S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብዛዕባ ስደት ከነልዕል ከሎና ብዙሕ ብዛዕባ ዝሓለፍናዮን ዝሰማዕናዮን ትንታኔን ሓሳብን ከነቕርብ ንኽእል ኢና። 

ወዲ ሰብ ብዝተፋላለየ መገዲ ይስደድ እዩ። ማሕበራዊ ናብራኡ ንምምሕያሽን ብፖለቲካውን። ኮታስ ብዝኾነ ይኹን ካብ ዓዱን ስድራኡን ይወጽእ እዩ። ኣብ ጉዕዞ-ስደት ህይወቱ ብዙሕ ሽግር የጋጥሞ እዩ። ኣብቲ ዘለዎ ስፍራ እንተ ዘይጢዕምዎ ናብ ካልእ ክቕይር ንቡር እዩ፣ ይጥዓሞ ይሕሰሞ። ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስደት ግን ፍሉይ እዩ። እቲ ኣብ ኪሩባዊ ዝፋን ዝቕመጥ፣ እቲ ንዓለም ዝጨበጠን ፍጥረት ብምል ድማ ናቱ ዝኾነን፣ እቲ ዘይድፈር ግርማዊ ጐይታ፣ መላእኽቲ ብፍርሓት ኣብ ቅድሜኡ ዝቖሙ፣ ንሰማይን ምድርን ብቓሉ ዘቖመ፣ ሰማይ ዝዝፋነይ ምድሪ መርገጽ እግረይ ዝበለ ጐይታ ዋላ ንቲ መጸግዒ ከም ዘይብሉ ኮይኑ፣ ክሳብ ዝሕባኣሉ ስፍራ ክስእን፣ ብጭንቅን ብመከራን፣ ሃሩርር ጸሓይን ግርማ ለይትን ተጻዊሩ ክስደድ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰረገላ ኪሩቤል ዝውንጨፍ ኣብ ዝባን ቅ. ድንግል ማርያም ብማሕዘል ተሓዚሉ ክስደድ፣ እቲ ናይ ሓያላን ሓያል፣ ሰብ ከይቀትሎ ብጥንቃቔ ተሓልዩ ክስደድ፣ እቲ ንብርሃን ዝፈጠረ ባዕሉውን ብርሃን ዝኾነ ብርሃናዊ ኣምላኽ፣ ብጸልማት ብለይቲ ክስደድ፣ እተን ንምዉት ህይወት ዝዘርኣ ከናፍሩ ብሃሩር ጸሓይ ክቕምስላ፣ እቲ ንኹሉ ዓለም ዝምግብ ከም ህጻናት ጡብ እናደለየን ዘፈር ክዳን ኣዲኡ ሒዙን ክበኪ፣ እቲ ሰራዊት መላእኽቲ ካብ ቅድሚ ገጹ ዝስወርሉ ካብ ገጽ ሄሮድስ ክስወር፣ እቲ ንቋሕ ሰብ እኳ ደኻም ዘይስምዖ ብመገዲ ምዃድ ክደክም፣ ኣምላኽ ክነሱ ከም ድኻ ማህደር ዘይብሉ ኮይኑ ክስደድ እምበኣር መስተንክር  “ኦ ዝ መንክር ወጥቀ ዕጹብ

አባ ጊዮርጊስ ኣብ ናይ ቁስቋም እሴብሕ ጸጋኪ ከምዚ ይብሉ፣- “ሐዊረ ፍኖት በእግሩ ሶበ ይስእን ሕጻንኪ፣ያንቀዓዱ ኅቤኪ ወይቤኪ፣እኂዞ ጽንፈ ልብስኪ፣እስከ ትጸውርዮ በጎበኪ ወትስዕሚዮ በአፉኪ ትርጉሙ ድማ: ወድኺ መገዲ ምዃድ ምስ ሰኣነ፣ ጫፍ ልብስኺ ሒዙ ናባኺ ኣንቃዕሪሩ በኸየ፣ ክሳብ ትሓቕፍዮን ብኣፍኪ ትስዕምዮንነቲ ሽዑ ዝነበረ ከምቲ ሓደ ህጻን ምስ ጠመየን ጡብ ኣዲኡ ምስ ናፈቐ ዝገብሮ ብምምስሳል ገሊጾሞ።

