S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋዕ ናብ ርእሰ ዓውደ ዓመት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ኣብጽሓና፡

ድሕረ ባይታ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ
እዚ ቅዱስ ዮሓንስ እንበልና ኣብ ሃገርና ዓመት ዓመት እነብዕሎ ዘለና ዕለት፡ ኣቦታትና ንስለ በዓል ኢሎም ዘብዕልዎ ዝነበሩ ዘይኸነስ፡ ሓቀኛን መንፈሳውን 

መሰረት ዘለዎ፡ ምስ ገዛእ ህይወትና ዝተኣሳሰር ክቡር ሃይማኖታዊ በዓልና እዩ። መሰረቱ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋትና እዮም። ብኸመይ ከም ዝጀመረ መጽሓፍ ቅዱስና ክምህረና ከሎ ኣስፊሑ ዝገልጽን ዘረድእን እኳ እንተዀነ፡ ንሕና ግን ካብ ብገፊሑ ብጸቢቡ ክንገልጾ ክንክእል ከነሕጽሮ ክንፍትን ኢና።  እዚ ርእሰ ኣውደ ዓመት እዚ ካብ ሰማይ እምበር ካብ ምድሪ ከም ዘይኰነን፡ ከመይ ገይሩ ከም ዝብዓልን እግዚኣብሔር ባዕሉ ንእስራኤል ክገልጸሎም ከሎ ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩምኢሉ ከም ዝኣዘዞም ንምሃር (ዘህ፡ 291) እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ሽዑ ራሽ ሓሻና ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት። እቶም ክሳብ ሕጂ ጸጋ እግዚኣብሔር ዘይተቐበሉ ኣይሁድ ድማ፡ ጌና ጸጋ እግዚኣብሔር ኣብ ቤቶም ከም ዘሎ ስለ ዘየስተውዓሉ፡ ነዛ ዕለት እዚኣ ብመገዲ ኦሪት ከኽብርዋ ይነብሩ ኣለዉ። ቤተ ክርስቲያን ግና ጸጋ እግዚኣብሔር ብክርስቶስ ከም ዝተገልጸ ኣስተውዒላ፡ ነታ እግዚኣብሔር ኣብዕልዋ ዝበላ ዕለተ ጸጋ፡ ብመገዲ ኦሪት ዘይኰነስ ብመገዲ ጸጋ ከተብዕላ ትነብር ኣላ። ክሳብ እታ ሻብዓይቲ መዋእል ዘመን ጸጋ  ክርስቶስ ብኣካል ዝግለጸላ፡ ሊቀ መላእኹቱ መለኽት ምጽኣቱ ዝነፍሓላ፡ ከተኽብራ ክትነብር እያ።

ራሽ ሓሻና( רֹאשׁ הַשָּׁנָה) ማለት ቃሉ እብራይስጢ ኮይኑራሽማለት ርእሲሓሻናማለት ድማ ዓመት ማለት እዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ንእስራኤላውያን ብኣፍ እግዚኣብሔር ስለ ዝተዋህበቶም፡ ካብ ዘመነ ሲናይ ኣትሒዞም ዓመት መጸት፡ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ የብዕሉዋ ኣለዉ። እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኻልእ ኣዘራባያም ተሩሽ (יוֹם תְּרוּעָה) ተባሂላውን ትጽዋዕ እያ፡ ትርጉሙ መዓልቲ ድማጺ ወይ መዓልቲ ተሓጉሽካ እተድምጸሉ ወይ ቅርኒ መለኸት እትነፍሓሉ መዓልቲ ተባሂላ ድማ ትጽዋዕ እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ካብ ኩላቶም በዓላት ኣይሁድ ዝዓበየት በዓል ተባሂላ ትጽዋዕ ስለ ዝነበረት ድማ፡ያም ኖርማመዓልቲ ጭደራ ተባሂላውን ትጽዋዕ እያ። ምኽንያቱ እቲ ወቅቲ ጸልማት ዝዀነ ከረምቲ ሓሊፉ፡ ወቅቲ ብርሃን ዝዀነ ቀውዒ ስለ ዝመጽእ እዩ። ብከረምቲ ማይ፡ ጭቓ፡ ውሕጅ ወዘተስለ ዘሎ፡ ንመነባሮ ምቹእ ኣይኰነን። ቀውዒ ግና፡ ወቅቲ እኽሊ ዝሕፈሰሉ፡ ሽሻይን በረኸትን ዝኾነ ወቅቲ ዝኣትወላ ወርሓት ስለ ዝዀነት፡ ወርሓተ ጸጋ ተባሂላ ትጽዋዕ።ራሽ ሓሽናክልተ መዓልቲ እዩ ዝብዓል። ማለት ካብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ መስከረም ሓደተሺርጀሚሩ ክሳብ እታ ካልኣይቲ መዓልቲ መስከረም ክልተ ብኽብሪ ይብዓል። ተሺር (መስከረም) ቀዳመይቲ ወርሒ ናይታ ምልእቲ ዓመት መጀመሪ እያ። ስለዚተሽርመስከረም ሓደ ሓድሽ ዓመት ዝጅመረሉ ዕለት ነበረት።

