ብዛዕባ ስደት ከነልዕል ከሎና ብዙሕ ብዛዕባ ዝሓለፍናዮን ዝሰማዕናዮን ትንታኔን ሓሳብን ከነቕርብ ንኽእል ኢና።
ወዲ ሰብ ብዝተፋላለየ መገዲ ይስደድ እዩ። ማሕበራዊ ናብራኡ ንምምሕያሽን ብፖለቲካውን። ኮታስ ብዝኾነ ይኹን ካብ ዓዱን ስድራኡን ይወጽእ እዩ። ኣብ ጉዕዞ-ስደት ንህይወቱ ብዙሕ ሽግር የጋጥሞ እዩ። ኣብቲ ዘለዎ ስፍራ እንተ ዘይጢዕምዎ ናብ ካልእ ክቕይር ንቡር እዩ፣ ይጥዓሞ ይሕሰሞ። ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስደት ግን ፍሉይ እዩ። እቲ ኣብ ኪሩባዊ ዝፋን ዝቕመጥ፣ እቲ ንዓለም ዝጨበጠን ፍጥረት ብምልኡ ድማ ናቱ ዝኾነን፣ እቲ ዘይድፈር ግርማዊ ጐይታ፣ መላእኽቲ ብፍርሓት ኣብ ቅድሜኡ ዝቖሙ፣ ንሰማይን ምድርን ብቓሉ ዘቖመ፣ ሰማይ ዝዝፋነይ ምድሪ መርገጽ እግረይ ዝበለ ጐይታ ዋላ ሓንቲ መጸግዒ ከም ዘይብሉ ኮይኑ፣ ክሳብ ዝሕባኣሉ ስፍራ ክስእን፣ ብጭንቅን ብመከራን፣ ሃሩርር ጸሓይን ግርማ ለይትን ተጻዊሩ ክስደድ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰረገላ ኪሩቤል ዝውንጨፍ ኣብ ዝባን ቅ. ድንግል ማርያም ብማሕዘል ተሓዚሉ ክስደድ፣ እቲ ናይ ሓያላን ሓያል፣ ሰብ ከይቀትሎ ብጥንቃቔ ተሓልዩ ክስደድ፣ እቲ ንብርሃን ዝፈጠረ ባዕሉ’ውን ብርሃን ዝኾነ ብርሃናዊ ኣምላኽ፣ ብጸልማት ብለይቲ ክስደድ፣ እተን ንምዉት ህይወት ዝዘርኣ ከናፍሩ ብሃሩር ጸሓይ ክቕምስላ፣ እቲ ንኹሉ ዓለም ዝምግብ ከም ህጻናት ጡብ እናደለየን ዘፈር ክዳን ኣዲኡ ሒዙን ክበኪ፣ እቲ ሰራዊት መላእኽቲ ካብ ቅድሚ ገጹ ዝስወርሉ ካብ ገጽ ሄሮድስ ክስወር፣ እቲ ንቋሕ ሰብ እኳ ደኻም ዘይስምዖ ብመገዲ ምዃድ ክደክም፣ ኣምላኽ ክነሱ ከም ድኻ ማህደር ዘይብሉ ኮይኑ ክስደድ እምበኣር መስተንክር’ዩ “ኦ ዝ መንክር ወጥቀ ዕጹብ”
አባ ጊዮርጊስ ኣብ ናይ ቁስቋም እሴብሕ ጸጋኪ ከምዚ ይብሉ፣- “ሐዊረ ፍኖት በእግሩ ሶበ ይስእን ሕጻንኪ፣ያንቀዓዱ ኅቤኪ ወይቤኪ፣እኂዞ ጽንፈ ልብስኪ፣እስከ ትጸውርዮ በጎበኪ ወትስዕሚዮ በአፉኪ። ትርጉሙ ድማ: ወድኺ መገዲ ምዃድ ምስ ሰኣነ፣ ጫፍ ልብስኺ ሒዙ ናባኺ ኣንቃዕሪሩ በኸየ፣ ክሳብ ትሓቕፍዮን ብኣፍኪ ትስዕምዮን” ነቲ ሽዑ ዝነበረ ከምቲ ሓደ ህጻን ምስ ጠመየን ጡብ ኣዲኡ ምስ ናፈቐ ዝገብሮ ብምምስሳል ገሊጾሞ።
ኣብ ‘ሰቆቋወ ድንግል’ ዝበሃል ብግጥሚ ዓይነት ዝተደርሰ ድማ ከምዚ ዝብል ኣሎ፣- “በደመና ሰማይ ተጽዒኖ ከመ ዘኢየአምር ነሶሳወ፣ እንዘ ይወርድ ውስተ ምድረ ግብጽ ደኪሞ ሐፈወ፣ ወሥነ ከናፍሪሁ ጽጌ በሐሩረ ፀሐይ መጽለወ፣ ለጠቢው ሶበ ፈተወ፣ አጥባተ እሙ ምንትወ፣ ኅጢኦ ከመ ሕጻናት ለሀወ፣ ህየንተ አንብዑ ለወልድ ለእኩን ክዕወ። ክትርጎም እንከሎ፣- ብደመና ሰማይ ተጻዒኑ መገዲ ከም ዘይፈልጥ ናብ ምድሪ ግብጺ ክወርድ ብጣዕሚ ደኸመ፣ ጽባቐ ዕንባባ ከናፍሩ ብሃሩር ጸሓይ ቀምሰለ፣ ንኣጥባት ኣዲኡ ክጠቡ ምስ ደለየ ስኢኑ ከም ህጻናት በኸየ፣ ኣብ ክንዲ ንብዓቱ ንወልዲ ኣነ ክከዓው (ንኩሉ እቲ መከራ ኽቕበሎ ማለቶም እዮም)። ኣብዚ ደመና ሰማይ ኢሎማ ዘለዉ ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዮም። ነዚ ኢና እምበኣር ናይ ጐይታ ስደት ፍሉይ’ዩ ዝበልናዮ……..
