S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅድስቲ ኢለን መን እያ፧

ኢለን (249 - 330) ኣደ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ቀዳማይ ንጉሥ ክርስቲያን ኢያ። ቅድስቲ ኢለን ነቲ ተቐቢሩ ዝነበረ

መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ጉድጓድ ኵዒታ ብውጽኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ንድኻታት ብምምጽዋትን፡ ንእሱራት ብምፍታሕን ትገብሮ ዝነበረት ሰናይ ግብራ፡ ነቶም ንዘመናት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ደይቦም ሰናይ ግብሪ ምግባር ዘይፈልጡ ነገስታት ዋና መምህር ኰይና ዓቢ ምሳሌ ዝኾነት ኣደ እያ ዝነበረት። ብኽልቲኡ ተግባራ ኣብ መላእ ዓለም ቅዱስ ዝና ዘትረፈት ኣደ እያ ነይራ እንተበልና፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቅና ኣይመስለንን። ንግሥቲ ኢለን፡ ንንጉስ ቆስጠንጢኖስ ዓቢ ዝወለደት (ብላቲን ፍላቪያ ጁሊያ ሄለና ኣጉስታ ተባሂላ እትፍለጥ ነበረት) ንግሥቲ ኢለን እቲ ክሳብ 12 ክፍለ ዘመን ከይተፈልጠ ተሰዊሩ ዝነበረ ታሪኻ ከም ዝምስክሮ፡ ኣቦኣ ንጉሥ ኰሊ ንጉሥ ኮልቸስተር ዓዲ እንግሊዝ ከም ዝነበረ ታሪኻ ይምስክር። ኢለን ኣብ ድሪባኒም ቢታኒያ ተወሊዳ ዝዓበየት ክትከውን ከላ፡ ዳሕራይ ግና እታ ዝተወለደትላ ከተማ ብስማከተማ ኢለን” (ሄለናፖሊስ) ተባሂላ ተጸውዔት። ኢለን ነቲ ኣብ ጐልጐታ ተቐቢሩ ዝነበረ መስቀል ጐይታና ዅዒታ ምስ ኣውጸኣቶ፡ ንሮማ ተመልሰት፡ ነዊሕ ከይጸንሔት ድማ ኣብ ሮማ ብሰላም ዓረፈት። ኣብ ጐደና ላቢካና (Via Labicana) ድማ ተቐብረት። ሳኣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቫቲካን ቤተ መዘክር ተቐሚጡ ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ድሕሪ ቅድስቲ ዝብል ክብሪ ብጽእናኣ ሃበታ።

ዛንታ ጽቡቅ ተግባራ፡

ኢለን ንፍላቪዮስ ቆስጠንጢኖስ ዝተባህለ ወተሃደር ኣእትያ፡ ብለካቲት 27- 272 .  ኣብታ በቲ ጊዜ እቲ ናይሲስ ትብሃል ዝነበረት ከተማ ሕጂ ኒስ ተባሂላ ትጽዋዕ፡ ኣብ ሰርቢያ እትርከብ ከተማ፡ ቆስጠንጢኖስ ዝተባህለ ወዳ ወለደት። ሰብኣያ ፍላቪዮስ ቆስጠንጢኖስ ቅድም ኣማሓዳሪ ዳልማትያ ዝተባህለት ሓንቲ ክፍሊ ሃገር ሮማ ኮነ። ካብኡ ቀጺሉ ብግዜ መንግሥቲ ሃጸይ ማክሲሚያን 289 .. ጀነራል ኰይኑ ተሾመ። ብመጋቢት 1 293 .. ድማ ምክትል ሃጸይ ማክሲሚያን ተባሂሉ ኣብ ግዝኣት ሮማ ብመዓርግ ቄሳር ማለት ምክትል ሃጸይ ሮማ ኮነ። ኣብዚ ግዜ እዚ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ንኢለን ፈቲሑ፡ ብግዲ ንጓል ንጉሥ ማክሲሚያስ ቲዮዶራ ዝተባህለት ክምርዖ ተገደደ እሞ ዳግማይ ተመርዓወ። በዚ ምኽንያት ኢለን ካብ ህዝቢ ተኸዊላ፡ ኣብ ቀጽሪ ዲዮቅሊጥያኖስ ንነዊሕ እዋን ተቐሚጣ ትነብር ነበረት። 293 .. ድማ፡ ቄሳር ኰይኑ ንገይልን፡ እስፓኛን፡ እንግሊዝን ከመሓድር ተሸመ። 305 .. ድማ ኣብ ዮርክ ዓረፈ። ብድሕሪ ሞት ሰብኣያ ድማ ብመርሒነት ንግሥቲ ኢለን ወዱ ቆስጠንጢኖስ ንጉሥ ሮማ ኰይኑ ተሸመ። ቆስጠንጢኖስ ንሮማ ተቖጻጺሩ ሃጸይ ምስ ኮነ ድማ፡ እንድገና ኣብ ከባቢ ቤተ መንግሥቲ ብህዝቢ ክትረኤ ጀመረት። ኣብ ከባቢ ቤተ መንግሥቲ ዝነብሩ ዘበሉ ድማ ዝናኣ ልዕል ብዝበለ መገዲ ከድንቅዋ ጀመሩ።  