2. እቲ ካልእ ብቑዕ ምኽንያት ኣይሁድ ነዛ ዕለት እዚኣ ብዝያዳ ዘብዕልዋ ድማ ኣብ ትውፊቶምኣዳምን ሔዋንንዝተፈጥሩላ ዕለት ኢያ ኢልም ስለ ዝኣመኑ፡ ብኽብሪ የብዕልዋ ነበሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ዘርኢ ሰብ ነዛ ዕለት እዚኣ ከም ርእሰ በዓላት ገይሩ ከብዕላ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበቶም ከም ዝኾነት ኣብ መጽሓፍ ዘለዋውያን እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም ኢሉ ከም ዝኣዘዞም ደጊምና ነንብብ (ለዋ፡2323-24)

3. እቲ ካልእ ምኽንያቶም ድማ፡ ከም ልማድ ኣይሁድ፡ ኣታ ዝሓለፈት ዓመት ከም ዝሓለፈት ከመልክቱ፡ ሊቀ ካህናት ልብሰ ክህነቱ ተኸዲኑ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኰይኑ፡ ብቕርኒ ድዑል ገይሩ፡ ብድምጺ እዋጂ ነታ ዝሓለፈት ዓመት ኣፋኒዮም፡ ነታ ዝኣትዉዋ ዘለዉ ሓዳሽ ዓመትምቅርቲ ዓመትክትኾነሎም ተመኒዮም፡  ብመዓር ዝተሰርሔ መግቢ ይበልዑ ነበሩ።

4. እቲ ካልኣይ ትርጉም ራሽ ሓሻና ድማ፡ መዓልቲ ፍርዲ ማለት እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንሰማይን ምድርን ምስ ኣሕለፈ፡ በታ ሻብዓይቲ ሽሕ ዓመት፡ ንኹላቶም ደቂ ኣዳም ዝፈርደላ ዕለት ስለ ዝኾነት፡ መዓልቲ ምልኣት ወይ ምጽኣት ኢሎም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ ራሽ ሓሻና ብኹሉ መዕቀኒ፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ኣይሁድ ከም ዝነበረ፡ እዚ ምሥጢር ናብ ክርስትና ተሰጋገረ።

