S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

“ቅዱስ ዮሃንስ”

ቅዱስ ዮሃንስ፥- ከም ብርሃን ዓለም ምኡዝ መኣዛ ቅዱስ ጳውሎስ  “እቲ ሱር ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ እቲ ጨናፍር'ውን

ቅዱስ ኢዩ" (ሮሜ 1116) ዝበሎ: ካብ ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳን ሰባት ዝተረክበ ካብ ቅዱስ ማህጸን ዝወጸ ኣቦ ኢዩ። ኣቡኡ ካህን ዘካርያስ፡ ኣዲኡ ቅድስቲ ኤልሳቤጥ፡ ሕጊ ኣምላኽን ትእዛዛቱን ብምፍጻም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽጻድቃንነበሩ (ሉቃ 16)። እንተኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን። ንዝለመንዎ ዘየሕፍር ኣምላኽ ግና ኣብ ግዜ እርጋኖም ብብስራታዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ውሉድ ከም ዝወልዱ ተነግሮም (ሉቃ 113)። ንዮሃንስ ድማ ሃቦም። ዮሃንስ ማለት ትርጓሜ ስሙፍስሃ ወሃሴት፥ ደስታን ሓጐስንማለት ኢዩ፡ ሉቃ 113-14

ዮሃንስ መን እዩ?

ዮሃንስ ናይ እርጋን /ሽምግልና/ ውሉድ ኢዩ (ሉቃ 118)። ዮሃንስ ናይ ምሸት ውሉድ ኢዩ። ዓበይቲ እኳ ክምርቑ ከለዉእንጌራ ምሸትይሃብካ ይብሉ። ፍጹም በረኸት ማለቶም ኢዮም። ዮሃንስ ክጽነስ ከሎ ኣፍ ኣቡኡ ዝዓጸወ ኢዩ (ሉቃ 120) ዮሃንስ ክውለድ ከሎ ኣፍ ኣቡኡ ዝኸፈተ ኢዩ (ሉቃ 163-64) ዮሃንስ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ዝመልኦ ኢዩ (ሉቃ 115) ዮሃንስ ድምጺ ሰላምታ ማርያም ሰሚዑ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝተሳራሰረ ህጻን ኢዩ (ሉቃ 141) ዮሃንስ ብመንፈስ ኤልያስ ዝተንስአ ብርቱዕ ነቢይ ኢዩ (ሉቃ 117) ዮሃንስ ገዳማውን ድንግልን ኢዩ፡ ዮሃንስ ኣብ በረኻ ብጥበብ ኣምላኽ ዝዓበየ፡ ቀለቡ ኣንበጣን መዓር ጭደናይን ዝነበረ፡ ናይ ምድረ በዳ ሰባኺ ኢዩ (ማር 11-6/ማቴ 31-4) ነቢየ ልዑል /ናይ ልዑል ነቢይ/ ተባሂሉ ዝተነበየሉ (ሉቃ 176)። ዮሃንስ እንሆ፥- ጐደና እግዚኣብሄር ኣሰናድዉ፡መገድታቱ'ውን ኣቕንዑ ኢሉ ዝሰበኸ ናይ ኣዋጅ ድምጺ እዩ (ማር 12-3)። ዮሃንስ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘጥመቐ መጥምቀ መለኮት እዩ (ሉቃ ማር 19/ማቴ 31317)። ዮሃንስ እቲ ጐይታ ብዛዕባኡ፥-" ዮሃንስ ዝነድድን ዝበርህን መብራህቲ ነበረ፥ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ግዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም" (ዮሃ 535/) ኢሉ ዝመስከረሉ ብርሃን እዩ።

መቸም ንዮሃንስ መጥምቕ ዘይፈልጥ የለን ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ዋላ ቤተ ክርስቲያን ዘይመጽእ ሰብ፡ ኣወዳትናሃንሰ መስቀለ እን ተቐልቀለእናበሉሆየ ሆየይብሉን ይዘሉን ይጭፍሩን። ኣዋልድና ድማንዮሃንሰይ ንመስቀለይ ድርብ ከበሮ ሓዛለይእናላ ይደርፋ። ስለ ናይ ዮሃንስ ተግባር ደኣሉ ዝጎድለና እምበር፡ ንዮሃንስ ዘይፈልጥ ዳርጋ የሎን።