ንግሥቲ ኢለን ድሕሪ ወዳ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ዘገርም ዝኾነ ዝነድድ መስቀልበዚ ሓይሊ እዚ ተዋጋእዝብል ኣብ ሰማይ ርእዩ፡ ንጸላእቱ ኣብ ድንድል ማልቪያን ምስ ሰዓሮም፡ 312 ክርስትና ከም ዝተቐበለት ጸሓፊ ታሪኽ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ዝነበረ ጳጳስ ኤስፒዮስ በዓል ቀሳርያ፡ መዝጊብዎ ኣሎ። 318 .. ድማኢተገ” (ኣጉስታ) ዝብል መዓርግ ተዋህባ። ስእላን ስማን ዘለዎ ገንዘብ ሓጺን ብብዝሒ ተሰርሓላ። ብፍላይ 324 .. ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ንምልእቲ መንግሥቲ ሮሜ ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተወ፡ ኢለን ምስ ሰበይቱ ፊየስታ ሓንቲኤን ብየማኑ ሓንቲኤን ብጸጋሙኢተገተባሂለን ይቕመጣ ነበራ። ዘውዲ ንግሥትነት ምስ ተቐበለት ድማ ስማኢተገ ፍላቪያ ኣጉሥታ ኢለንዝብል ናይ ክብሪ ስም ተዋህባ። ሰበይቲ ቆስጠንጢኖስ ንግሥቲ ፊስታ ብሃንደበታዊ ሞት ምስ ሞተት ግና፡ ኢለን ካልእ ተቓዋሚት ዘየብላ ዘውዲ መንግሥቲ ሓዘት። ቆስጠንጢኖስ ድማ ነታ ዝተወለደትላ ከተማ ኣብ መሬት ፍልስጢኤም እትርከብ ድረፓኒም ብስማ ከተማ ኢለን (Helenopolis) ኢሉ ሰየመላ።

ንግደት ናብ ኢየሩሳሌም

ደድሕሪ እቲ ዘሕዝን ኣማውታ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ፡ ኢለን ናብ ቅድስቲ ቦታ ኢዮሮሳሌም ክትነግድ ኢላ ጉዕዞ ጀመረት። ኤስፒዮስ ከም ዝብሎ፡ናብ ኢዮሮሳሌም ክትጽሊ ኢላ ጉዕዞ ምስ ጀመረት፡ ሓዱሽ ክምስገን ዝግብኦ ክርስቲያናዊ መንግስቲ ከም ዝተተኽለ መርኣያ ስለ ዝኾነት፡ ዜናኣ ናብ ኩሉ በጽሔ። ኣዝዩ ዓቢይን ዘገርም ዝዀነ ውሉዳ ቅድም ቄሳር ቆስጠንጢኖስ ዳሕራይ ሃጸይ ቆስጠንጢኖስ ዀነኢሉ ይጽሕፍ። እንደገና ቅዱስ ኣምበረም ንጉዕዞኣ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎንግደት ህንጥይቲ ኣደኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ከምይሲ ብሶርያ ኣቢላ ናብ ኢዮሮሳሌም ተጓዓዛ፡ ኣብቲ ወዳ ብትእዛዝ ዘስርሖ ሓዱሽ ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሔት፡ ስለ ወዳ ክትጽሊ ስለ ዝበሃገት እዩ ህንጥይቲ ኣደ ዝበላ።