ድምጺ ኣዋጂ ሓድሽ ጸጋዊ መዋእል

እዚ ከምዚ ኢሉ እናተባዕለ ከሎ፡ እግዚኣብሔር ንኦሪት መዋእል ጸልማት ኣሕሊፉ፡ ሓድሽ መዋእል ጸጋ ከም ዝተክኦ ከርእየና፡ ንነብያት ኦሪት ኣሕሊፉ ንሓዋርያት ሓድሽ ኪዳን ዘበስሩ ከም ዝመጹ ከመልክተና፡ እቲ ነብይ ኢሳይያስ፡ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኪግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሐቢሩ ኺርእዮ እዩ (ኢሳ፡ 403-5) ምእንቲ ክገሃድ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ብመንፈስ ኤልያስ ጸጋ እናኣወጀ መጸ። ቅዱስ ዮሃንስ ናይ ዘመነ ብሉይ ፈጻሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ተላሚ ከም ዝኾነ ከመልክት፡ ቅዱስ ጽሑፍ ከም ዝምህረና፡ በቲ ወርኃት እቲ ዮሓንስ መጥምቕ፡መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ ተነስሑእናበለ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ። እቲ ብነብይ ኢሳይያስ፡ጐደና እግዚኣሔር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ ኣዋጂ ነጋሪንሱ ዮሓንስ እዩኢሉ፡ የሓንስ መን ከም ዝነበረ ቅዱስ ማቴዎስ ነቲ ኢሳይያስ ዝተነበዮ ጠቒሱ ይምህረና (ማቴ፡ 31-2)

እዚ ዮሓንስ እዚ ንርእሱ እቲ ዓለም ዝተጸየቶ ክርስቶስ ከም ዘይኰነ ንኣይሁድ ክነግሮም ከሎኣነ ንንስሓ ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፡ እቲ ድኅረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ፡ ኣነስ ኣሣእኑ ኽፀውር እኳኣይበቅዕን እየ፡ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኪጥምቐኩም እዩ። ዓውዱ ዜጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፡ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኺእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኬንድዶ እዩኢሉ ብዛዕባ ምምጻእመሲሕ ንዓለም ብግልጺ ዘበሰረ ቅዱስ ሰብ ነበረ (ማቴ፡ 311-12) ዮሓንስ ብዛዕባ እቲ ካብኡ ዝዓቢ ደድሕረኡ ዝመጽእ መን ምዃኑ መስኪሩ ጥራይ ኣይሓለፈን። ከመይሲ እቲ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ዘለዎሓደ ካብ ሥላሴ ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብኡ ደው ኢሉ ምስ ረኣየ በመንፈስ ተመሊኡ እነሆ ገንሸል እግዚኣብሔር ኢሉ ኣወጀ።

መጥምቀ መለኮት፡

ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዘገርም ዝኾነ ሥልጣን እዚ እግዚኣብሔር ንሰብ ስለ ዝተዋህበ ኣመስጊና፡ ንቅዱስ ዮሓንስ ብፍሉይ ዝኾነ መጸውዒ መጥምቀ መለኮት ኢላ ጸውዓቶ። ከመይሲ እቲ ጽሑፍ ሽዑ ኢየሱስ ብዮሓንስ ኪጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ዮሓንስ ግናኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ!’ ኢሉ ኣበየ። ኢየሱስ ከኣኩሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ ሕጅስ ይኹን ድኣ ኅደግኢሉ መለሰሉ። ድኅርዚ ፈቐደሉ። ኢየሱስ ምስ ተጠመቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ረኣየ። እንሆ ድማብእኡ ዝተሓጐስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ(ማቴ፡3 13-17) ኣብዛ ዓለም እዚኣ ቁጽሪ ዘየብሎም ኣዝዮ ዘገርሙ ዝዀኑ ታሪኻት ተሰሚዖም ክነሶም፡ንኣምላኽ ባዕሉ ኣጠመቕዝብል ታሪኽ ግና ፈጺሙ ኣይተሰምዔን፡ ብሕጂውን ኣይክስማዕን እዩ።

