S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን ስለ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን

ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ.”ዮኤል 1:14

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ናይ ጸሎት ኣርእስትና እዚ ዝስዕብ ዘጠቓለለ ይኸውን፥

  1. ጸሎት ስለ እቶም ኣብ ምድሪ ሊብያ ብኣረሜናዊ ኣቀታትላ ምእንቲ እምነቶም ይወቶም ዝወፈዩ ሰማዕታት ሓበሻ
  2. ጸሎት ስለ እቶም ን10 ዓመታት ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ።
  3. ጸሎት ስለ እቶም ን11 ዓመታት ስለ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን፥ ካህናት፥ መነኮሳት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናንን መንእሰያትን።
  4. ጸሎት ስለ እቶም ኣብ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም፥ ኣደዳ ጭንቀት፥ ዝተፈላለዩ ሕማቕ ወልፍታትን ልምድታትን ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት።
  5. ጸሎት ስለ ሰላም ሃገርን ኣብ ውሽን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን።

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ኩሉ ጊዜ ድሕሪ ቅዳሴ፥ ብምህልላ ተሰንዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ክካየድ እዩ

ስለዚ ኩልኹም ህዝቢ ኣምላኽ ሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ናብ ኣምላኽ ክትቀርቡ ብስም እግዚኣብሔር ጸዋዒትና ነቕርብ።

 

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብይወት ይሓልወልና።

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣገልግሎቶምን ጉስምን ይባርኽ

ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን መራሕቲ ሃገርን ምስትውዓል ሂቡ፥ ብመንፈሱን ረድኤቱን ይምርሓዮም።

ንኹሎም ሰማዕታት ዕረፍትን ዘለኣለማዊ ይወትን ይሃቦም፡

ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ድማ ይባርክ፡

 

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div