እዛ ኣብ ሰማንያታት ዕድመ ዝነበረት ቅድስቲ ሰበይቲ፡ ብጽድያ 327 .. ናብ ኢዮሮሳሌም መንግሥታዊ መገሻ ክትገይሽ ምስ ሓሰበት፡ ምሳኣ ብዙሓት ሰራዊት ኣኸቲታ፡ መኳንንቲ ኣኽቲላ ክትጐዓዝ ጀመረት። በቲ ንሳ ትሕልፈሉ ዝነበረት ከተማታት ክርስቲያናዊ ክዴታኣን ክርስቲያናዊ ስነ ምግባራን ስለ ዝኾነ፡ ንድኻታት እናመጽወተት፡ እሱራት እናኣፍተሔት፡ ንዝተሰደዱ ንዓዶም ከም ዝምለሱ እናገበረት፡ ክሳብ ነኣሽቱ ከተማታት ከይተረፈ ቤተ ክርስቲያናት እናኣስረሔት፡ ካልእ ብዙሕ ረብሓት ንህዝቢ እናረብሔት ከም ዝሓለፈት፡ ጸሓፋይ ኤስፒዮስ ይነግረና።

ሰዓብቲ ኣርዮስ ኣብ ጉዕዞኣ ቀውሲ ክፈጥሩላ ፈተኑ፡

እቲ ንዓኣ ዘጸግማ ዝነበረ፡ እቲ ዝነበራ ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝነበረ፡ ተጻረርቲ ክርስትና በዓል መን ከም ዝኾኑ ኣፍልጦ ኣይነበራን። ስለዚ ኣርዮሳውያን ንንጽህና ልባን ሕያውነታን፡ ዘውትር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከተቐድስ ምውዓላን ብምግንዛብ፡ ንጠዋይ ትምህርቶም ክትቅበል ብዙሕ ግዜ ይፈታትንዋ ነበሩ። ምኽንያቱ ትምህርቲ ኣርዮስ ብበዓል ሉሲያን ኣቢሉ ድሮ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሱር ክተክል ይጋደል ነበረ። ብፍላይ እቲ ኣብ ኣጾክያ ዝነበረ ጳጳስ ኤስታቲያስ ዝተባህለ፡ ብገርሃ ከላ ንቅንዕናኣ ክምዝምዛ ስለ ዝደለየ፡ ንሉሲያን ዝተባህለ 312 . ኣብ ኒቆዶምያ ዝተቐትለ ቀሺ፡ ከም ስዉእ ሓሲባቅዱስዝብል መዓርግ ከተልብሶ ደፋፍኣ። ብግደ ሓቂ ግና ሉሲዮስ ዝሞተ ደጋፊ ኣርዮስ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ ድኣ ተቐትለ እምበር፡ ስለ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ኣይነበረን።  ካብዚ ንደሓር ድማ ትምህርቲ ኣርዮስ ክሳብ 325 .. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብወግዒ ዝውገዝ፡ ሰፊሕ ሜዳ ረኺቡ ይዕድር ነበረ። ቅድም ኤስታቴዎስ ቀንዲ ደጋፊ ኦርቶዶክስ ነበረ፡ እንተኾነ ነቲ ዝነበሮ ቅኑዕ እምነት ብግዜ ኣርዮስ፡ ንኣርዮስነት ክቅበል ኣጥፍኦ። ብዝዀነ ኣርዮሳውያን ኣይተዓወትላን።

