካቦም፥ ካብ ተሓታትነት ነፃ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ኩሉ’ዚ ተደማሚሩ ከኣ’ዩ ሕጂ፥ ካብ ምሕረት ኣምላኽ ሪሒቕና ከም-እንርከብ ገይሩና ዝርከብ ዘሎ።

እምበኣርከስ እዚ ታሪኽ’ዚ፥ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት ዝኣክል ግዜ፥ ዳርጋ ለሚድናዮን ተዋሃሂዱናን ዝነብር ዘሎ ታሪኽ’ዩ። ንክብሪ-ኣምላኽ ኣፍልጦ ዘይህብ ጸሊም ታሪኽ’ውን እዩ። ይኹን እምበር ውጽኢት’ዚ ታሪኽ’ዚ፥ እቲ ኩሉ ሕዝብና ዝቕበሎ ዘሎ፥ ጸበባን መከራን ስለ-ዝኾነ፥ ሕጂ ናብ እግዚኣብሔር ኣቢልና ገጽና ብምምላስ፥ እቲ ኩሉ ንኣምላኽና እሙናት ኮንና ብዘይ-ምርካብና፥ ዝገበርናዮ ኃጢኣት እንናዘዘሉ ሰዓት’ዩ ክኸውን ዝግባእ ዝነበረ። ኩለን ማኅበራት-ክርስቲያን’ውን፥ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ተልእኮ ክህልወን ኣይምተገብአን። ከመይሲ እቲ ንሕና ከም-ሕዝብን ከም-ሃገርን መጠን፥ ወዲቕናዮ እንርከቦ ዘሎና ደረጃ፥ ኣብቲ መወዳእታ ታሕተዋይ-ጫፍ ብምዃኑ፥ ከደቅስና ዝኽእል ስለ-ዘይኮነ’ዩ።

ይኹን እምበር እቶም ትማሊ፥ ብቅልጽምና-! ብካላሺንና-! ብምባል፥ ንሕዝብና ካብ እግዚኣብሔር ዝፈላለዩዎ ሰብ-ጠበንጃ፥ ሕጂ’ውን ምስ ኣምላኹ ክራኸብ፥ ክገድፉዎ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ሕጂ’ውን፥ ንጓይላን ዳንኬራን ክዕድሙዎ፥ ዝግበር ዘሎ ተዓጠቕ ተሸብሸብ ክንደይ’ኳ ዘሕዝን’ዩ። እዚ ድማ “ንበዓል ነጎዳ ብሓዊ ተኩሶ” ከም-ዝበሃል፥ ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ፥ ሎሚ ከም ሎሚ፥ ጥቓ ሞትን ዕርበትን ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ፥ ብምህልላን ጸሎትን ኣቢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክንዲ ዝቐርብ፥ ኣብቲ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ላሕ ዝበለሉን ዝላደየሉን፥ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ጓይላ፥ ኣቢሎም ክመርሑዎ ምርኣይ፥ ካንዶ ኣይተዓደልናን ኢና-!! ዘየብል ኣይኮነን።

ግዳስ መንገዲ ጓይላን-ዳንኬራን፥ ንሕዝብና ክጠቕሞ ዝኽእል ነይሩ እንተ-ዝኸውን፥ ንዕሥራን-ሓሙሽተን ዓመት መመላእታ፥ ብዘይ-ምቁራጽ ከጣቕዕን ክስዕስዕን ጸኒሑ’ዩ። እዚ ኩሉ’ዚ ግን፥ ካብ ውርደትን ሕስራንን ሓሊፉ፥ ዝዓበሰሉ  ነገር ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። እሞ እንታይ ጽቡቕ ስለ-ዝረኽበ ደኣ’ዩ፥ ሕጂ ድማ ነቲ ዝሓለፈ መሪርን ጸሊምን ዓመታት፥ ብሩራዊ-ኢዮቤልዩ  ብምባል፥  ብጓይላን ዳንኬራን ከብዕሎ ጸቕጢ ዝግበረሉ ዘሎ። ከምዚ ምስ-ተረኽበ’ዩ እምበኣርከስ፥ እቲ ነቢይ’ውን “ኦ-ሕዝበይ-መራሕትኻ የጋግዩኻ ኣለዉ-!!” ዝበለ።