እዚ ፍሉይ ዝዀነ ጸጋ ዝተዓደለ ኣቦ ድኅሪ ንጐይታኡ ምጥማቑ፡ ሰማያት ትኸፊቱ ምሥጢረ ሥላሴን ነገረ ተዋሕዶን ብጋህዲ ክርእይ ተዋህቦ። በዚ መሠረት ኸኣ ቤተ ክርስቲያንዮሐንስ መጥምቀ መለኮትእናበልት ብፍሉይ መገዲ ከተኽብሮ ትነብር ኣላ። ባዕሉ ጐይታ ናብ ዮሃንስ ከይዱ ከጠምቖ ምስ ነገሮ፡ ዮሃንስ በቲ ዘገርም ነገር ስለ ዝተደነቐ፡  ኣነ ደኣ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እምበር ንስኻዶ ብኣይ ክትጥመቕ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ከምዝበዮ ነንብብ። ጐይታ ግና፡ ኵሉ ጽድቂ ክንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ ሕደግ ደኣ ኢሉ ከጠምቖ ኣዘዞ። ጐይታ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት፡ ትሕትናኡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝዀነ ከርእየና ብኢድ ፍጡሩ ተጠመቐ። ዮሓንስ ድማ ንፈጣሪኡ ብምጥማቑ ንዋላ ሓደ ዘይተዋህቦ ክብሪመጥምቕ መለኮትዝብል ናይ ክብሪ ስም ተቐበለ።   

እግዚኣብሔር ስለ ዝፈተወ፡ ንዓና ኣብ ዘመነ ጸጋ ዝተወለድና ድማ ምሥጢሩ ክገልጸልና ስለ ዝፈተወ፡ ነቲ ከማና ሰብ ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ምሥጢረ ሥላሴ ተገልጸሉ። እግዚኣብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ኣብ ዮርዳኖስ ክጥመቕ፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣብ ደመና ሰማይ ኰይኑ ክዛረብ፡ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳለ ርግቢ ኣብ ርእሲ ወልድ ክዓልብ ረኣየ። እዚዶ ኣየገርምን፧

ዮሓንስ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ ክርስቶስ ንዓና ከድሕን ከም ዝመጸ፡ ዓው ኢሉ ነዋ በግዑ ለእግዚኣብሔር ዘየኣትት ኃጥያት ዓለም - ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ እና በለ ጨደረ። ክሳብ ዕለተ ሞቱ ድማ ብዛዕባ ክርስቶስ መስከረ (ማቴ፡ 31-12) መቓብሩ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ብኽብሪ ነቢሩ ኣሎ።

ቢይ ንኦሪት ሓዋርያ ሓድሽ

ዮሓንስ ዝብል ስም ብቛንቛ እብራይስጢጸጋ ኣምላኽማለት እዩ። ዮሓንስ ኣብ ምውዳእ እቲ ብዘመነ ጸልማት ዝፍለጥ ዘመነ ፍዳ ወይ ብዘመነ ኵነኔ ዝፍለጥ ዓመተ ዓለም ኣብ ምፍጻሙ፡ ነቲ ደቂ ኣዳም ንዘመናት ዝኣክል ብኣፍ ነብያት ዝተነግሮም ተስፋ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ጸጋ እግዚኣብሔር ከበስር ጥራይ ዘይኰነ፡ መንግሥተ ሰማያት ኣብ ኢድ ከም ዘላን እቲ ነብያት ባዕባ ምምጻእ ክርስቶስ ዝተነበይዎ ከም ዝተፈጸመን፡ ብኣካል ኣብ ዓለም ከም ዝመጸን፡ ንምቅባሉ ኩሉ ክንሳሕ እናኣወጀ ሓዋርያ ኰይኑ ንዓለም ተጋህደ። ቅዱስ ዮሓንስ ዘመነ ነቢያት ከም ዝተፈጸመ ዘመነ ሓዋርያት ከም ዝተጀመረ፡ ማለት ብሉይ ተወዲኡ ሓድሽ ከም ዝተጀመረ፡ ንዓለም ከበስር ኣብ ቀራና ዘመናት ደው ዝበለ ፍሉይ መእኽተኛ ነበረ። ስለዚ ድማ እዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብዛዕባ ዮሓንስ መጥምቅ ክዛረብ ከሎ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤንኢሉ ዝመስከረሉ (ማቴ፡ 1111) እሞ ቤተ ክርስቲያን መጥመቐ መለኮት ኢላ ንዮሓንስ ብምጽውዓ ኣዕቢያትሉ ድያ፧