እቲ ቆስጠንጢኖስ ብግዴኡ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ዝተራእዮ ቦታን፡ ኣብ ቤተ ልሔምን፡ ኣብ ኢዮሮሳሌምን ኣብ ከባቢ ፍልስጢኤምን ኣብ መምሬ ከይተረፈ ዘስርሖ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ እቶም ቀዳሞት ክርስቲያናት ዝተሰውእሉ ቦታታትን፡ ዘበርከቶ። እቲ ኣብ መምሬ ዝተሰርሔ ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት ሕጊ ኢትሮጵያ ምስ ኢለን ዝተተሓሓዘ ኰይኑ እዩ ንረኽቦ።

ኢለን ኣብ ቤተ ልሔምን ኣብ ከረን ዘይቲ ኣዝዩ ዘገርም ዝኾነ ቤተ ክርስቲያናት ብምስራሓ ኣብ ክርስትና ዓቢ ግደ ኣበርከተት። ዳሕራይ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ባዕሉ ኢዮሮሳሌም ከይዱ፡ ነቶም ንሳ ዘስረሓቶም ቤተ ክርስቲያናት ብስማ ክጽውዑ ፈቐደ። እዚ ትሑት ዝኾነ ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ቦታ ዘገርም ሓወልቲ ዝኾነ ህንጻ ኣስረሔ።

ኩዕታ ንምርካብ መስቀል

አይሁድ ድሕሪ ንጐይታና ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ሰቒሎም ምቕታሎም፡ ምሕረት ክረኽቡ ምእንቲ ብዝቐደመ በደሎም ኣብ ክንዲ ዝንስሑ፡ ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ካልእ ሓጢኣት ወሰኽሉ። መስቀል ብዙሕ ተኣምራት ክገብር ስለ ዝረኣይዎ፡ ኣዒንቶም ዓዊሩ ብቅንኢ ተመልኡ እሞ፡ ሰባት ብተኣምራቱ ተሳሒቦም ምእንቲ ከይክተልዎ ካልእ ተንኰል መሃዙ። ንመስቀል ጐይታ ኣብ ከባቢ ኢዮሮሳሌም ጉድጓድ ዅዒቶም ቀበርዎ። ኣዋጅ ኣዊጆም ከኣ ኩሉ ጐሓፍ ከተማ ኢዮሮሳሌም እምባ ክሳዕ ዝመስል፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐብረሉ ክድፋእ ኣወጁ። ከምኡ እናበለ ድማ ሰለስተ ሚኢቲ ጊዜ ሓለፈ። ንጉሥ ሰለሙንንኹሉ ገግዜኡ ኣለዎከም ዝበለ ግና፡ ድሕሪ ሰለስተ ሚኢቲ ዓመታት፡ ቅዱስ መስቀል ካብቲ ዝተቐብረሉ ጕድጓ ተዃዒቱ ዝወጸሉ ግዜ ስለ ዝኣኸለ፡ ድሕሪ “300” ዓመታት ንምሉእ ሥልጣን ዘለዋ ንግሥቲ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ልባ ፍቅሪ ሃይማኖትን ፍቅሪ መስቀልን ኣሕዲሩ ኣለዓዓላ እሞ፡ ንግሥቲ ኢለን ድማ ካብ ምዕራብ ተላዒላ 327 .ም፡ መስቀል ጐይታ ክተረክብ ንምብራቅ መጸት። ኣባ መቃርስ ኪራኮስ ዝተባህለ ሽማግለ ኣይሁዳዊ፡ መስቀል ጐይታ በዚ ትገብርዮ ዘሎኺ መገዲ ክትረኽብዮ ኣትኽእልን ኢኺ፡ ሓዊ ኣጕድኪ፡ ዕጣን ዓጢንኪ እንተጸለኺ ክትረኽብዮ ኢኻ ብዝበላ መሰረት።