ስለዚ ሎሚ ንሕዝብና፥ መንገዲ እግዚኣብሔር ዝሕብሮ ደኣምበር፥ ሳዕስዕን-! ኣጣቕዕን-! ዝብል መኻሪ ኣየድልዮን እዩ። እዚ ሕዝቢ’ዚ ግን፥ ብጸቢብ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝቢ ስለ-ዝኾነ፥ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ክወጽእ፥ ናይ መራሕቲ-ሃይማኖት ሓገዝ ዘድልዮ ዘሎ ሕዝቢ’ዩ። ከመይሲ እቲ ቃልሲ “ምስቶም ንዘመን-ጸልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ-ዓለምን፥ ምስቶም ክፉኣት መናፍስትን” ስለ-ዝኾነ፥ ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ከም-ዘይክእል፥ ዝምህሩዎን ዝመኽሩዎን መንፈሳውያን-መራሕቲ የድልዩዎ ከም-ዘለዉ፥እቶም ኩሎም ኣብ መንፈሳዊ-ተልእኮ ዘለዉ ክፈልጥዎ ይግባእ። (ኤፌ.6/12)

ብዝተረፈ ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ኣብቲ ሓደገኛ-መስመር መወዳእታ-ጫፍ ንርከብ እናሃሎና፥ ክንምለስ ኣብ ዘይንኽእለሉ መዓሙቕ ኣቢልና ክንጥሕል፥ ምስ-ዝመርሑና ገዛእቲ እዛ ዓለም’ዚኣ፥ ኣብቲ ንጥፍኣትና ዘዳለዉዎ ጓይላ ተረኺብና ክንስዕስዕ፥ ፈጺሙ ንረብሓና ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ንነቢይ-ዮናስ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ-ከተማ ኪድ። እከይ ሕዝባ ዓቢይ ከም-ዝኾነ ፈሊጠ ኣሎኹ’ሞ፥ ኪድ ኣንጻራ ስበኽ” ተባሂሉ ዝተነግረ ኣምላኻዊ-ቃል። ሕጂ’ውን ንዓና ካብ ድቃስ-ኃጢኣትና ክንበራበር፥ ዝሕግዙና መራሕቲ-ሃይማኖት የድልዩና ኣለዉ። እወ መንገዲ ከበሮን-ጓይላን ንሕዝብና፥ መከራን ሕሰምን እምበር፥ ንሰላምን ቅሳነትን ክኾነሉ ከም-ዘይክእል፥ ኣጽኒዕካ ክንገሮ ዘለዎ ሰዓት ሕጂ’ዩ። (ዮና.1/1-2)።

ሕጂስ ነቲ ምስ ከበሮን-ጓይላን እናዘለልና ዝተጓዓዝናዮ፥ ካብ ጸጋ-ኣምላኽ ከም-እንርሕቕ ዝገበረና-ዓመታት፥ እናኣስተንተንና ደኣ ብጾምን ጸሎትን፥ ናብቲ ሕያው-ኣምላኽ ኣቢልና ንጥምት እምበር፥ ሕጂ ድማ ናይ ጓይላን ዳንኬራን ድግስ ኣዳልዮም፥ ንዑ ሳዕስዑ-!! ኢሎም ምስ-ዝዕድሙና፥ ብዝኾነ ምኽንያት ዘራኽብ ጉዳይ ክህልወና ኣይግባእን እዩ። ብዝኾነ እዚ ግዜ’ዚ ናይ ፈተና ግዜ ምዃኑ ይርአ’ዩ ዘሎ። ከመይሲ ንሕና’ውን ካብ ሕዝቢ-ነነዌ፥ ንሓይሽ ኢና እንብለሉ ምኽንያት የብልናን። ንእግዚኣብሔር ዘሸገርና ሕዝቢ ምዃንና’ውን፥ ካብቲ ተግባራትና ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቶም ንዘመን-ጸልማት ዘመሓድሩ ገዛእቲ እዛ ዓለም’ዚኣ፥ ንክብሪ-ኣምላኽ ዝፍታተን ቃላት ብምውጻእ፥ “ብኃይልናን ብቕልጽምናን” ክብሉ ከለዉ፥ ከነጣቕዕ ደኣ ኢና ዝተረኸብና እምበር፥ ዓገብ-!! በሃልቲ ኮንና ኣይተረኸብናን።

