S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ምስ ሞቱ ናብ ሰላም ይኣትዉ! ኢሳ 57፡2

መግለጺ ሓዘን ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ
እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ምስ ሞቱ ናብ ሰላም ይኣትዉ! ኢሳ 57፡2

ብሃንደባታዊ ዕረፍቲ ክቡር ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ ዝተሰምዓና ሓዘን እናገለጽና፥ ልዑል እግዚኣብሔር ንስድራ ቤትን ኩሎም ሕዙናትን፡ ጽንዓትን ኑዛዜን፥ ንኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ድማ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ንኣምላኽ ንልምን።

ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ኣሰር ክርስቶስን ኣብነት ሓዋርያዊ መሪሕነት 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምኽታል ምእንቲ ሓንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክብሉ ኣብዚ ከቢድ ናይ ዓመጽን ፈተናን እዋን፡ ካብ ሱዳን ጀሚሮም ክሳብ ጣልያንን ሃገረ ካናዳን ልዑል ዋጋ ዝኸፈሉን መከራ ዝጸገቡን ተባዕን መስተውዓልን መንፈሳዊ መራሒ ብምንባሮም ወትሩ ብክቡር ስምን ልዑል ኣድናቖትን ኣብ መጻኢ ታሪኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ወትሩ ከም ዝዝከሩ ሃገረ ስብከትና ይኣምን።

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ “እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንዓይ ኣይበቅን እዩ። ንሕይወቱ ዚረኽባ ከጥፍኣ እዩ፥ ንሕይወቱ ዘጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ” (ማቴ 10፡38-39) ኢሉ ከም ዝመሃረና፥ ኣብዛ ሓላፊት ሕይወትናን ዓለምናን ሠናይ እናገበርካ፥ መስቀልካ ተሰኪምካ፥ ድኻም ድኹማት እናጾርካ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እናገልገልካን ክሳብ ሞት እሙን ምዃን ሰማያዊ ዓስቢ ዘለዎ ጉዕዞ ቅድስና እዩ።

ከምቲ “እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኺነብሩ ዝደልዩ ኵሎም ኪስደዱ እዮም ” 2ጢሞ 3፡ 12” ክብል ዝገለጾ ፈተናን ስደትን ንእሙን ኣምባሳዶር ክርስቶስ ብዝያዳ የሐይሎን ከም ወርቂ ብሓዊ ከም ዝዅላዕን እዩ ዝገብሮን። ስለ ዝኾነ ድማ ንክቡርን ውፉይን ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ኣብ ዕዮ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ዝተፈላለዩ ፈተናታት ናይ ሰይጣን፡ ስደት፥ ጸርፊ፥ መስጎግትን ብሰንኪ ቅኑዕ እምነቶም ውርደትን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ በቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ጸጋ ንኹሉ ሽግራት ብምስጋር ንናይ ክልተ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ህዝበ ክርስቲያን ንጡፍ ኣገልግሎት እናሃቡ እዮም ኔሮም።

ብ14 ጥሪ 2016 ኣ.ፈ ካብ ዝነብርሉ ከተማ ፎርት-ማክመሪ ናብ ከተማ ኤድመንተን ክፍለ ግዝኣት ኣልበርታ  ብጉዳይ መንፈሳዊ ዕዮ ብመኪና እናተጓዕዙ ከለዉ ብዘጋጠሞም ናይ መኪና ሓደጋ ብሃንደበት ብምዕራፎም ንኹሉ ሰማዒ እዝኒ ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰምዓና ርዱእ እዩ። ብፍላይ ድማ ንስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ከምኡውን ንመንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝያዳ መሪርን ልባዊ ሓዘን ይስመዓና። ይኹን እምበር ከም ሰዓብቲ ክርስቶስን ከም ክርስቲያን ደቂ ተስፋን መጠን፥ እቲ ንኣቦና ኢዮብ ዘጸናንዐን ዝደበሰን መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና፡ ንሕዙናትና ክናዝዝ ንብዓት ኩሉ ክደርዝ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ። ራ.ዮሓ 21፡4።

በዚ ኣጋጣሚ ንክቡር ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ ኣብ ኣፍሪቃ፥ ኣብ ኤውሮጳን ካናዳን ከለዉ ብኣካልን ብርሑቕን ኣትፈልጥዎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ፥ ነቲ ዝዘርእዎ መንፈሳዊ ትምህርቶም፥ ትዕግሥቶም፡ ተወፋይነቶምን ጽንዓት እምነቶምን ኣብነት ብምግባር ንሶም ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ሕድሪ እምነት ኣብ ምፍጻም፡ ሓቅን ሕግን ሒዝና ነፍሲ ወከፍና አእጃምና ከነበርክትን ኣብ ጸሎተ-ቅዳሴ ክዝከሩን ንሕብር።

እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞተ፥ ኣላ ፍልሰተ! ንባሮትካሲ ምግዓዝ እምበር፥ ሞት የብሎምን!

ኦ እግዚኦ ኣዕርፍ ነፍሰ-ኣቡነ ሓይለኣብ!!!                                                                              

መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ 
ቀዳም ጥሪ 23, 2016 ኣ.ፈ (፲፬ ጥሪ ፳፻፰ ዓ.ም ግእዝ)  

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div