16 መስከረም ዕንጨይቲ ኣኪባ ዳሜራ ዕጥን ገይራ ሓዊ ኣንደደት እሞ፡ ትኺ እቲ ዕጣን ናብ ላዕሊ ከይዱ፡ ተመሊሱ ናብቲ መስቀል ጐይታ ዝተቐብረሉ ስለ ዘመልክታ ብመስከረም 17 ኩዕታ ጀመረት። መጋቢት 10 ድማ ንመስቀል ጐይታ ረኸበቶ። ሎሚ ዳሜራ ጌርና መስከረም 16 ነኽብሮ ዘሎና ጥራይ ዘይኰነ፡ ናይቲ ቅድስቲ ኢለን ኣብ ኢዮሮሳሌም ዘስረሔቶ ቤተ ክርስቲያናት መዓልቲ ድማ እዩ። መስከረም 17 ድማ ኣብቲ መስቀል ዝተረኽበሉ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሓ ወዲኣ፡ መስቀል ምስ ኣተዎ ንመጀመርታ መዓልቲ ቅዳሴ ዘቐደሰትሉ ዕለት ድማ እዩ።

ምንም እንኳ መስቀል ዝተረኽበሉ መጋቢት 10 እንተኾነ፡ ብመሰረት ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ውርሓቱ ወርሓት ጾም ስለ ዝዀነ፡ ብዓብይ ጾም ድማ ሓጐስን ደስታን ስለ ዘይፍቀድ፡ ኣበው በቲ ዃዒቱ ዝተጀመረሉ መስከረም 17 ክበዓል ወሰኑ። መስቀል ብምርካቡ ንመላእ ዓለም ሓጐስን ደስታን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም ታሪኹ እናተረስዔ ኸደ፡ ኣብ ሃገርና ግና፡ ሃይማኖታዊ ባህሉ ሒዙ ከምታ ኣቦታት ዘረኸቡና ሓሊናዮ ንነብር ኣሎና።

ንግሥቲ ኢለን ነቲ ኣብ ሓመድ ምድሪ 300 ዓመታት ዝኣክል ተቐቢሩ ዝነበረ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቅለሉ ሓቀኛ መስቀል ዅዒታ ምስ ኣውጸኣቶ፡ ብዛዕባ መስቀል ኣብ ተዘርበሉ ዘበለ ስማ እናተዘከረ ይነብር ኣሎ። ካብታ ግዜ እቲኣ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ፡ ክብሪ መስቀል ኣብ ኩሉ እምነት ክርስትና ምልክትን፡ ኣርማ ክርስትናን ኰይኑ ከም ዝተረኽበ፡ እቲ 339 .. ዝሞተ ኤስፒዮስ፡ ኣብቲ 333 . ዝጸሓፎ ጽሑፍ መዝጊብዎ ይርከብ።