ግን ጐይታ ንምንታይ ተሰዲዱ?
1.ትንቢት ክፍጽም
ኣብ ት.ሆሴዕ 11፡1 “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ዝብል ትንቢት ስለ ዝነበረ ነዚ ንኽፍጽም።
-ንምድሪ ግብጺ ክባርኽ፥
ምድሪ ግብጺ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ስፍራን እግዚኣብሄር ዘይከብረላ ሃገርን እያ ነይራ። ስለዚ ነዛ ሃገር ብእግሩ ረጊጹ ክባርኻን ሃገረ እግዚኣብሄር ክገብራን ተሰዲዱ። 3 ዓመትን 6 ወርሕን ተቐሚጡ ድማ ባሪኽዋ። “እንሆ እግዚኣብሄር ኣብ ቅልጡፍ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ፣ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ይብሉ ኣለዉ” /ኢሳ 19፡1/። ኣብዚ’ውን “ፈጣን ደመና” ኢልዋ ዘሎ ንድንግል ማርያም እዩ። ወዳ ግዳይ ምእንቲ ከይከውን ብፍጥነት እያ ሒዛቶ ንምድሪ ግብጺ ኣትያ፣ ናታ ሓዘንን ብኽያትን ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ግዜ ዓጸቦን ድርቅን እግዚኣብሄር ብፈጣን ረዲኤት ክመጸና ኢና ንጽበዮ። ኣብዚ ድማ “ፈጣን ደመና” ኢልዋ ኣብ ግዜ ጸበባን ሽግርን ሓዘንን ፈጣን ረዲኤት እተምጽእን እተማልድን ስለ ዝኾነት።
ካብዚ ምዕራፍ ከይወጻና ኢሳ 19፡19 ፣- “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውዒ ንእግዚኣብሄር ኪስራሕ እዩ፣ ኣብ ወሰና ከኣ ሓወልቲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ”። እዚ ድማ ክውን ኮይኑ እዩ ሃገረ ግብጺ ተባሪኻስ መሰውዒ ተሰሪሕዋ ናይ ክርስትና መናሃርያን ምንጪ ሊቃውንትን ኮይና እያ። ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ውን ኣብ ዝተፋላለየ ግዜ ትግለጸሎም እያ። ኣብ ዘመን ፖፕ ሽኖዳ ጥራሕ’ኳ ክሳብ 4ተ ግዜ ዝኣክል ተገሊጻ ይበሃል እዩ።
2. ኣብ ዘይግዚኡ ንኸይመውት፥
ጐይታ ኣብ ዘይግዚኡ ንኸይመውት ብዙሕ ግዜ ተጠንቂቑ እዩ። ኣይሁድ ብዙሕ ግዜ ከጽድፍዎን ክሕዝዎን ይደልዩ ነይሮም እዮም ነገር ግን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብለና “ብማእከሎም ሓሊፉ ከደ” ይብል። ሰይጣን’ውን በዚ እምባ ተወርዊርካ ጽደፍ ኢሉ ፈቲንዎ እዩ /ማቴ 4፡1-። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም’ውን ኣብ ቃና ዘገሊላ ወይኒ’ምበር የብሎምን ምስ በለቶ፣- “ግዜይ ገና ኣይበጽሐን” ዮሃ 2፡4 ኢልዋ እዩ። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ግን ፣-“እታ ሰዓት በጺሓ እያ፣ እንሆ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክተሓዝ እዩ” /ማር 14፡41 በለ።