ዮሃንስ ቀቅድሚ ጐይታጎደና እግዚኣብሔር ኣሰናድዉ፡ መገድታቱ ድማ ኣቕንዑ፡ ማር 12-3” እናበለ ዝእውጅ ድምጺ፡ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ ተብሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተነግረሉ ልኡኽ ኢዩ። በዚ መሰረት ድማጸያሄ ፍኖት፡ ጸራጊ መገዲተባሂሉ ይጽዋዕ። ቀደም ዘመን ነገስታት ቅድሚ ምሕላፎም ኣቐዲሞም እቶም ጸረግቲ መገዲ ኢዮም ዝሓልፉ። ዝኾነ ኣሸጋሪ ነገር ኣብ መገዲ ዘሎ ይኣልዩ። ሎሚ ዘመን እንተ ርኢናውን ከምኡ ኣሎ። ቀቅድሚ እቶም ዓበይቲ ሓለፍቲ፡ ናይ ጸጥታ ኢዮም ዝሓልፉ። ጸላእቲ ኣድብዮም ከይጸንሑ፡ ቦምብ ከይቀብሩ፡ መጀመርያ ንሳቶም ይፍትሽዎ፡ ካብኡ እቶም ነገስታት ይሓልፉ። ዮሃንስ ድማ ኣብ ብዘላ ይሁዳን የሩሳሌምን ስለ ንስሓ እናሰበኸ፡ንጉስ ክርስቶስ ብልብኹም ምእንቲ ክሓልፍ፡ ፍረ ኣፍርዩ እናበለ ጎደና እግዚኣብሔር ስለ ዝጸረገ ጸራጊ መገዲ ተብሂሉ ተሰይሙ።

ዮሃንስ ካህን ኢዩ። ናይ ካህን ስራሕ ንስሓ ምቕባል ኢዩ። ዮሃንስ ድማንስሓተቐቢሉ ኢዩ። ኩሎም ሰብ ድማ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ናብኡ መጺኦም ንስሓ ይቕበሉ ኔሮም። ዮሃንስ ስለ ንስሓ ትብዓት ካብ ዝሰበኹ መማህራን ሓደ ኢዩ። "ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዝመጽእ ቁጣዓ ክትመልቁ' መን ሓበርኩም? ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ” (ሉቃ 37-14) ክሳብ ንወተሃደራት ከይተረፈ የነስሕ ኔሩ።

ዮሃንስ ነቢይ ኢዩ።"እቲ ኻባይ ዝብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ፡ንምፍታሕ ዘይበቅዕ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም ኢዩ" /ሉቃ 316/ ኢሉ ስለ ክርስቶስ ተነብዩ።

ዮሃንስ ሃዋርያ ኢዩ። ንመጀመርያ ግዜመንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ ተነስሑ።  ማቴ 31-2” ኢሉ ስለ ዝሰበኸ።

ዮሃንስ ወንጌላዊ ኢዩ። "ነዋ በግዑ ለእግዚኣብሔር ዘያአትት ሃጢኣተ ዓለም፡እንሆ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” /ዮሃ 129/ ኢሉ ስለ ጐይታ ኢየሱስ መስዋእትነት ስለ ዝመስከረ።

ዮሃንስ ሰማእት ኢዩ።ሰበይቲ ሓውኻ ከተእቱ ኣይግብኣካን ኢዩ ኢሉ፡ ንንጉስ ሄሮድስ ገሲጹ ርእሱ ስለ ዝተሰየፈ።ሉቃ 141-12

ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዮሃንስ መጥምቕ ክምስክር ከሎ ብፍሉይ ኣገላልጻን ኣድቖትን ኢዩ መስኪርሉ። ዮሃንስ መጥምቕ ሓደ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስማቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ቅዱሳን ዝተፈልየን ዝኸበረን ኢዩ። ምኽንያቱኣልቦ ዘየዓብዮ ለዮሃንስ እምትውልደ ኣንስት፡ ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ንዮሃንስ መጥምቕ ዝዓብዮ የለንኢሉ ጐይታ ተዛሪብሉ ኢዩ" /ማቴ 1111/ ንእሳተ መለኮት ኣምላኽ ስለ ዘጥመቐ ኢዩ እዚ ኩሉ ክብሪ።  ቤተ ክርስቲያን ድማ መጥምቀ መለኮት ኢላ ትጽውዖ።

ዮሃንስ ካብ ብሉይ ኪዳን መወዳእታ፡ካብ ኪዳን ድማ መጀመርያ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ዘመን መቐየሪ፡ ርእሰ ኣውደኣመት ኮነ። መዘምራን (መራጊት) ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ግዜ ማህሌትርእሰ ኣውደኣመት ዮሃንስእናበሉ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዱስ ያሬድውንውስተ ርእሰ ኣውደኣመት ተጽሕፈ ተዝካርከ፡ባርከኒ እንሳእ በረከትከኣብ ርእሲ ኣውደ ኣመት ተዝካርካ ተጻሒፉ፡ ባርኸኒ በረኸትካ ክወስዶብምባል ብጥዑም ዜማኡ የመስግን።

በረኸት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቕ የካፍለና ኣምላኽ!

ርሑስ ዓመትን ቅዱስ ዮሃንስን ይግበረልና!

ቀሺ ኣፈወርቂ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div