ቅዱሳት ኣቦታትከ ብዛዕባ ምርካብ መስቀል እንታይ ይብሉ፧

ኩነታ ምርካብ ቅዱስ መስቀል ብንግሥቲ ኢለን፡ እቲ ንሳ ንምልእቲ ዓለም ዘበርከተቶ ቅዱስ ተግባርን ምልእቲ ዓለም ካብ ምብራቅ ክሳብ ምዕራብ ከም ጸሓይ ዝደመቀ ሓቂ ኰይኑ ስለ ዝተረኽበ፡ ቅዱሳት ኣቦታት ከምዚ ይብሉ፡ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂ፡ ንወጌል ዮሃንስ (19.17-19) ጠቒሱመስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሀል ስፍራ፡ ብእብራይስጢ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ መጸ። ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል እዩ። ስለዚ ብድሕሪ መስቀል ምቅባሩ ዮሃንስ ኣፈወርቂ፡ ዳሕራይ ግዜ ምእንቲ ክርከብ፡ ሰለስተ መሳቅል ብሓደ ኣብ ሓደ ቦታ ተደርብዮም ስለ ዝነበሩ፡ መስቀል ጐይታ ድማ ካብኣቶም ተፈልዩ ምእንቲ ክልለ ከዚ ኰነ፡ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ማእከል እቶም ክልተ እዩ ተደርብዩ ዝተረኽበ። ካልኣይ፡ በቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝተጻሕፎ እዩ ዝተለለየ፡ ከመይሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ መሳቅል ሰረቅቲ ዝተጻሕፎ ነገር ኣይነበረን። ስለዚ ብንጹር እቲ ዝተረኽበ መስቀል ምስ ጽሑፉ ስለ ዝተረኽበ፡ መስቀል ጐይታ ከም ዝዀነ ዘጠራጥር ኣይነበረንክብል ጸሓፈ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ፡ ቅዱስ ኣምብረስ በዓል ሚላኖ፡ ኣብ ቀብሪ ንጉሥ ታዲዮስ ዓቢ (ብለካቲት 25 395 ..) ነደ ቆስጠንጢኖስ ንግሥቲ ኢለኒ ክሳዕ ክንደይ ክብርቲ ሰብ ከም ዝነበረት ክገልጽ ከሎ፡ቅድስቲ ኢለን ናብቲ ንመስቀል ጐይታ ክትደልዮ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሔትሉ ቦታ ምስ በጽሔት፡ መሬት ቀዲዳ ነቲ ሓመዱ ናብ ኩል ዘረወቶ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ መሳቅል ረኸበት፡በለ። እንተኾነ ኣገላልጻኡ ከምቲ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቂብጽሑፉ ይፍለጥኢሉ ዝገለጾ፡ ገይሩ ኣይኰነን ዝገለጾ። ቅዱስ ኣምብረስ ካብኡ ብዝተፈልየ ገይሩ እዩ ዝገልጾ፡ እቲ ኢለን ቆስጠንጢኖስ ዝለኣኸትሉ ጐይታ ዝተሸንከረሉ መሳምር፡ ትንቢት ዘካርያስበታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጽል ኣፍራስ፣ ቅዱስ ንእግዚኣብሔር፣ ዚብል ኪጽሐፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ድስትታትን ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሓሊባት ኪኸውን እዩተባሂሉ ዝተጻሕፈ ከም ዝተፈጸመ እዩ ዝገልጽ ኢሉ ይገልጾ (ዘካ፡1420)

ድሕሪ ክልተ ዓመት (397 .) ካልእ ካብ ዓበይቲ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን፡ ሩፊኖስ በዓል ኣኹልያ፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ካብ ኢዮሮሳሌም ንዓዲ ጣልያን ምስ ተመልሰ፡ ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ ኢለን መስቀል ጐይታ ክትረክብ ኢላ ዝገበሮቶ ጻዕሪ፡ ሓዱሽ ጸብጻብ ኣቅረበ። ንሱ እቲ ንሳ ናብ ኢዮሮሳሌም ዝተጓዘትሉ ኣብ ጥቃ ጉባኤ ኒቂያ (325) ከም ዝነበረ መዝጊብዎ ይርከብ። ንግሥቲ ኢለን ብመለኮታዊ ሓይሊ ተላዒላ ናብ ኢዮሮሳሌም ከይዳ፡ ጐይታ ኣበየናይ ቦታ ከም ዝተሰቐለን መስቀል ጐይታ ኣበይ ከም ዘሎን ምስ ሓተተት። ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ቤተ መቅደስ ቨኑስ ተቐቢሩ ከም ዘሎ ተነግራ። ሽዑ ንሳ እቲ ኣብ ልዕሌኡ ዝነበረ ቤተ መቅደስ ቨኑስ ክፈርስ ኣዘዘት። ኣብኡ ድማ ሰለስተ መሳቅል ኵዒታ ኣውጸኤቶም። ካብቶም ዝረኸበቶም መሳቅል፡ መስቀል ጐይታ ኣየናይ ከም ዝዀነ ክትፈልጥ፡ ነቲ በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢዮሮሳሌም ጳጳስ ኰይኑ ዝነበረ ማቓርዮስ ሓተተቶ እሞ፡ ንሱ ድማ መስቀል ጐይታ ኣየናይ ከም ዝዀነ ክትፈልጢ፡ ኣብ ሕሙማት ኣንብርዮ እሞ፡ እቲ ዘሕወዮም ንሱ እዩ መስቀል ጐይታ በላ። ሽዑ ሓንቲ ክብርቲ ሰበይቲ ብሕማም ተደኒሳ ኣብ ዓራት ድቂሳ ነበረት እሞ፡ ጳጳስ ማቓርዮስ ጸልዩ ነቶም መሳቅል በብሓደ ኣተንከፋ፡ እቲ ሓቀኛ መስቀል ድማ ኣሕወያ። ሽዑ ንሽዑ ንግሥቲ ኢለን ዘገርም ዝኾነ ቤተ መቅደስ ኣብ ልዕሊ ኢቲ መስቀል ተቐቢርዎ ዝነበረ ቦታ፡ ክስራሕ ኣዘዘትይብል።