3. ብስደቱ ክብጀወና፣ ናብ ናይ ጥንቲ ቤትና ክመልሰና፣
ወዲ ሰብ ብኽብርን ብደስታን ኣብታ ናይ ደስታ ገነት ይነብር ነበረ። ነገር ግን ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ስለ ዝዓለወ ካብታ ናይ ሓጎስ ገነት ናብዛ ምድሪ ጻዕሪ ተሰደደ። ስለዚ ጐይታ ድማ ናብዛ ናይ ቀደም ስፍራና ክመልሰና ተሰደደ።
4. ስደት ቅዱሳን ክባርኽ፣
ጐይታ ኣብነት ክኾነና ኩሉ ገይርዎ እዩ። ነቶም ንዕኡ ኣሚኖም ስለ ስሙ መከራን ስደትን ንዘጋጥሞም ንድሕሪት ከይምለሱ፣ ንዕኡ እናጠመቱ ክሳብ መወዳእታ ክጸንዑ፣ ጐይታ’ኳ ንኹሉ ተቐቢሉ ኢሎም ተስፋ ክገብሩ ባሪኽሎም። ባዕሉ’ውን “ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብጹኣን እዮም” /ማቴ 5፡6/ ኢሉ እዩ። ስለዚ ስለ ጐይታ ኢልካ ምስዳድ ብጽእናን ቅድስናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣለዎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን 2 ጢሞ 3፡12 ፣ "እቶም ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ብምዃን ብጽድቂ ኪነብሩ ዚደልዩ ኩሎም ኪስደዱ እዮም”። ነዚ ኢና እምበኣር እዛ ኣርእስትና “ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን” ዝበልናዮ። ንሱ ብሽግርን መከራን ስደትን ስለ ዝሓለፈ ከመይ ገይሩ ከም ዝረድኦምን ተስፋ ከም ዝህቦምን ይፈልጥ እዩ። ኣብ ቅዳሴ’ውን “አንተ ውእቱ ምርጒዘ ጽድቃን፣ ተስፋሆሙ ለእለ ይሰደዱ፣ መርሶሆሙ ለእለ ይትሀወኩ፣ ብርሃነ ፍጹማን ወልደ አምላክ ሕያው፣ ምርኲስ ጻድቃን ንስኻ ኢኻ፣ ንዝተሰዱ ተስፋኦም፣ ንዝህወኹ መህደኢኦም፣ ብርሃን ፍጹም ወዲ ህያው ኣምላኽ”።
ክልተ ዓይነት ስደት ኣሎ፣-
1. ስለ ስሙን ወንጌልን ሓቅን ኢልካ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ምስዳድ።
2. ስለ ስሙን ሓቅን ኢልካ ኣብ መንጐ ሕብረተ-ሰብ እናነብርካ ካብ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ምግላል፣መከራን ጸርፍን ንዕቀትን ተሰኪምካ ምንባር።
ኦ ጐይታ ስለ ስምካ ኩሉ ክንከውን ጸጋኻ ዓድለና!!!! ኣሜን።
ቀሺ ኣፈወርቂ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