ኣብሰቆቋወ ድንግልዝበሃል ብግጥሚ ዓይነት ዝተደርሰ ድማ ከምዚ ዝብል ኣሎ፣- “በደመና ሰማይ ተጽዒኖ ከመ ዘኢየአምር ነሶሳወ፣ እንዘ ይወርድ ውስተ ምድረ ግብጽ ደኪሞ ሐፈወ፣ ወሥነ ከናፍሪሁ ጽጌ በሐሩረ ፀሐይ መጽለወ፣ ለጠቢው ሶበ ፈተወ አጥባተ እሙ ምንትወ፣ ኅጢኦ ከመ ሕጻናት ለሀወ፣ ህየንተ አንብዑ ለወልድ ለእኩን ክዕወ። ክትርጎም እንከሎ- ብደመና ሰማይ ተጻዒኑ መገዲ ከም ዘይፈልጥ ናብ ምድሪ ግብጺ ክወርድ ብጣዕሚ ደኸመ፣ ጽባቐ ዕንባባ ከናፍሩ ብሃሩር ጸሓይ ቀምሰለ፣ ንኣጥባት ኣዲኡ ክጠቡ ምስ ደለየ ስኢኑ ከም ህጻናት በኸየ፣ ኣብ ክንዲ ንብዓቱ ንወልዲ ኣነ ክከዓው (ንኩሉ እቲ መከራ ኽቕበሎ ማለቶም እዮም)። ኣብዚ ደመና ሰማይ ኢሎማ ዘለዉ ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዮም። ነዚ ኢና እምበኣር ናይ ጐይታ ስደት ፍሉይ ዝበልናዮ……..

ግን ጐይታ ንምንታይ ተሰዲዱ?

1.ትንቢት ክፍጽም

ኣብ .ሆሴዕ 111 “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎዝብል ትንቢት ስለ ዝነበረ ነዚ ንኽፍጽም።

-ንምድሪ ግብጺ ክባርኽ፥

ምድሪ ግብጺ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ስፍራን እግዚኣብሄር ዘይከብረላ ሃገርን እያ ነይራ። ስለዚ ነዛ ሃገር ብእግሩ ረጊጹ ክባርኻን ሃገረ እግዚኣብሄር ክገብራን ተሰዲዱ። 3 ዓመትን 6 ወርሕን ተቐሚጡ ድማ ባሪኽዋ።እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ቅልጡፍ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ፣ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ይብሉ ኣለዉ” /ኢሳ 191/። ኣብዚውንፈጣን ደመናኢልዋ ዘሎ ንድንግል ማርያም እዩ። ወዳ ግዳይ ምእንቲ ከይከውን ብፍጥነት እያ ሒዛቶ ምድሪ ግብጺ ኣትያ፣ ናታ ሓዘንን ብኽያትን ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ግዜ ዓጸቦን ድርቅን እግዚኣብሄር ብፈጣን ረዲኤት ክመጸና ኢና ንጽበዮ። ኣብዚ ድማፈጣን ደመናኢልዋ ኣብ ግዜ ጸበባን ሽግርን ሓዘንን ፈጣን ረዲኤት እተምጽእን እተማልድን ስለ ዝኾነት።

ካብዚ ምዕራፍ ከይወጻና ኢሳ 1919 - “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውዒ ንእግዚኣብሄር ኪስራሕ እዩ፣ ኣብ ወሰና ከኣ ሓወልቲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ። እዚ ድማ ክውን ኮይኑ እዩ ሃገረ ግብጺ ተባሪኻስ መሰውዒ ተሰሪሕዋ ናይ ክርስትና መናሃርያን ምንጪ ሊቃውንትን ኮይና እያ። ቅድስቲ ድንግል ማርያምውን ኣብ ዝተፋላለየ ግዜ ትግለጸሎም እያ። ኣብ ዘመን ፖፕ ሽኖዳ ጥራሕ  ክሳብ 4 ግዜ ዝኣክል ተገሊጻ ይበሃል ዩ።