ካብ መዛግብቲ ሩፊኖስ ከም ነንብቦ፡ ድማ መስቀል ጐይታና ኣበይ ከም ዝርከብ ዝሓበራ ይሁዳ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ከም ዝነበረ ይዛረቡ። እዚ ሰብኣይ እዚ ዳሕራይ ጳጳስ ኰይኑ ኣብ ኢዮሮሳሌም ከም ዘገልገለ ድማ ይገልጽ። ከምኡውን እቲ ሓቀኛ መስቀል ንዝሓመመት ሰበይቲ ኣሕወየ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዝሞተ ካልእውን ከም ዘተንስኤ ኣብ መዝገብ ሩፊኖስ ተጻሒፉ ንረክቦ።

ሩፊኖስውን ብዛዕባ ዛንታ እቶም መሳምርን እቲ መስቀልን ናብ ቆስጠንጢኖስ ክበጽሕ ከም ዝተላእኸ ጽሒፉ ኣሎ።   ካልኦት ብዙሓት ጸሓፍቲውን ቤተ ክርስቲያን ከም በዓል ሶቅራጥስ፡ ሶዞመን፡ ቲዮዶረት፡ ከምኡውን ጐርጐርዮስ በዓል ቱረስ፡ ዛንታ ኢለንን ቅዱስ መስቀልን ጽሒፎም ኣለዉ።  

ቅድስቲ ኢለን ክትከይድ ከላ ብዓጀብ ከም ዝኸደት፡ ክትምለስ ከላ ድማ፡ ብዝበለጸ ኣገባብ ተዓጂባ ንሮማ ምስ ተመልሰት፡ ነዊሕ ከይጸንሔት ብሰላም ዓረፈት፡ ኣብ ጐደና ላቢካና (Via Labicana) ድማ ብኽብሪ ተቐብረት። ረሳኣ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤተ መዘክር ቫቲካን ተነቢሩ፡ ንኹላትና ሓቀኛ ታሪኻ ክምስክረልና ይነብር ኣሎ።

ኣቐባሊ መዛግብቲ

ብዛዕባ ታሪኽ ህይወታ እኩብ ድምር ዝጸሓፉ ምንጭታት ከም በዓል ሃንት ንግደት ናብ ቅዱስ ቦታን፡ ታሪኽ ሃጸይነት ሮማን ካብ 312 ክሳብ 460 . ዝገልጽ፡ ኣብ ኤክስፎርድ 1982 ምዕራፍ 2 ገጽ 28-49  (Hunt, E.D. Holy Land Pilgrimage in the Later Roman Empire A.D. 312-460 Oxford 1982 ch. 2, pp. 28-49. A.H.M. Jones, J.R. Martindale, J. Morris, The Prosopography of the Later Roman Empire I, A.D. 260-395 (Cambridge 1971) pp. 410 f., Helena no. 2. Klein, R. Reallexikon fur Antike und Christentum XV (1988), 355-375) ተመልከት።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div