S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣቦይ ቀሺ፥ ቀሺ ተሓድሶ ዲኹም፧

ኤርትራ ብዘመን ባሕሪ ነጋሲእትብል: ኩነታት ህዝብና ኣብ ዓመተ 1520 እተንጸባርቕ ሓንቲ ግርምቲ

ምጽሓፍ: ካብ ቋንቋ ፖርቱጊዝኛ ናብ እንግሊዝኛ ምስ ተተርጐመት: ሃይለ ቦዅረ ዝብልዎ ጸሓፊ ኸኣ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጒሙ ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ዓመተ 1520 ማለት ቅድሚ ኣስታት 500 ዓመታት ምዃኑ) ናይ ሽዑ መንእሰያት ከምዞም ደቂ ሎሚ: ቤተክርስቲያን የዘውትሩ ኔሮም ኢልኩም ትሓስቡ እንተኾንኩም: ግጉይ መረድእታ ሒዝኩም ስለዘለኹም: ነታ መጽሓፍን ካልኦት መወከሲ ታሪኽ ዝኾኑ ምንጭታትን ምውካስ ከድልየኩም እዩ። ብፍጹም ከምኡ ኣይነበረን። ከምዚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስብእግሪ ዑቕባይኮይንዎ ዘሎ: ሻቡ ከምኡ ዝነበረ ይመስለኩም እንተልዩ ድማ: (ከምኡ ዝመስለኩም እኳ ኣይመስለንን) ዝኾነ ኮይኑ ግንኣይፋሉን ከምኡ ኣይኮነን ዝነበረንብለኩም።

ዘመነ መግዛእቲ ሓሊፉ: ኤርትራ ኣብ ዓመተ 1991 ሓራ ምስ ኮነት፣ ናይ ባዕላ ጋዜጣ ከተዳሉ ጀመረት።ሓዳስ ኤርትራዝብል ጋዜጣ ከተንብቡ ከለኹም: እንታያ ዝተሓደሰ ኤርትራ ናብ ኣእምሮኹም ዝጐዪ? ሓድሽ ባሕሪ: ሓድሽ ሩባን ሓድሽ እምባን: ሓድሽ ህዝብን ሓድሽ ምድርን ? ወይስ እቲ ባዕለ ምምሕዳር: እቲ ርእስኻ ምኽኣልንወዘተ። መሰረተ እምነትና ዘይንቕነቕን ዘይልወጥን: ዘይኣርግን ዘይብስብስን: ዘይልወጥን ዘይመሓየሽን ስለዝኾነ: ”ተሓድሶዝብል ቃል ንመሰረተ እምነት ዝምልከት ከምዘይኮነ ቅድሚ ኹሉ ክንጽረልኩም እደሊ ኣለኹ። ሓምስቱ ኣዕማደ ምስጢር: ሰብዓቱ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ወይ ጥቕልል ብዝብለ ኣጸዋውዓ እቲ ዶግማ እንብሎ: ኣብቲጸሎተ ሃይማኖትዝብሃልውን እንደግሞ እቲ ሰረተ-እምነትና: ለውጢ ይኹን ተሓድሶ ዘየድልዮ: ከምታ ዝነበራ ጸኒዑ ዝነብር እዩ።