እምበኣር ንሕና ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፥ ኣብ ቦታ ሕዝቢ-ነነዌ እንርከብ ሕዝቢ ክንከውን ከሎና፥ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ቦትኡ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እምበኣር ሕጂ ዝድለዩ ዘለዉ፥ ንነቢይ-ዮናስ ተኪኦም፥ “እግዚኣብሔር ይዛረብ ኣሎ” ክብሉ ዝኽእሉ፥ ተባዓት መራሕቲ-ሃይማኖት’ዮም። እወ-! ብቐጻሊ ሕዝቢ እናበረሰን ሃገር እናፈረሰን ከሎ፥ ክሳዕ መዓስ’ዩ ዓይንኻ-ዓሚትካን እዝንኻ-ኣጽሚምካን ክኽየድ ዝከኣል-?! ስለዚ’ውን ከምቲ ነቢይ-ኢሳይያስ፥ “ ሽዑ እግዚኣብሔር፥ ንመን ክልእኽ-? መንከ ክኸደልና እዩ-?” ክብል ከሎ ሰማዕኩዎ ዝበሎ፥ ሕጂ’ውን እቲ ሕያው-ኣምላኽ፥ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ተቢዖም ደው ዝብሉ፥ መራሕቲ-ሃይማኖት’ዩ ዝደሊ ዘሎ።(ኢሳ.6/8)።

ርግጽ’ዩ ቅድሚ ሕጂ፥ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ኣቦታት፥ “ኃውኻ-ኣበይ ኣሎ-?”ብዝብል ኣርእስቲ፥ ዘመሓላለፉዎ ኣዚዩ-ረዚን መልእኽቲ፥ ከቶ ክርሳዕ ዝኽእል ኣይኮነን። ክሰምዕ ዝደሊ እዝኒ ተረኺቡ እንተ-ዝኸውንሲ፥ ዝኣክልን ዝመስልን ዘረባ ተዘሪቡ ነይሩ’ዩ። “ኣነዶ ከይሕዛ ነዊት፥ ንስኺ’ውን ከይትበልዒ ሰዊት” ከም-ዝተባህለ ስለ-ዝኾነ ግና፥ ልቢ’ቶም ፈርዖናት ክሰሞዖ ኮነ ክቕበሎ ኣይደለየን። ርግጽ’ዩ ልቢ-ፈርዖን ክሳብ ክንደይ ተሪር ከምዝነበረ፥ ኣብ መጻሕፍተ-ብሉይ ርኢናዮ ኢና። “እቲ እግዚኣብሔር ኣይፈልጥ፥ ሕዝቢ-እስራኤል ኣይለቅቕ” ዝበለ ተሪር ልቢ’ቲ ግና፥ ኣብ ቅድሚ ኃይሊ-እግዚኣብሔር፥ ደው ክብል ዘኽእሎ ጽንዓት ክረክብ ከም-ዘይከኣለ፥ ነዞም ናይ’ዚ ግዜ’ዚ ፈርዖናት፥ ዓቢይ-ትምህርቲ ክኾኖም ምተገብአ ነይሩ’ዩ።

ይኹን እምበር ንሳቶም እቶም ሰብ-ግዜ፥ ነዚ ኩሉ’ዚ ኣብ ግምት ከእትዉዎ ስለ-ዘይደለዩ፥ መከራናን ጸበባናን ዘይውዳእ  ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ’ዩ። ስለዚ ድማ’ዮም ሕጂ’ውን፥ ነዚ መከረኛ-ሕዝቢ ንጓይላን ዳንኬራን ዝዕድሙዎ ዘለዉ። እዚ ከኣ ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ከርሕቐና እንተ-ዘይኮይኑ፥ ንሕማምና ክፍውስ ዝኽእል መድኃኒት ኣይኮነን። ስለዚ’ውን ንሕና ኃጢኣትና ተኣሚንና ደኣ፥ ብጸሎትን ብምህልላን ናብ እግዚብሔር ንወድቕ እምበር፥ ሎሚ ከም ሎሚ ቁጥዓ-ኣምላኽ በርቲዑ፥ ኣብ ልዕሌና ክነድድ ይርአ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፥ ናይ ከበሮን-ጓይላን ድግስ ደጊሶም፥ ኣጣቕዑን ሳዕስዑን ኢሎም ዝዕድሙና መራሕቲ፥ በየናይ መምዘንን መዐቀንን ኢና’ሞ መራሕትና ክንብሎም-?! ስለዚ’ዩ እግዚኣብሔር ኣምላኽ’ውን ብኣፍ ነቢዩ ኣቢሉ “ኦ-ሕዝበይ-! እታ እትኸደላ መንገዲ ምእንቲ ከይትፈልጣስ፥ መራሕትኻ የጋግዩኻ ኣለዉ” ክብል ዝኸኣለ። ዘቦ እዝን ሰሚዓ ለይስማዕ-!!

ካህን ተክለማርያም ምርካጽዮን

 

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div