ሓድሽ ዓመትን ቅዱስ ዮሓንስን

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ርእሱ ዝተሰየፈሉ ዕለት መስከረም ክልተ ድኣ ይኹን እምበር፡ ኣቐዲምና ኣብ ድሕረ ባይታ ራሽ ሃሻና ከም ዝረኣናዮ፡ ባሕቲ መስከረም ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂሉ ክኽበር፡ ቤተ ክርስቲያን ዝኣወጀትሉ ምኽንያት፡ ቅዱስ ዮሓንስ መዛዘሚ ኩላቶም ነቢያት ኦሪት ከም ዝኾነን፡ መጀመርያ ሓዋርያት ሓዲሽ ኪዳን ብምዃኑ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዓበይቲ ዘመናት ድማ ስለ ዝርከብ፡ ተምሳሉ ዘመን መቐየሪ ተባሂሉ ብሊቓውንትን ኣቦታትን ቤተ ክርስቲያን ተኣውጀ። ከምቲ ኣብ ኦሪት ዝተነግረ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሰ ዓወደ ዓመት ተባሂሉ ተጸውዔ። ብፍላይ  ኦረንታል ቤተ ክርስቲያናት ባይዛንቲን ቤተ ክርስቲያናትን ሮማን ካቶሊክን ብዝደመቐ ኣገባብ ክኽበር ይነብር ኣሎ። በዚ መሠረት ኸኣ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ድማ በብዓመቱ እናተቐያየሩ ንዓለም ክምግብዋ ይነብሩ ኣለዉ። ማቴዎስ ማርቆስ ዮሐንስ 365 መዓልታት ክኸውን ከሎ፡ ሉቃስ ግና 366  ዕለታት እዩ ዝኸውን።

ቅዱስ ዳዊት «ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣» (መዝ.65.11) ከም ዝበለ፡ እታ እግዚኣብሔር ዝህበና ዓመት ከመይ ኢላ ከም ትነብር ሊቀ ካህናት ኦሪት በብዓመቱ ባሕቲ መስከረም (ራሽ ሓሻና) ኣብታ ዓመት እቲኣ ዝርከቡ በዓላት ንህዝቢ ይእውጅ ከም ዝነበረ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ በቶም ልዑል ፍልጠት በዓትን ኣጽዋማትን ዘለዎም ሊቃውንታ ጌይራ፡ ዕለታትን በዓላትን ኣጽዋማትን ንምእመናን ተስምዓሉ ዕለት ብምዃኑዮሐንስ ናይ ዓመት መጀመርታ ወይውን ርእሲ ናይ መጥቅዕን አበቅቴን ከቢተባሂሉ ይግለጽ። መጥቅዕ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን መውጽኢ ክኸውን ከሎ፡ አበቅቴ ድማ ምስ ሠርቀ መዓልትን ሕፀፅን ተደሚሩ ናይ ሠርቀ ሌሊት መውጽኢ እዩ።

ባሕሪ ሓሳብ ከመይ ከም ዝሰርሕ ፍልጠት ዘለዎም ኣቦታት፡ ዘመናትን ዓመታትን ወርሓትን ዕለታትን ከመይ ከም ዝቀያየሩ ክምህሩና ከለዉ፡ ኣይሁዳውያን መለዋወጢ ዘመናት ዝኾነ ሮሽሓሻና (በዓለ መጥዕ) ዝኽበረሉ ዕለት፡ ሊቀ ካህናት ኣይሁድ፡ ልብሰ ክህነቱ ለቢሱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቆይሙ፡ ነታ ዓመት እቲኣ በዓላት ዝውዕለሉ መዓልታት ዝእውጀሉ ዕለት እዩ ዝነበረ። ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ትውፊት እዚ ተኸቲላ፡ ትጐዓዝ ኣላ።