ገለ ካብቲ ኣብታ ዝጠቐስናያ መጽሓፍ ዘሎ ዘገረመኒ ትሕዝቶ እምበኣር ጥቕስ ከብል፣ኣነ ሓደ ሓደ ሰባት ስርዓት ቃል ኪዳን ኣብ ቤተክርስቲያን ዘይኮነስ ከም ልምዶም ኣብቲ መርዓ ዝግበረሉ ቦታ ክፍጽሙ ከለዉ ርእየ ኣለኹ።ሰለስተ ኣቕሽሽቲ ናብኡ መጺኦም ሃሌ ሉያ እናበሉ ክቕድሱ ጀመሩ እናዘመሩ ብዙርያ እቲ ሓደ መርዓውን ሓንቲ መርዓትን ኮፍ ዝበሉሉ ዓራት ሰለስተ ግዜ ዖዱ። ኣቐዲሙ ካብ ርእሲ መርዓዊ ድሕሪኡ ካብ መርዓት ጥቕልል ኣቢሎም ጸጕሪ ርእሲ ቈረጹ። ነቲ ዝቘረጽዎ ኣብ ሜስ ኣጠልቅዮም ነቲ ጸጕሪ መርዓዊ ኣብ ርእሲ መርዓት፣ ነቲ ጸጕሪ መርዓት ከኣ ኣብ ርእሲ መርዓዊ ኣቐመጥዎ። ቀጺሎም: ማይ ደግሚ ምስ ነስነሱሎም ኩላቶም እናበልዑን እናሰተዩን መርዓኦም ከብዕሉ ጀመሩ” (ገጽ 63-64)

ምስጢረ ተክሊል ንዝፈልጥን ንዝተማህረን ሰብ: እዚ ቅድሚ ኣስታት 500 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝንበረ ኣገብብ እዚ ቅቡል ኣገባብ ድዩ ኢልካ ክትሓቶ እምበኣር ልቦና እዩ።

ተክሊል ማለት: ስርዓት ቃል-ኪዳን ማለት እዩ: ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ድማ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ስርዓተ ቃልኪዳን ክፍጸም ዘይግባእ እንተደኣኾይኑ፣ 500 ሚእቲ ዓመታት ምቝጻሩ ጥራይ ከም ቅቡል ጌርና ክንወስዶ ግቡእ ኣይኮነን።ናብቲ ቅኑዕ ኣገባብን ናብቲ መሰረታዊ ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ደኣ ንመለስ እምበር: ባህልና እንድዩ እናበልና ኣብ ጌጋ ኣይንጽናዕኢልካ ንስለ ሓቂ ደው ምባል: ደኣ እንታይ እዩ እቲ ጸገሙ?! እዚ ኸምዚ: ”ተሓድሶዘብል እንተኾይኑ እምበኣር፣ ኩሎም እቶም መሰረተ እምነትና ክሕሎን ክጸንዕን ይግባእ ዝብሉውንተሓድሶእዮም ማለት ስለዝኾነ: እወ: ኣነውን እምበኣር ከምኣቶም ቀሺ ተሃድሶ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት እብራይስጥን ጽርእን ክምዝተጻሕፈ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ኣነጺሮም ዝምህሩና ሓቂ እዩ። ቋንቋታት እብራይስጥን ጽርእን ህዝብና ዝርድኦ ቋንቋ ስለዘይነበረ: እቶም ቅዱሳት ኣቦታት ናብ ቋንቋ ግእዝ ተርጒሞም ነቲ ናይ ሽዑ ዘመን ዝነበረ ዓቢ ኣበርክቶ ገበሩ። ቋንቋ ግእዝ: ግርማ ቤተክርስቲያንን ሓበን ታሪኽናን እዩ። ቋንቋ እብራይስጥን ጽርእን ምፍላጥ: ንትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝዓሞቘ ክትርድኦ ዝሕግዝ እንተኾይኑ፣ ቋንቋ ግእዝ ምፍላጥውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘከራኽር የብሉን። ክዕቀብን ክስነድን ከምዘለዎ ኸኣ ዘረባ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ደብተራ ማቴዎስ ዝብልዎም ሊቅ ግን ሓደ እዋን ንኣርባዕተ ወንጌላት ናብ ትግርኛ ተርጒሞም 1866 (1858 ..) ናብ ማሕተም ከምዝበጽሕ ገበሩ። እግረ መገድና ናይ ደብተራ ማቴዎስ ትርጉም ኣብ ምትርጓም ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትግርኛ በዂሪ ጽሑፍዩ። ኣብ መፋርቕ 1950ታት ንሕመረታዊ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ክሳዕ ዘይቀየሮ: በቲ ህዝበይ ዝሰምዖን ሰሚዑ ኸኣ ከስትንትኖን ክርድኦን ዝቐልለሉ ቋንቋ ትግርኛ ጌረ እንተጸለኹ: ሓደው እንተቐደስኩ: ወይስ እንተዘመርኩ: ደኣ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ግብጻውያንሲ ነቲ ቅብጢ ዝብሃል ጥንታዊ ቋንቋኦም ዓቂቦም ብቛንቋታት ዓረብ ይጽልዩን የገልግሉን ኣየለዉን? እዚ ኸምዚ ዝዓይነቱ ኣገልግሎት: ”ቀሺ ተሃድሶዘብለኒ እንተኾይኑ እምበኣር፣ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስን ኩሉ ቅዱሳት ጽሑፋትን ናብ ቋንቋ ግእዝ ዝተርጐሙውን ተሓድሶ እዮም ማለት ስለዝኾነ: እወ ኣነውን እምበኣር ከምኣቶም ቀሺ ተሃድሶ እየ።