2. ኣብ ዘይግዚኡ ንኸይመውት፥

ጐይታ ኣብ ዘይግዚኡ ንኸይመውት ብዙሕ ግዜ ተጠንቂቑ እዩ። ኣይሁድ ብዙሕ ግዜ ከጽድፍዎን ክሕዝዎን ይደልዩ ነይሮም እዮም ነገር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብለናብማእከሎም ሓሊፉ ከደይብል። ሰይጣንውን በዚ እምባ ተወርዊርካ ጽደፍ ኢሉ ፈቲንዎ እዩ /ማቴ 41-። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምውን ኣብ ቃና ዘገሊላ ወይኒምበር የብሎምን ምስ በለቶ፣- “ግዜይ ገና ኣይበጽሐንዮሃ 24 ኢልዋ እዩ። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ግን -“እታ ሰዓት በጺሓ እያ፣ እንሆ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክተሓዝ እዩ” /ማር 1441 በለ።

3. ብስደቱ ክብጀወና፣ ናብ ናይ ጥንቲ ቤትና ክመልሰና፣

ወዲ ሰብ ብኽብርን ብደስታን ኣብታ ናይ ደስታ ገነት ይነብር ነበረ። ነገር ግን ነቲ ኣምላኽ ኣዘዞ ትእዛዝ ስለ ዝዓለወ ካብታ ናይ ሓጎስ ገነት ናብዛ ምድሪ ጻዕሪ ተሰደደ። ስለዚ ጐይታ ድማ ናብዛ ናይ ቀደም ስፍራና ክመልሰና ተሰደደ።

4. ስደት ቅዱሳን ክባርኽ፣

ጐይታ ኣብነት ክኾነና ኩሉ ገይርዎ እዩ። ነቶም ንዕኡ ኣሚኖም ስለ ስሙ መከራን ስደትን ንዘጋጥሞም ንድሕሪት ከይምለሱ፣ ንዕኡ እናጠመቱ ክሳብ መወዳእታ ክጸንዑ፣ ጐይታ ንኹሉ ተቐቢሉ ኢሎም ተስፋ ክገብሩ ባሪኽሎም። ባዕሉውንምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብጹኣን እዮም” /ማቴ 56/ ኢሉ እዩ። ስለዚ ስለ ጐይታ ኢልካ ምስዳድ ብጽእናን ቅድስናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣለዎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስውን 2 ጢሞ 312  "እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዚደልዩ ኩሎም ኪስደዱ እዮም። ነዚ ኢና እምበኣር እዛ ኣርእስትናኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳንዝበልናዮ። ንሱ ብሽግርን መከራን ስደትን ስለ ዝሓለፈ ከመይ ገይሩ ከም ዝረድኦምን ተስፋ ከም ዝህቦምን ይፈልጥ እዩ። ኣብ ቅዳሴውንአንተ ውእቱ ምርጒዘ ጽድቃን፣ ተስፋሆሙ ለእለ ይሰደዱ፣ መርሶሆሙ ለእለ ይትሀወኩ፣ ብርሃነ ፍጹማን ወልደ አምላክ ሕያው፣ ምርኲስ ጻድቃን ንስኻ ኢኻ፣ ንዝተሰዱ ተስፋኦም፣ ንዝህወኹ መህደኢኦም፣ ብርሃን ፍጹም ወዲ ህያው ኣምላኽ

ክልተ ዓይነት ስደት ኣሎ፣-

1. ስለ ስሙን ወንጌልን ሓቅን ኢልካ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስዳድ።

2. ስለ ስሙን ሓቅን ኢልካ ኣብ መንጐ ሕብረተ-ሰብ እናነብርካ ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ምግላል፣መከራን ጸርፍን ንዕቀትን ተሰኪምካ ምንባር።

ጐይታ ስለ ስምካ ኩሉ ክንከውን ጸጋኻ ዓድለና!!!! ኣሜን

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div