S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ንዓይ ዘሕመኒ እቲ ኣነ ምእንታኺ ዝኾንክዎ ምስ ትርስዕዮ እዩ”

ሓደ ግዜ እዩ ሓንቲ ሰበይቲ ክትጽሊ ከላ ስእሊ ኣኽሊል እሾኽ ናይ ጐይታ ሒዛ ብምስትንታን ብሕልና ናብ ቀራንዮ ብምዃድ ከምዚ በለቶ ንጐይታ፣- እዚ ኩሉ ክሃርሙኻን ከሳቕዩኻን ክገርፉኻንስ ኣየሕመካን? ብምባል ተዛረበቶ። ጐይታ ድማ መለሰላ 

- “ንዓይ ዘሕመኒ እቲ ኣነ ምእንታኺ ዝኾንክዎ ምስ ትርስዕዮ እዩበላ። ለካ እቲ ኣብ መስቀል ከሎ ኩሉ መከራን መግረፍትን ክቕበል ከሎስ ናትና ስቓይን ውድቀትን እዩ ዝረኣዮ ነይሩ። ለካ እተን ኣኣጋሩ ክስመራ ከለዋስ ናትና ኣእጋር ካብ ገነት ምስዳደን እዩ ዘሕስቦ ነይሩ! ለካ መጺጽ ክሰቲ ከሎስ ናትና ጽምኢ እዩ ዝረኣዮ ነይሩ! ለካ ኣኽሊል እሾኽ ክደፍእ ከሎስ ናትና ልብሲ ሓጢኣት እዩ ዝረኣዮ ነይሩ። ጐይታ ናብ መስቀል ክድይብ ዘገደዶ ፍቕሪ ደኣምበር ሓይሊ ኣይሁዳውያን ኣይኮነን። ክሕዝዎ ምስ መጹኣነ እየምስ በሎም ኩሎም ኣብ ቅድሚኡ ጻሕ ኢሎም ወደቑ እዩ ዝብለና እቲ ክሳብ መስቀል ዝተጓዕዘ ሃዋርያ /ዮሃ 18/። ስለዚ ናብ መስቀል ዝደየበ ብፍቓዱ እዩ /ዮሃ 1017/

ኦ ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ከመይ ዝበለ!? ጐይታይ መስማር ዝዓረፎ ኢድካ ተነቢቡ ዘይውዳእ መጽሓፍዩ። መን ስለ ፈተውቱ ኢሉ ንኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገር ኢሉ መስዋእቲ ብሓጉስ ዝቕበል፣ ክርስቶስ ግን ድሕሪ ስቕለቱ ዘሎ ሓጎስ ጠሚቱ ንኹሉ ብሓጎስ ተቐቢልዎ። ፍቕሪ ከምዚ እዩ ዝገብር እቲ ዝኾንካዮ ዘይኮነስ እትኾኖ እዩ ዝርኢ! ውዕለት ክርስቶስ ምዝካር ማለት ንክርስቶስ ብህይወትካ ምኽባር ማለትዩ። እዋይ ኣነ ምጉዱር! ፣ይሁዳ ኣትሓዞ፣ ኣይሁድ ሰቐልዎ ኢለ ከኣ ይፍክር። ጐይታ! ኣይሁድ ሓደ ግዜ ሰቐሉኻ ኣነ ግን ክንደይ ግዜ ብህይወተይ ሰቒለካ?፣ ውዕለትኻ ክዝከር ልክዕ ከምቲ ሰብ ገላትያ ኣብ ቅድመይ ትመጽእ ግና ቀልጢፈ ይርስዖ። ጐይታይ መኣስኮንየ ብህይወተይ ዘኽብረካን ዝሰብከካን? በጃኻ ጐይታየ ጸጋኻ ሃበኒ። ንዓኻ ክጥምት፣ ካብ ሓጢኣት ሓራ ኮይነ ንስምካ ክዝምር፣ ግብርኻ ከድንቕ፣ ንውሽጣዊ ኣእምሮይ  ኣብርሃለይ። ብቕድስና ከገልግለካ ዘመነይ ባርኽ። ንኹሉ ስለ ስምካ ክቕበሎ ደግፈኒ።ናብቲ ሕፍረት ዘበለ ንዒቑ፣ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ኣብ መስቀል ምማት ዝተዓገሰ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ፣ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት። ምእንቲ ከይትደኽሙን ከይትሕለሉን ነቲ ካብ ኢድ ሓጥኣን ክንድዚ ዚኣክል ምጽራር ዝተዓገሰ ዘክርዎ” /ዕብ 122-3/። ጐይታይ እቲ ንዓኻ ጠሚቱ ንኹሉ ምጽራር ሰባትን ሓጢኣትን ተዓጊሱ ክሳብ ቀራንዮ ዝጓዕዝ ንሱ ወራሲኻ ከም ዮሃንስ ፍቑርካ ክሳብ መወዳእታ ክስዕበካ ናይ ዮሃንስ ጸጋ ሃበኒ። ንዓኻ ዘሕመካ ናትካ ውዕለት ምርሳዕ እንሆ ኣነ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ከም ብሓዱሽ ነፍሰይ ሓዲስካ ዳግማይ ስርሓኒ። ናይ ወንጌል ብርሃን ኣብ ልበይ ኣብርህ። ኣሜን።

ምስጋና ንዓኻ ንዘለኣለመ ኣለም ኣሜን።

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div