ምፍልላይን ዝርግርግን ናይቲ እኩይ እምበር ናይ ኣምላኽና ኣይኮነን። ቤተክርስቲያን ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋኡን ኣካሉን እያ (ኤፌ1.23) ክርስቶስውን ርእሲ ቤተክርስቲያን እዩ። እታ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ዝኸፈለላ: ብደሙ ኸኣ ዘጥረያ ቅድስት ቤተክርስቲያን እምበኣር: ርስሓት: ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዘይብላ: ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ቤተክርስቲያን ጌሩ ንዕኡ ምእንቲ ከቕውማ ኢሉ መድሓኒና ርእሱ በጃኣ ስለዝሃበ: (ኤፌ 5.25-27) እቶም ሕድሪ ዝተቐበልና ድማ ቅንኣት ቤቱ ይበልዓና እዩ: እታ መርዓት ዝኾነት ቤተክርስቲያን: ነቲ መርዓዊኣ ዝኾነ ክርስቶስ ከምቲ ዝግባእ ተዳልያ ምእንቲ ክትጸንሖ: ኩሉ እቲ ዝግብኣና ክንገብር ሓላፍነትናን ግዴታናን ምዃኑ ንኣምን።

በዚ መረዳእታ እዚ: እቶም ነታ እምነት ብሕድሪ ዘቐበሉና ቅዱሳት ኣቦታት: ብዛዕባ ቤተክርስቲያን ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም መሃሩናን ኣረድኡናን። ንሕናውን ሕጂ ከምኡ ኢልና ንኣምን: ንእመንን ንምህርን ድማ ኣሎና።ዘቦ እዝን ሰሚዓ ለይስማዕ!” እወ: እቲ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ! እንሆ እት እምነትና ዓው ኢልና ንእውጆ ኣሎና:-

ወነኣምን በኣሓቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን እንተላዕለ ኩሉ ጉባኤ ዘሓዋርያት:” ብትግርኛ ክትርጐም ከሎ: ”ልዕሊ ኹሉ: ናይ ሃዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት: ብሓንቲ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ንኣምንእዚ ማለት ከኣ:-

1. እንተላዕለ ኩሉ (ልዕሊ ኹሉ) ዝብል መግለጺ:- ልዕሊ ስልጣናትን ሽመታትን: ልዕሊ ዓሌታትን ህዝብታትን: ልዕሊ ቋንቋታትን ብሄራትን.. ልዕሊ ኹሉ ፍልልያትን ልዕሊ ኹሉ ስርዓታትን ብዝኾነት ብሓንቲ ቤተክርስቲያን ብኣኣ ንኣምን ማለት: (ናይ ኤርትራ: ናይ ግብጺ ናይ ኣርመን ዘይኮነትሲ ኣብ ኤርትራ: ኣብ ግብጺ ኣብ ኣርመን ዘላ: ኣብ ገላትያ: ኣብ ድቡብ ኣፍሪቃን ምናልባሽውን ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘላን ቤተክርስቲያን ማለት ድማ እዩ)