መዛዘሚ

ቅዱስ ዮሓንስ ንመለኮት ምጥማቑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኤ ንሰባት ከኣ በቲ ክኾንዎ ዘለዎም መንገዲ ዝግስጽን ዝምዕድን ዓበይ መምህር ነበረ። ነቶም መንነቶም ከዊሎም ዘይንሳቶም መሲሎም ክንንሳሕ ደሊና እናበሉ ዝመጽዎ ዝነበሩ ኣይሁዳውያ፡ ብሓይሊ ይግስጾም ከም ዝነበረ፡ ቃል እግዚኣብሔር ይምስክር። ካብኡ ሓሊፉውን ኣብ ይሁዳ ነጊሱ ዝነበረ፡ ዘይግቡር ዝገበረ ሄሮዶስ ኣንጢጳስ ከይተረፈ ብዘይ ፍርሒ ከም ዘውገዞ ንመሃር።

ከመይሲ ንጉስ ሄሮድስ ንሰበይቲ ፍሊጶስ ሓዉ ንሄሮድያዳ ኣውሲብዋ ስለ ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ! ሄሮድስ ንሰበይቲ ፍሊጶስ ሓውኻ ክትውስባ ኣይግብኣካን ኢዩ ኢሉ ብትሪ ተቛወሞ። ነገሥታት ነኣድቶምን መጐስቶም እምበር፡ ገሰጽቶም ስለ ዘይፈትዉ፡ ስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድጐኖ። ሄሮዶስ፡ ንቕዱስ ሰብ ኣብ ማእሰርቲ ዳጕኑ ክሕጕስ ኢሉ ብመዓልቲ ልደቱ ዓብይ በዓል ገበረ። ብብልዕልን መስተን ክሕጎስ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ኣብ መጨረሽታ ጓል ፍሊጶስ ሓዉ ኣብ ማእከል ዕዱማት ኣጋይሽ ብሳዕሳዒታ ስለ ዘሐጎሰቶ፡ ንሱ ካኣ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቱውን እንተኾነ ክህባ ምዃኑ ቃል ኣተወላ፡ እታ ጓል ናብ ሄሮድያዳ ኣዲኣ ከይዳ፡ እቲ ዝኾነ ኩሉ ኣዘንተወትላ። ኣዲኣ ካኣ እምበኣር እቲ ዝቋወመኒ ዘሎ ዮሓንስ ኢዩ እሞ ርእሱ ኣብ ሒላብ ጌርካ ሃበኒ በልዮ ኢላ ሕነ ክትፈዲ፡ እኹይ መኽሪ መኺራ ንጓላ ኣፋነወታ። ከም ቃል ኣዲኣ ከይዳ ንንጉስ ነገረቶ።ንሱውን ከም ቃሉ መሰረት ንልማኖኣ ሰሚዑ ርእሲ ዮሓንስ ቆሪጾም ክህብዎ ኣዘዘ። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ክሳዱ ብሴፍ ተቖርጸ። እወ፡ እቲ ግደፍ ኣይትጋገ ንዓ ናብ መገዲ እግዚኣብሔር፡ ብቓሉ ተመራሕ ዝበለ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሱ ብሴፍ ከም ዝቑረጽ ተገብረ። ጐይታ ነቲ ንሥጋን ኣብ ገሃም ክድርቢ ዝኽእል ድኣ ፍርሕዎ እምበር፡ ነቶም ንሥጋ ጥራይ ክቐትሉ ዝኽእል ኣይትፍርሕዎም ከም ዝበለ፡ ክርስቲያናትውን ግዚያዊ ክብሪ ዘይኰነ፡ ዘለኣለማዊ ክብሪ ክረኽቡ፡ ምስ ሓጢኣት ዋጋ ዕዳጋ ከይኣተዉ፡ ኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ ተኸቲሎም፡ ንሓጢኣት ከውግዙ፡ ንጽድቂ ክነብሩ ይግባእ።

እግዚኣብሔር ንህዝብናን ሃገርናን ይባርኽ

ዶ/ር ሽሞንዲ ሃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div