2. ኣሓቲ (ሓንቲ) ዝብል መግለጺ:- እንኮ: ካልአይትን ሳልሰይትን ዘይብላ: ሓንቲ ናይ ክርስቶስ ቤተክርስትያን ከምዘላ ንኣምን ማለት እዩ። ብቦታ ብቛንቋን ብባህልን ደኣ ትፈላለ እምበር: ብኣእማደ ምስጢርን ምስጢርተ ቤተክርስቲያንን ግን ሓደ መረዳእታ ብዘለዋ ብሓንቲ ቅድስት ቤተክርስቲያን ንኣምን።

3. ቅድስት (ቅድስቲ) ዝብል መግለጺ:- ካብ ዓለማውን ዘይቅዱስ ነገራት ዝተፈልየት: ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ዝኾነት ቤተክርስቲያን ንኣምን ማለት እዩ። ቅድስና መልክዕ ቤተክርስቲያን እዩ። እቲ ርእሳ ዝኾነ ክርስቶስ ንሱ ኣበር ዘይብሉ ቅዱስ እዩ እታ ኣካሉ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ድማ ቅድስቲ ክትከውን ከምዝግብኣን ቅድስቲ ከምዝኾነትን ንኣምን።

4. ጉባኤ ዘሓዋርያት (ናይ ሃዋርያት ጉባኤ) ዝብል መግለጺ:- ብምህሮን እምነትን ሃዋርያት ዝጸንዐት: ሓድሽ ምህሮ እምነትን ካልእ ወንጌልን ግን ዘይተቐበለት: ከምቲ እቲ ጽሑፍ ዝብሎ: ”ኣብቲ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ-መኣዝኑ ዝኾነ: መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተሃንጸት ቤተክርስቲያንብኣኣ ንኣምን ማለት እዩ።

እዚ ኣርባዕተ ኣዕኑድ እዚ: ከምዘለዎ ክሕሎን ክጸንዕን ኩላትና ክንጋደል ይግብኣና። ብዓሌት ይኹን ብቛንቋ ምፍልላይ ከይህሉ: ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎ ከምኡ ኸኣ ኣብታ ሓንቲ ቤተክርስቲያን በበይኑ ዝዓይነቱ ክፍለ ኣካል ደኣ ይህሉ ይኸውን እምበር ሓድነት እታ እንኮ ቤተክርስትያን ግን ክበታተን ከምዘይግባእ ንምህር: ኣብዚ እምነትን መረድእታን እዚ ድማ ጸኒዕና ደው ንብል። ቤተክርስቲያን ምንጪ ቅድስና ደኣ እምበር ዘይቅዱስ ነገር ከም ሕጊ-ኣልቦ ስርዓት: ጉቦን ምጥፍፋእን: ስኽራን: ጥንቍልና: ጸርፍን ታዕታዕን ዝስምዓላ ቦታ ክትከውን ከምዘይግባእ ምግባር: መወዳእታኡ ድማ ኣብ ምህሮ ነብያትን ሃዋርያትን (ብሉይን ሓዲስን) ኣትኵራ ክትምህርን እምነታ ኣብኡ ክትስርትን እምበር: ናብቲ ሰባት ዝተጣበብዎ ምስ ምህሮ ሃዋርያትን ነብያትን ከኣ ዘይሳነ ጽውጽዋያት ከይትዘብል ክንሕሉ: እዚ ግቡእ እዚ ግቡእና እዩ።

ኣብዛ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን እዚኣ: ጸኒዕና ጉዕዞ ህይወትና ብዓወት ክንዛዝም እምበኣር እግዚኣብሄር ይደግፍና!

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል!

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div